2011-06-04 14:44:24

ሰላምታን ቡራኬን ቅዱስ ኣቦና ንጉባኤ ካቶሊካውያን ምንቅስቓስ ተሓድሶ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ቅድሚ ትማሊ ብሔራዊ መበል 34 ጉባኤ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 6 ፍቕዲ 51 “…ኣነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ከኣ ሥጋይ እዩ” ብዝብል ወንጌላዊ ቓል ተመሪሑ ከምእተጀመረ ተገሊጹ።

ኣብዚ ብሔራዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ካብ መላእ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ RealAudioMP3 ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ተግባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉን፣ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነበረሉ ብዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ጉባኤ እቲ ልዑል ደረጃ ናይ ክርስትና ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቁርባንን ምሥጢር እምነትን ንምንባርን ምሉእ ብምሉእ ንምስዓብ ዘተባብዕን ዝድርኽን ውዕዉዕ መንፈስ ከነቓቕሕ ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ዘነቓቕሖም ተበግሶታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ናዝሬት ዘቖሞ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥድራ ቤት ማእከል ጠቒሶም ከምዘተባብዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ናብቲ ናይ ሪሚኒ ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ሕመረት ተመኩሮ’ታ ናይታ ንእግዚኣብሔር ክትውድስን ምእንቲ ሕዝቢ ዓለም ድሕነት ከተማልድን ዝተጸውዔት ቤተ ክርስትያን ዝጸንዕ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ኢዩ ኢሎም።

ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ብወገኖም ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ስጉሚ ጎዕዞ ናይ ምቅስቓስ ተሓድሶ ዕላማ ኣብ ጸሎት ምጽማድ ዝብል መብጽዓ ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ ኣብ ዓለምን ንፍጥረት ሰብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክምስክር ዝተጸውዔ ካቶሊካዊ ምቅስቓስ ኢዩ፣ በዚ መሠረት ኅዳሴ ካቶሊካዊ ምንቅስቓ ተሓድሶ ወንጌላዊ ልኡኽነት ዝነብር ኽኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.