2011-06-04 17:07:51

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዛግረብ ማእከል ትያትር ምስ ኣመሓደርቲ ዓውድታት ፖሎቲካ ትምህርቲ ባህልን ከማኡ እውን ምስ ዲፕሎማሰኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝገበርዎ ዲስኩር:


ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዛግረብ ማእከል ትያትር ምስ ኣመሓደርቲ ዓውድታት ፖሎቲካ ትምህርቲ ባህልን ከማኡ እውን ምስ ዲፕሎማሰኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝገበርዎ ዲስኩር ቀንዲ ዘተኰሩሉ ኣብ መጻኢት ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ሡር ኣገዳሲ ምዃኑ ኢዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ንግግሮም ‘ክርስቶስ ደቂ ሰባት ናብቲ ናብ ዘለዓለማውነትን ድሕነትን ዝመርሕ ጉዕዞ ንከኣትው ነዚ ዓለምና ኣሓዲስዎ፤ ካብ ሥነ ጥበብን ባህልን ከይፈለኻ ኩላውነት ወይ ሓባራውነት ምስ ክርስትናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ይተኣሳሰር፤ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ኢዩ፤ ናይ ሰብ ዝኾነ ነገር ኩሉ ኸስ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ቃሉን ምልኣት ሕይወትን ትርጉምን ይረክብ፤ ኣብዚ ጉባኤዚ ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንትን ማኅበረ ክርስትያንን ኣባላት ከማኡ እውን ተኸተልቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን ምህላዎም ሃያማኖት ካብ ማኅበረሰብ ነጺልካ ዘይረኤ ምዃኑ የመልክት፤ እኳ ደኣ ሃይማኖት ብባህሪኡ ቃል እግዚአብሔር ምስማዕ ነቲ ሓባራዊ ሠናይ ነገርን ኣብ ሓቂ ዝተመሥረተ ፍትሕን ዕርቅን ብምንዳይ ናብ ሰማያዊ ነገራት ከነተኩር ዘዘኻኽር ናይ ኅብረተሰብ ባህርያዊ ማንታ ኢዩ፤ ሃይማኖት ነቲ ብ ዓመጽን ቂመ በቀልን ዝልለ ታሪኽ ደቂ ሰባት ናይ ሰላም መጋበሪ ብምዃን ንልቢ ደቂ ሰባት ናብ ግላውን ሓባራውን ዕርቂ ንክኽፈት ዝኩሕኩሕ መጋበሪ ኢዩ’ እንክብሉ ኣብ መንጎ ኅብረተሰብን ሃይማኖትን ዘሎ ባህርያዊ ምትእስሳር ገሊጾም።
ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ቅድሚ ኣብ ዝገበርዎ ዓለም ሓቆፍ ሐዋርያዊ ጉዕዞታት ከም ኣብነት ዓሚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድስት መሬት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽታት መራሕቲ ሃይማኖት ንዕርቅን ንሰላምን ናይ ኩሉ ተሓተቲ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ዝዝከር ኢዩ።
ምስ ሃይማኖት ተታሓሒዙ ዚኸይድ ጉዳይ ሕልና ብምዃኑ ኣብዚ ናይ ሎሚ ንግግሮም እውን ብዛዕባ ነጻነት ኅልና ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም፤ ‘ጉዳይ ነጻነት ኅልና ኣብ ኤውሮጳ ብሕልፊ ከኣ ናይዚ ክፍሊ ዓለም ብታሪኽን ብባህልን ትተኣሳሰር ክሮኣጽያ ኣብ ፖሎቲካዊ ተቅዋማት ክ ኣቱ ይረኤ ኣሎ፡ ናይ ዘመና ዝለዓለ ዓወት ኮይኖም ካብ ዝረኣዩ ጉዳያት ነጻነት ኅልና መሰል ደቂ ሰባት ነጻነት ሳይንስ እንክኾኑ ኣብዚ ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኣሎ፤ ነጻ ዝኾነ ኅብረተሰብ ነዘን ዝተጠቅሳ ጉዳያት በቲ ልዑል ዝኾነ ሰማያዊ ርድኢት ከም ዝምሥረታ ክገብሩ ኣለዎም፤ እንተዘየሎ ኣብ ገገሊኡ ከም ንዕዘቦ ዝዓበየ ዕንወት ከስዕባ ስለዝኽላ ጥንቃቄ የድሊ፤ ናይ ኅብረተሰብኣውን ሲቪላውን ሕይወት ብሉጽ መምዘኒ ከማኡውን ናይ ደሞክራሲ ልዑል መምዘኒ ኣብ ኅልና ይምርኮስ፤ ስለዚ ኅልና ብቅኑዕ መንገዲ ክኹስኰስ ኣለዎ፤ እንተደኣ በዚ ንር እዮ ዘሎና ም ዕራባዊ ሥልጣኔ ተዀስኩሱ ግን ኣብ ግልኻ ጥራይ ተዓጺኻ ክትተርፍ ስለዝደፍእ ቅልውላው ኤውሮጳ ፈውሲ ዝርከቦ ኣይመስልን ንዕንወቱ ዝዓለመ ከኣ ይመስል፡ እንተደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ኣኅዋት ደቂ ሰባትን ንሓቅን ሠናይ ነገራትን ከስተው ዕል ክ ኢሉ ግን ንመጻኢ ተስፋ ኣሎ’ ማለት ኢዩ እንክብሉ ነጻነት ኅልና ነጻነት ሃይማኖት እንተዘይኰስኩስዎ ሓደገኛ ሥነ ሞጎት ምዃኑ ኣብሪሆምል። ክርስትያናዊ መሠረቶም ክዝክሩን ዕምቈት ምሥጢሩ ኣንቢቦም ክኽ እሉን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ቤተ ክርስትያን ዘበርከተቶ ግብረ ሠናያዊ ኣስተዋጽኦ ማለት፤ ዪኒቨርሲታት ሆስፒታላት ቤት ትምህርታት ብሰብ ኅልና ዝተሰርሑ ምዃኖም ናይዞም ሰባት እዚኦም ኅልና ከኣ ብኃይሊ ሓቅን ሠናይ ነገርን ከምዝተንቀሳሱን ምዝካር ከምዘድሊ እውን ኣተሓሒዞም ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ተወላዲ ናይቲ ዓዲ ዝኾኑ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሩደር ጆሲፕ ቦሽኮቪች ብምዝካር ቅድሚ 300 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዱንብሮቭኒክ ብ18 ግንቦት 1711 ዓም ዝተወልዱ ኣብነት ናይ ዝተፈለለዩ ዓውደ ፍልጠት ኣወሃሂድካ ምኽ ኣል ክኾኑ ከምዝኽ እሉ፤ ባህሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ እዚ ምዃኑ ብምብራህ ህንጸት ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ክሮኣዝያ ምልክት ተስፋ ኢዩ፤ እዛ መካነ ጥበብ እዚኣ ንዝተፈላለየ ዓውደ ትምህርቲ ኣዋሃሂዳ ንመንነት ሕዝብኹምን ባህሉን ክት ዕቅብ ተስፋ እገብር እንክብሉ፤ ኣብ ኩሉ ኃባራዊ ሠናይ ነገር ከቀድሙ ተማሕጺኖም።
ናይ ዘመንና ሕጻናትን መን እሰይን ናይቲ ዝለዓለ ሕጊ ምንጪ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ የጽንዑ፤ ኣብዚ ዘመንዚ ጸጊሙ ዘሎ ውልድ እንክትብል ጀሚርካ ንኩሉ ብነጻ ከምዝወሃብ ግቡእን መሰልን ብምርኣይ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ብሂል ገኒኑ ኩሉ ንብሕቱ ክውንን ብምድላይ ነቲ ኃባራዊ ሠናይ ነገር ዘንጊዕናዮ ንርከብ ስለዘሎና፤ ነዚ ንምፍዋስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኃላፍነት ናይ ኩሉ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ሥድራቤት ብሓፈሻ ከኣ ካቶሊካውያን ምእመናን ንሕንጸን ናይዚ ወለዶ እዚ ክትተግሁ፤ ብመሠረታዊ መምርሒ ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተመሪሕኩም ንጡፋት ምእመናን ንፍትሒ ዝቆምኩም ንሕይወትን ሥድራቤትን እትከላኸሉ ናይ ሃይማኖትን ትምህርትን ነጻነት እተደንፍዑ ንምዃን ጸዓሩ። ብማለት ዘረባኦም ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.