2011-06-04 17:58:51

ሐዋርያዊ ዑደት ክሮአጽያ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 .


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ክሮአጽያ

ናይ ክልተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ብሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ካብ ሃገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ Leonardo da vinci ነቂሎም ሰዓት ዓሰርተ ሐደ ፕለሶ መዕረፍ ነፈርቲ ዛጋብርያ አትዮም።

ካብ መዕረፍ ነፍርቲ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ከነቅሉ ከለዉ አብ ናይ ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ካርዲናላትን አብ ክሮአጽያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል አብ ቅድስቲ መንበር አምባሳደር ክሮአጽያን አፋንዮምዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ ሮማ ምስ ነቀሉ ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ ንፕረሲደንት ጆርጂዮ ናፖሊታኖ ተለግራም ከም ዝልአኹሎም ክምልከት ከሎ ብምኽንያት አብ ክሮአጽያ ተኸቢሩ ዝውዕል ዕለተ ስድራ ካቶሊካውያን አብ ክሮአጽያ ናይ ክልተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይድ ይኸይድ አለኹሞ ሰላም ክብለኩም ሐጎስ ይስምዓኒ ስድራ ቤት መሠረት ሕብረተ ሰብ ከም ዝኾነ ዘኪሮም ክአ ሕብረተ ሰብ ጣልያን ዝተባረኸ ክኽውን ተመንዮም ።

ንዓኹም ንዝኸበርኩም ርእሰ ብሔርን መሳርሕትኹምን ንህዝቢ አብ እትህብዎ አገልግሎት እግዚአብሔር ክሕግዘኩም እናተመነኹ ሐዋርያዊ ቡራኼ ይልእከልኩም ዝብል ከም ዝነበረ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ርእሰ ከተማ ክሮአጽያ ዛጋብርያ ምስ አተዉ ናይ ሃይማኖትን ናይ መንግስትን ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት ብምዉቅ መንፈስን አገባብን ተቀቢሎምዎም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ነቲ ዝተገብረሎም ዎዕዉዕ አቀባብላ ብልቢ አመስጊኖም ፡ ነቶም ዝተቀበልዎም ሰበ ስልጣናት ሃይማኖትን መንግስት ክቡርታን ክቡራንን ክቡር ፕረሲደንት ክቡራትን ክቡራንን ፡ ሎሚ አብ ሞንጎኹም ብምርካበይ ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓኒ ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሀገርኩም ክሮአጽያ ክነግድ መጽኤ አለኹ ።

ቅድስነቶም አተሐሒዞም ንህዝቢ ክሮአጽያ ሰላምታይ የቅርበሉ ፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክሮአጽያ ንኹሎም ጳፕሳት ካህናትን ደንግልን ንካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብ ከምኡ ክአ ንፕረሲደንት ክሮአጽያ ንሰበ ሥልጣናት መንግስቲ ብሐባር ሕያውነታዊ ሰለምታይ ይብጻሕኩም ኢሎም ።

በነዲክቶስ አስራ ስድስተኛ አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ዛጋብርያ ምስ በጽሑ ዝገበርዎ ዲስኩር ብምቅጻል እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ አብ ግዜ ርእሰ ሊቃነር ጵጵስንኦም ሰለስተ ግዜ ክሮአጽያ በጺሖም ከም ዝነበሩ ብምዝካር ክሮአጽያ ምስ መንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ዘለዋ ምትእስሳር ዱልዱል ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል ኢሎም።

ቀጺሎም ርክብ መንበረ ቅዱስ ጰጥሮስን ክሮአጽያን ቅድሚ ዓሰርተ ሰለስተ ክፍለ ዘመናት ከም ዝተጀመረ ዘኪሮም ክአ ህዝቢ ክሮአጽያ ንቅዱስ ወንጌልን ንቤተ ክርስትያንን ዘለዎ ፍቅሪ ሐልዮን ዘነጽር ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ክሮአጽያ እዚ ክብርን መንፈስን ቅዱስ ወንጌል”ዚ አብ ኤውሮጳ ከም ዘንጸባርቅ ከም ዝገበረን ምስጋና ከም ዝግብኦን ክአ አተሐሒዞም አመልኪቶም።

ክሮአጽያ አባል ሕብረ ኤውሮጳ ክትከውን አብ መስርሕ ትርከብ ከም ዘላ ጠቂሶም፡

ክአ እዚ አዎንታዊ ክኸውን ሀረር ከም ዝብሉ ጠቂሶም ሃብታም ባህልን መንፈስን ክሮአጽያ ንሕብረት ኤውሮጳ ሐጋዝን አብነታውን ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ረኪበ ጳጳሳት ክሮአጽያ ነዚ ሎሚ አብ ሀገርኩም ዝጅምሮ ዝለኹ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ብኽርስቶስ ብሐንሳብ ከም ዝሰየሞ ዘኪሮም ፡ አብቲ ጽባሕ ሰንበት ብሀገር ደረጃ ተኸቢሩ ዝውዕል ዕለተ ካቶሊካውያን ስዳራ ቤት ብሐንሳእ ክነውዕሎ ምክአና ንኢየሱስ ክርስቶስ መድኀኔ ዓለም ብሓንሳእ ነምስግኖ ኢሎም ።

አብዚ ግዜ”ዚ ንቤተ ክርስትያንን ንበርጌሳዊ ማሕበረ ሰብን ዝገጥምዎም ብድሆታት ንምግታእ እቶም ብህዝቢ ክሮኣአጽያ ዝተፈትዉ ብፁዕ አሎጺ ስተፊናክ ቅዱስ ዮሴፍ ሐላዊ ክሮአጽያ ከማልዱልና ብሐባር ንጸሊ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እንደገና ነቶም ድሙቅ አቀባበል ዝገበሩሎም ሰበስልጣናት ቤተ ክርስትያንን መንግስትን አመስጊኖም ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የመስግን እግዚአብሔር ይባርኩም ኢሎም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝገበርዎ ዲስኩር ምስ ፈጸሙ ናይ ክርአጽያ መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኢቮ ዮሲፖቪች ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እንቋዕ ንክሮአጽያ ድሐን መጻእኩም ፡ አብ ሀገርና ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክትገብሩ ብምምጻእኩም ብስመይን ብስም ህዝብን የመስግነኩም።

ክሮአጽያ ሐራን ነጻን ዝወጸትሉ ዘመናውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ዝሀነጸትሉ መበል 20 ዓመት ብምምጻእኩም ሐጎስ ህዝቢ ክሮአጽያ ክብ ዝበለ ከም ዝኾነ ከረጋግጸልኩም ይደሊ ፡ ዝበሉ ናይ ክሮአጽያ መራሕ መንግስቲ ኢቮ ዮሲፓቪች

ድሕሪ ምብትታን ዩጎዝላቪያ ቅድስቲ መንበር ንክሮአጽያ ቀልጢፋ ከም ሀገር ብምፍላጥ ዘካየደቶ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ዝምስገን ከም ዝኾነ ጠቂሶም አመስጊኖም።

ናይ ቤተ ብክርስትያንን ቅድስቲ መንበር ሞራላውን ፖሊቲካውን ሐላፍነትን ፖሊሲ ንብዙሐት ሀገራት አብነት ከም ዝኾነን በዚ ካአ ህልውና ክሮአጽያ ከም ዝተረጋገጸ ፕረሲደንት ኢቮ ዮሲፖቪች አገንዚቦም ።

ክሮአጽያ ነዊሕ ክርስትያናዊ ታሪክ ዘለዋ ካቶሊካዊ ምንነትን ባህልን ከም ትውንን ክአ መራሕ መንግስቲ ክሮአጽያ ገሊጾም አለዉ ።

ክሮአጽያ አብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ እምነታት ዘተ ክካየድ አብ መላእ ዓለም ሰላም ፍትሕን ርትዕን ክነግስ ከም ትደሊ ን አብ ርሑቅ ዘይኮነ ግዜ አባል ሕብረት ኤውሮጳ ክትከውን ተስፋ ከም ዘሎን ከም ዝግብአን ክአ አተሐሒዞም አገንዚቦም

ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መሠረት ኤውሮጳዊ ባህሊ ከም ዝኾነት ምእንቲ ክብርን ግርማን መሰል ሰብን ድሕነቱን እተካይዶ ጸዓት ክምስገንን ክምጐስን ከም ዝግባእ ክአ ገሊጾም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ዛጋብርያ ጽቡቅ ግዜ ከሕልፉ ተመንዮም እንደገና ቅዱስ አቦና እንቋዕ ድሐን መጻእኩም አብ ሞንጎና ብምርካብኩም ሐጎስን ሐበንን ይስምዓና ብማለት ቃለ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ዛዚሞም ።

ብድሕሪ”ዚ ቅድነቶም ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ንቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክሮአጽያ ተጓዒዞም ናይ ክብሪ ምብጻሕ ጌሮም።

ሕጂ መደብና ክተሐላለፍ ከሎ አብ ዛጋብርያ ዝርከብ ቤተ ሐዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ተጓዒዞም ድሕሪ ቀትሪ ክአ ናብቲ ሀገራዊ ትያትር ተጓዒዞም ምስ ናይታ ሀገር ሲቪል ፖሊቲካ ባህሊ ናይ ወጻኢ ሀገራት አምባሳደራት ተራኺቦም እዚ ዝስዕብ ዲስኩር አስሚዖም አባ መኾነን አማኑኤል ብድሕሪኡ

ካብ ሀገራዊ ትያትር ዛጋብርያ ናብቲ ዝሐድርሉ መካነ ሐዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ተመሊሶም አለዉ ።

ክሮአጽያ አካል ዮጎዝላቪያ ነበር ከም ዝኽነትን 4.ሚልዮንን ፈረቃን ህዝቢ ሐቆፍ ከም ዝኾነትን ክዝከር ከሎ ፡ አብ ክርአጽያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ማለት አምባሳደር ብፁዕ አቡነ ማርዮ ሮበርቶ ካሳሳሪ ከም ዘመልክትዎ ቤተ ክርስትያንን ምእመናን ክሮአጽያ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብሀረርታ ክጽበይዎ ዝጸንሑ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ እዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ንህዝቢ ክሮአጽያ መንፈሳውን ሞራላውን ተስፋ ዝህብ ከም ዝኾነ ገሊጾም አለዉ ።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዛጋብርያ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ክርስትያናዊ ተስፋ ዝህብ ፍጹም አድላይን አገዳስን ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነን ካብ ኩሉ መንፈሳውን ሞራላው ተሐድሶ ዝልግስ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕዝነት ዝፈጥር ከም ዝኾነ ብፁዕ አቡነ ማርዮ ሮበርቶ ካሳሳሪ አመልኪቶም።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ክሮአጽያ አምባሳደር ፡ ፊሊፕ ቩካክ ብወገኖም ፡አብ ሞንጎ ቅድስቲ መንበር ክሮአጽያን ጽቡቅ ርክብ ከም ዘሎ ጠቂሶም እዚ ሕጂ በነዲክቶስ አብታ ሀገር ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ርክብ ከም ዘድልድሎ አመልኪቶም።

ቅድስቲ መንበር ነጻነት ክሮአጽያ ብቅጽበት ዝፈለጠት ስለ ዝኾነት ህዝቢ ክሮአጽያ በዚ ሕጉስ ከም ዝኽነ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ክሮአጽያ አምባሳደር ፍሊፕ ቩካክ ሐበሬታ ሂቦም።







All the contents on this site are copyrighted ©.