2011-06-04 14:48:29

ዱብሊን፣ መደብ መቀራረቢ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን


ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ኣየርላንድ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መሰናደዊ ኣብ ዱብሊን ክካይድ ዝቐነየን ትማሊ ዝተዛዘመ ኣኼባ ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልኡኻት ከምእተሳተፉን ብዛዕባ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኩላውነት RealAudioMP3 መልክዑ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅዱስ ቁርባን ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፒየሮ ማሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክገልጹ፦ እቲ ኣብ ዱብሊን ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መበል 50 ምዃኑን እዚ ድማ ጉባኤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተኸፈተሉ/ዝተጀመርሉ ዕለት መበል 50 ዓመት ዘዘኻኽርን ስለዚህ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቲ ኵላውነት መልክዑ ዘንጸባርቕን ዘረጋገጽን ኢዩ። መሠረት ህላዌ ቤተ ክርስትያንን ክርስትናን ክርስትያንን ቅዱስ ቁርባን ኢዩ። ቅዱስ ቅርባን ተዘክሮ ዘይኮነስ ሥጋን ደምን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ሥፍራን መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ እንከሎ ህልው ዝኸው ሓቀይና ምሥጢር ኢዩ። እዚ ዓቢይ ምሥጢር’ዚ ንሕዝቢ ዓለምን ብዕምቆት ምርዳእ ዘድልዮ ስለ ዝኾነ እምነት ዝሓትት ኢዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እንታይነት ትርጉም ምሥጢር ቅዱስ ቁርባን ንሕዝቢ ብቐጻሊ ኣብ ቅዳሴን ብመልክዕ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ እውን ወትሩ ክግለጽ ከምዘለዎ ዘተሓሳሰበ መሰናደዊ ኣኼባ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.