2011-06-07 12:31:34

ኣባ ሎምባርዲ፦ ውጽኢት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክሮኣዚያ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 4 ሰነ ክሳብ ዕለት 5 ሰነ 2011 ዓ.ም. ኣብ ክሮኣዚያ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሥድራ ቤት፣ ኅብረት ኤውሮጳን ካርዲናል ብፁዕ ስተፒናክ ዕላማ ገይሩ ዝተፈጸመ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ RealAudioMP3 ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞን ውጽኢቱን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝፈጸመዎም ርክባትን መንፈሳዊ መርሃ ግብርታትን ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ዝለገሥዎ መሪሕ ቃልን ዘተኰሩሎም ርእሰ ጉዳያትን ቅድሚ ምትንታኖም እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ካብቲ ናይ ክሮኣዚያ ብፁዓን ጳጳሳት ትጽቢታት ንላዕሊ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዕዉት እውን ከምዝነበረ ጠቒሶም፣ ኣብ ክሮኣዚያ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ መላእ ሕዝቢ ክሮኣዚያ ዝቐረበሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ኣኽብሮትን ዝድነቕ ኢዩ።

እቲ ክርስትያናዊ ባህሊ መበቆል ዘለዎ ሕዝቢ ክሮኣዚያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክቕበልን ከእንግድን መሪሕ ቃል ክጽገውን ሕጉስ ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ብሓቂ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ክሮኣዚያን ዘሎ ጽኑዕ ርክብ ዝተስተማቐረሉን ዝተስተንፈሰሉን ኩነት ኢዩ ኔሩ። ኣብ ናይ ጸሎት መርሃ ግብርታትን ምስ መንሰይ ወለዶ ክሮኣዚያን ምስ ሥድራ ቤትን ዝፈጸመዎም ርክባትን ዘቕረብዎ መሪሕ ቃልን ክርስቶስ ዘማእከለን ክርስቶስ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴን ክርስቶስ ኣብ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ናይ ሊጡርጊያ ሥነ ሥርዓታትን ብሓፈሻኡ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ክርስቶስ ማእከል ዝገበረ እዩ ኔሩ ኢሎም።

ክሮኣዚያ ብምሉእ መሰልን ማዕርግን ኣባል ኤውሮጳ እያ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክሮኣዚያ ኣብ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዛዕባ ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ መሠረት ዘለዎ ባህልን ምዕባለን ለውጥታትን ማኅበረሰብ ኣሕዛብ ኣብ ኤውሮጳ እወታዊ መልክዑን ብድሆታቱን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታትን ኣማእኪሎም መሪሕ ቃል ክህቡ ባህርያዊ ኢዩ። ብፍላይ ምስ ናይ ሥነ ባህሊ ኣካላት ብሓፈሻኡ ምስ ምሁራት ኣብ ዝፈጸምዎ ርክብን ዘስምዕዎ ዘረባን ንኅብረተሰብ ክሮኣዚያ ዘስምዕዎ ዘረባ ብጠቕላላ ናይ ቤተ ክርስትያን ልምዳውን ፍሉጥን ዝኾነን እዋናውነቱ ብምርግጋጽ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዘነጸሮ ቅዉም ነገር ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ኅልናን ቀልብን ዝብል ቃልን ነዚ ኅሊና ዝምልከት ዝገለጽዎ ዓሚዩቕ ተደጋጋሚ ርእሰ ጉዳይ ምስ ካርዲናል ብፁዕ ኔውማን ኣተሓሒዞም ዝለገሥዎ መሪሕ ቃል ብሓቂ መሳጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ግንዛበ ክህሉ ዘነቓቕሔን፣ ቀጺሎም ነዚ ሓሳብ ምስ ጉዳይ ሥድራ ቤትን ኣተሓሒዞም ብውድዓዊ ክቡር ዋጋ ዝተቐስቀሰ፣ ብዘተ ሓቅን ሰናይን ኣብ ምድላይ ዝተግህ ኅሊና ዝሕነጸሉ ባህርያዊ ሥፍራኡ ሥድራ ቤት ከምዝኾነን፣ ሥድራ ቤት ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ካልኦት ኣባላት ሥድራ ቤትን ከባቢኡን ምስ ካልኦት ርክብ ዝምሥርተሉ ናይ ተራኻቢ ባህርይኡ ዝሕነጸሉን መንነቱ ዝምዕብለሉን ቅርጺ ዝሕዘሉ ቅዱስ ጉባኤ ምዃኑ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣባ ሎምባርዲ ጠቒሶም፣ ሥድራ ቤት ብክርስትያናዊ ሥነ ሓሳብ ዘለዎ ጽባቔን ዕብየትን ዓሚዩቕ ትርጉምን ብመሠረት መንፈሳውነት ምሥጢረ ተክሊል ተንቲኖም፣ ስለዚህ ሥድራ ቤት እዚ ዓሚይቕ ናይ ምዃን ትርጉሙ ከኽብር እንከሎ ሥድራ ቤት ማእከል ናይ ኅብረተሰብ ሕይወት ይኸውን ፍርያማን ሓናጽን ኮይኑ ብርግኣትን ሓጎስን ዝንበረሉ ቅዱስ ሥፍራ ኮይኑ ይርከብ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዛጋብርያ ክርስትያናዊ ትርጉም ሥድራ ቤት ከረድኡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሥድራ ቤት ዘጓንፍ ሽግርን ጸገምን ጠቒሶም ኣብ ሥድራ ቤት ኣብ ፍቕሪ ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ምስ ዝቐውም ጥራሕ ኢዩ መሠረት ምዃናዊ ትርጉሙ ዝጭብጥ። መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምሥጢረ ተክሊል ዘይቖመ ሥድራ ቤት ኣብዚ እዋን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ተምሳል ሥድራ ቤት ከይታልሎ ሓደራ ቢሎም እቲ ንመላእ ኅብረተሰብ ሃብቲ ዝኾነ ናይ ሥድራ ቤት ጽቡቕን ክቡር ዋጋታት ንምድሓን ኣሚቶም ዘቕርብዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ንካርዲናል ብፁዕ ስተፒናክ ዘኪሮም፣ እዚ ብፁዕ ወዲ ቤተ ክርስትያን ዘሕለፎ ጽንኩር እዋን እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ምልካውን ዓብላልን ሥርዓት ብግልጽን ብትብዓትን ተቓዊሞም ዝሃብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ነታ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ኣብነት ከምዝኾነን ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስትያን ወንጌላዊ ተልእኾ ነዚ ትብዓት ዘንጸባርቕን ዝነብርን ክብሪ ወዲ ሰብ ክሕሎ ዘተባብዕን ብቓልን ሕይወትን ክነብር ዝተጸውዔት ከምዝኾነት ዘረድእ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ከምዘቕረቡ ኣባ ሎምባርዲ ውጽኢት ሐዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክሮኣዚያ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዝገልጽ መግለጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.