2011-06-04 14:45:26

ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ሰማዕትነትን ብፁዕ ዘፊሪኖ ኺመነዝ ማላ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣባል ዓሌት እቶም ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሰ ዝነብር ሕዝቢ ዝኾነ ናይ እምነት ሰማዕት ብፁዕ ዘፈሪኖ ኺመነዝ ማላ (1861-1936) መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ልደትን መበል 75 ዓመት ሰማዕትነትን ምኽንያት እቶም ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቦታ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ዝነብሩ RealAudioMP3 ሕዝቢ ሮም ሲንቲ ማኑከስን ካለን የኒሽን ዓሌታት ዝውክሉ 1400 ኣባላት ቀዳም ዕለት 11 ሰነ 2011 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝልግሱ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ዝሃቦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ’ዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ብዛዕባ እዚ መደብ ርክብ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሰ ዝነብር ሕዝቢ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተራኦምን ቤተ ክርስትያን ንኣኣቶም እተቐርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማእከል መልእኽቲ ሒዞም ናብ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 11 ሰነ 2011 ዓ.ም. ኣቕሪቦም ካብ ቅዱስነቶም መሪሕ ቃልን ሓዋርያዊ ቡራኬን ክቕበሉ ምዃኖም ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.