2011-06-05 17:34:21

ማርያም ደዓርት ሰነ 4 2003 ዓ.ም. (ሰነ 4 2011)


አብ ጉዕዞ ሕይወትና ምስ ማርያም ንጉዓዝ!
ንባባት፡ ገላትያ 4፡1~9፥ ራእ 11፡19~12፡1~6፥ ግ.ሓ.1፡12~14፥ ሉቃ. 1፦39~56
ስብከት፡ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት።
ሎሚ ብስም ማርያም ደዓሪት ንአምላኽ ክብርን ምስጋናን ንማርያም አደና ጠበቓና ገርና ንምብዓል ተአኪብና አሎና። ማርያም ድዓሪት ንኹልና ፍሉይ ተዘክሮ አልአ ካብቲ ምስአ ዘሎና ምቅርራብ ክሳብ አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንገብሮ ኩሉ አብቲ ንሳ እትብዓሎ ዓድና ክንዝክር ይሕግዘና። አብዚ ክንርከብ ከሎና ፍሉይ ሓጎስ አብ ሕይወትና ይፈጥረልና ምኽንያቱ ብመንፈስ ንማርያም ዘኪርና ዕርቂ ምስ አምላኽ ንሓትት አሎና። ከምኡ ከም ሰብን አሕዋትን ብሓንሳብ ክንውዕል ከሎና ብሞራል ብሕውነት ዕረፍቲ ሥጋን ነፍስን ንረክብ ከምኡ ድማ ዓድናን ወገናን ብመንፈስ ምስኦም ዘሎና ርክብ ክነደልድል የዘኻኽረና። ዕለቱ ዕለት ምስጋና ሓጎስ ዕርቂን ፍቕርን እንዝክረሉ ደቂ ሓንቲ አደ ኮና አብ ሓድነት ክንአምን እሞ ኩሉ ጊዜ ምስ ማርያም ኮና ክንጽሊ፥ ብአአ አቢልና ንአምላኽና ክንረኽቦ ዝሕግዘና ፍሉይ እዋን እዩ።
ማርያም ድዓሪት ብ1889 አብ ከረን ብደናግልን አብ ግዚኡ ዝነበሩ ሰበኽቲ ወንጌል ማሕበር ላዛሪስት እያ ጀሚራ። አጀማምርአ ብግሩህን ባህርያዊ ኩነታት ብዝሓገዞ እያ ጀሚራ። ደናግል ደቅ ፍቕሪ ምስተን ዝአልየኤን ዝነበራ ዘኻትም ቆልዑት ብልምዲ አብዚ ሕጂ ዝብዓል ቦታ ይኸደ ነረን እቲ ቦታ በቲ እዋን ወሓዚ ማይ ዘየቋርጽ ከምኡ ንዓይንኻ ዘብህግ ዝተፈላለየ ባህርያዊ ፍረታትን መልክዕን ዝነበሮ ቦታ እዩ። ገለና ከም ዘርከብናሉ ሩባ ማርያም ድዓሪት ከም ዝሎሚ ከይነቐጸ ዓመት ምሉእ ዝዛሪ አብ ከባቢኡ ዝተፈላለየ ፍሩታታት ዝነበሮ ንኹሉ ነጋዳይ ዝማርኽ ቦታ ከምዝነበረ ኩልና ንዝክሮ ኢና። ሰብ አብዚ ቦታ ክመጽእ እንከሎ መንፈሳውን አካላዊ ዕረፍትን እዩ ዝስምዖ። አብ ማርያም ድዓሪት ኩሉ እዩ ዝሕጎስ መንእሰያት ዓበይቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ሓጎሶም ይገልጹ። ንመዓልቲ ማርያም ድዓሪት ኩሉ እዩ ዘብዕላ ክርስትያን አስላም ብሓበራ የብዕልዋ። ኩላ ሃገር ምስ ማርያም ትውዕል እንተበልና ዝተጋነነ አይኮነን።
ማርያም ድዓሪት ክነብዕል ከሎና ንፍሉይ ምኽንያት እዩ። ብማርያም አቢልና ንአምላኽ ክንረክብ እዩ። አብ ወንጌል ብዛዕባ ማርያም ክንርኢ እንከሎና አብ ሓገዝ ካልኦት ከምእትወፍር እዩ። መልአኽ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እትጸንስ ምስ ሓበራ ከም መረዳእታን ንአምላኽ ዝሰአኖ ከምዘየሎ ክገልጸላ ኢሉ ኤልሳቤጥ ጓል ሓትንአ አብ እርጋና ጸኒሳ ከምዘላ ምስ ነገራ፥ ተቐላጢፋ ነታ ናይ ብሓቂ ሓገዝ ዘድልያ ኤልሳቤጥ ክትሕግዝ ከይዳ። አብዚ ክንርእዮ እንኽእል ብዙሕ አሎ። ማርያም ንጭኑቕ ክትሕግዝ። ከምኡ ናይ አምላኽ ጸጋ ክተመስግን ንርእያ። ነዚ መሰረት ገርና አብ መንጎናና አብ መንጎ ወዳን ዘሎ ርክብ አብ ጸጋ ክነብር ዝሕግዝ ምዃኑ ማርያም አብነትና እያ። ብማርያም ክንሓስብ ከሎና አብ አእምሮና ብዝያዳ ክነተኩረሉ ዝግብአና ነገራት ነዚ ዝስዕብ ክንርኢ ንኽእል።

ማርያም ምስ ወዳ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና አብ ዓድና ስድራና ሃገርና ክትበጽሓና ትደሊ አላ። ማርያም ድዓሪት ክነግድ ከሎና ምስ ማርያም ክንራኸብ ምእንቲ እዩ። ንማርያም ምስ ረኸብና ንኢየሱስ ወዳ ክንረኽቦ ኢና። ንሓደ እተፍቅሮ ክትረክብ ከሎኻ ሓጎስ ቅሳነት ይፈጥረልካ። ካብ አምላኽ ዝዓቢ ምንጪ ሓጎስ የለን ማርያም ንአምላኽ ረኺባቶ ኩሉ ዝሃባ ፈሊጣ አመስጊናቶ እያ አነን ንስኹምን ሎሚ ንማርያም ክንረክብ ንኢየሱስ ክንረክብ እዩ አኸባና። አብ ቅድሚ ማርያም አብ ቅድሚ ወዳ ኢና ዘሎና ስለዚ እንታይ ንገብር።
    ልብና ንአምላኽ ንኽፈተሉ። ንሓደ እትፈትዎ ምስ ረኸብካ ቀዳማይ ነገር እትገብሮ ልብኻ ንብረትካ ኩሉ ዘሎካ ትኸፍተሉ። ንአምላኽ ምስ ረኸብናዮ ካባና ዝደልዮ ክፉት ልቢ ንአኡ ጥራሕ ዝቕበል ክንሕዝ እዩ ዝደልየና። አምላኽ ብዝተፈላለየ አጋጣሚ ብአፍደገ ገዛና ይሓልፍ አሎ ከየላለናዮ ይሓልፈና አሎ። አብ ኩሉ ንአምላኽ አላሊና ክንክእል። ማርያም ካብአ ዝድለ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ንአምላኽ ሕራይ ኢላቶ። እሽታ ማርያም ንኹልና ደቃ ገሩና እዚ ከአ አምላኽ አደ ኩልና ክምእትኸውን ስለ ዝገበራ እዩ። ከም ቤተ ዘካርያስ ሎሚ እዚ ጸጋ ካበይ ዝመጸኒ ዘሎ እዩ እናበልና ክነምስግን እሞ አብ ቤተይ አብ ሓዳረይ አብ ልበይን አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወተይ እቶ እናበልና ልንቅበሎ ፍቓደኛታት ንኹን።
    ደቂ ማርያም ኮና መንፈስ ማርያም አብ ኩሉ ንዘርግሕ። ካብ ሓንቲ አደ ዝውለዱ ሓባራዊ ጠባይን መንፈስን አልኦም። ብመንፈስ ኩልና ደቂ ማርያም ስለ ዝኾና ሓባራዊ መንፈስ ጠባይን ንሓዝ። ማርያም ደቀይ ስለ ዝኾንኩም አነ ዝደልዮ ግበሩ ትብለና። ካብ ሰይጣን ርሒቅና ንአምላኽ አብ ልብና ቦታ ክንህቦ እሞ ንዝኾነ ካብ ደቂ ማርያም ምዃን ዝኽልክለና ክንርሕቕ ይግብአና። አብ ርክባትና ስም ማርያም ዝዓብየሉ መገዲ ንድለ፥ ሰባት ብአ አቢሎም ንአምላኽ ዝቐርቡሉ ንድለ።
    ማርያም ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነራ ይብለና ወንጌል። አብ ልባ እትሕዞ ዝነበረት እንታይ እዩ እንተበላን፥ ምስጢር አምላኽ ከምኡ ናይ ኩሉ ትርጉምን እንታይነትን ይንገራ ስለ ዝነበራ ትሕዞ ነራ። ናይ አምላኽ ነገር አብ ልቡ ሒዙ ዝኽእል አይጋገን እዩ። አምላኽ አብዘለዎ ሰላም እዩ ማርያም ነዚ እያ ትገብር ነራ። አብ ልብኻ አምላኽ ሒዝካ ምኽአል። አብ ቃል አምላኽ ልብኻ አውዲቕካ አምላኽ ካባኻ ዝደልዮ ምፍላጥ፥ አብገለ እዋን ክንርድኦ ዝኸብደና ይልእከልና እዩ ስለዚ ፍቓድካ ይኹን ምባል፥ ተመስገን ኢልካ ምኻአል።
    ማህደር መንፈስቅዱስ ንኹን። መልአኽ “ሰላም ንአኺ ኦምልእተ ጸጋ፥ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ. . . . . አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ አይትፍርሒ. . . . መንፈስ ቅዱስ አባኺ ክወርድ እዩ፥ ኃይሊ ልዑል እውን ከጽልለኪ እዩ” እነበለ ብመንፈስ ቅዱስ አብአ ከም ዝዓዪ ነጊርዋ። ንሳ ካብ መጀመርያ ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ክትከውን ተመሪጻ እያ። ሕይወታ ምልኡ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ክትብል አሕሊፋቶ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ንአና እውን ታቦት መንፈስ ቅዱስ ይብለና። ሎሚ እምብአር ምስ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ይግባእ። ልብና ክነጽሕ ኃጢአትና ክነለሊ እሞ አብ መንበር ኑዛዜ ኮና ክንሳሕ ንዕደም አሎና። ልብኹም ሃቡኒ አነ ክውንኖ አቅዱላይ አደኹም ልባ ሂባትኒ እያ ደቃ ኩኑ ይብለና አሎ። ደቂ ማርያም እንተኾና ተቐበልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢና።

እምብአር በዚ ብሩኽ መዓልቲ ኩልና ደቂ ማርያም ምዃና ሓዲስናዮ ክንርከብ እሞ ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኰና ክንርከብ ፍቓደኛታት ንኹን። ኩልና ደቂ ሓንቲ ማርያም ኮና ፍቕሪ ሰላም አብ መንጎና ክነንግስ እሞ ነታ ብርኽቲ አደና አብ ኩሉ ናታ ኮና ክንርከብ ክንጽዕር ክንጽሊ ይግብአና። አብ ኩሉ ምስ ማርያም ክንጉዓዝ እሞ ንኢየሱስ ክንረክብ ሕይወትና ንኽፈተሎም።
ኦማርያም ሕይወተይ ክቕይር ሓግዝኒ ንበላ ንወድኺ ልምንለይ አብ ኩሉ እሙን ክርስትያን ኮይነ ክጉዓዝን ንዝተዋህበኒ ጸጋ ከምቲ ዝድለ ከፍርዮ ሓግዝኒ ። አብ ጉዕዞ ሕይወተይ ፍሉይ ፍቕርኺ ክሓድረኒ ሓግዝኒ እናበልና ንጸሊ። አብ ሃገርናን ዓለምናን ሰላም አውርዲ ንኹሎም ጭኑቓት ራህዋ ከምዝረኽቡ ግበሪ፥ ብሞት ንዝሓለፉ አብ ሕቕፍኽን ሕቕፊ ወድኽን ከም ዝኾኑ ግበሪ። ምስ ወድኽን ምሳኽን ዕረቐና ንበላ።
መብጽዓናን ሕይወትናን ሓዲስና ደቂ ማርያም ንኹን አምላኽ ብአማላድነት አዲኡ ማርያም ይርድአና፥ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና አብዚ እዋን ብፍሉይ ረድኤቱን ጻግኡን ይዓድለና።
ብሩኽ አውድአመት!
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.