2011-06-04 14:46:58

ብፁዕ ኣቡነ ቨሊዮ፦ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል


ኣብ ኤውሮጳ መደብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተራ ቅዱሳት ሥፍራ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ቡዳፔስት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ መንፈሳዊ ንግደት ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ RealAudioMP3 ኣብ ምስባኽ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣብ መደብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ጠቒሶም፣ ተልእኾ ቤተ ክርስታይን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ወንጌል ምብሣር ከምዝኾነን ኣብዚ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን’ዚ ቅዱሳት ሥፍራን መንፈሳውያን ነጋዶን ዓቢ ግደ ከምዘለዎምን መንፈሳዊ ንግደት ንገዛእ ርእሱ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

መንፈሳዊ ንግደትን ቅዱሳት ሥፍራን ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ህላዌ ሃይማኖትን እምነትን መግለጺ ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ ቅዱሳት ሥፍራ ናይ ንግድ ሥፍራ ከይከውንን መንፈሳዊ ንግደትን ቅዱሳት ሥፍራን ንንግድ ከም ምቹእ ሥፍራ ዝጥቅምሉ ምዃኖም ዘኪሮም፣ እዚ ቅዱሳት ሥፍራ ነዚ ዓይነት ሓደጋ ከይቃላዕን ከይዕብለልን ቀንዲ ዕላማኡ ክስሓት የብሉን ቢሎም፣ ዝኾነ ይኹን መንፈሳዊ ንግደት ካብ መንፈሳውነት ዝብገስ ቅዱስ ተግባር ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣውስትሪያ ማሪያዘል ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ተረኺቦም ሸቶ ናብ ቅዱሳት ሥፍራ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት፣ እቲ ቅዱሳት ሥፍራ ዘይኮነስ፣ በቲ ናይ ኵሉ ህላዌን ምዃንን ሕቶን ባህግታትናን መልሲ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ምስ እግዚኣብሔር እንራኸበሉ ሥፍራ ኢዩ ዝበልዎ ጠቒሶም ዕላማን ትርጉም ቅዱሳት ሥፍራ ከምዝተንተኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.