2011-06-03 16:46:54

ኣብ ጫፍ መስቀል ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ንራኸብ፤


ጸሎት ኢየሱስ መስቀል ኢዩ። ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቂሉ እንከሎ ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ተራኺቡ። ምእንቲ ኅድገት ኃጢኣት ደቂ ሰባት ጸልዩ፤ ከርስትያን ከኣ ነዚ ወትሩ እናተሓደሰ ዝነብር መስቀል ክቅበሉ ጽው ዓት ኢዮም፡ ትርጉም ጸሎትና ከኣ እዚ ኢዩ፤ እንክብሉ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናንን ነጋድያንን ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንከስተምህሩ ዓሚቁ ትርጉም ጸሎት ዝገለጹ ቅ.ኣ.ር.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኢዮም።
ቅዱስነቶም ንኣስተምህሮኦም ከም መኽፈቲ ዝሓረይዎ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኦሪት ዘፀአት ብዛዕባ ሙሴን ሕዝበ እስራኤልን ዝገልጽ ኢዩ። ብቀንዱ ከኣ ኣማልድነት ሙሴ ናይቲ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ዕፀ መስቀል ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዝገብሮ ኣማልድነት ኣምሳል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ዝርዝራዊ ትምህርቶም: ፈርዖን ንሕዝበ እስራኤል ነጻ ክለቆም ሙሴ ክጽሊ፤ (ዘፀ. 8) ኃውቱ ምስ ሓመመት ምእንታኣ ክጽሊ (ዘኁ. 12)፤ ሕዝቢ እስራኤል ምስ ዳህሰስቲ ተገራጭዮም ኣብ ዘዕገርገሩሉ ግዜ ምእንታኣቶም ክጽሊ (ዘኁ. 14)፤ ሓዊ ነቲ መሕደሪኦም ከንድዶ ምስ ቀረበ እንክጽሊ (ዘኁ. 11)፤ መርዛማት ኣትማን ምስ ኣሸገርዎም እንክጽሊ (ዘኁ. 21)፤ ተል እኮኡ ምስ ከበዶ እውን ምእንቲ ገዛእ ርእሱ ክጽሊ (ዘኁ. 11)፤ ድኅሪ ምዝርዛር ነዚ ኩሉ እንክገብር ሙሴ ን እግዚአብሔር ይር እዮ ከምዝነበረን ምሳኡ ይዛረብ ከምዝነበረን ኣብ ኦሪት ዘፀኣት ዝርከብ ጥቅስታት (24፤9 33፤7 34፤1) ወዘተ ብምጥቃስ ‘ከምቲ ሓደ ሰብ ምስ ዓርኩ ዘዕልሎ ሙሴ እውን ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ እንተራኣ ኣየ ይዛረብ ነሩ’ ቢሎም።
ሕዝበ እስራኤል በቲ ዘይር እይዎ ኣምላኽ ምምራሕ ምስ ኣገሞምን ሙሴ ኣብ ደብረሲና ምስ ደንጐየን ን ኣሮን ብወርቂ ጣዕዋ ንክሰርሓሎም ሓቲቶም ኣምልኾ ጣዖት ምስ ጀመሩ እውን ሙሴ ሽሕኳ ብተግባሮም እንተሓዘነ ገና ም እንታኣቶም ከምዝጽሊ ኣብ (ኦሪት ዘፀ. 32) ከማኡ እውን ኣብ ኦሪት ዘዳግም 9 ይግለጽ። ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ቀንዲ ኣርእስቲ ከኣ እዚ ኢዩ፡ ኣብቲ ጥቅሲ ምልስ ቢልና እንተረኣና ሙሴ ናብ ደብረሲና ምስ ደየበ ነርብዓ መዓልትን ነርብዓ ለይትን ብጾምን ጸሎትን እግዚአብሔር ነቲ ጽላት ክህቦ ይጽበ ነበረ፤ ኣርብዓ ምልክት ምል ኣት ኢዩ፤ ጾም ከኣ ሕይወት ካብ እግዚአብሔር ምዃናን ንሱ ከምዝሓልየላን የመልክት፤ ሽሕኳ መግቢ ብሕይወት ንምንባር ዝሕግዝ እንተኾነ ሰብ ብመግቢ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽ እ ቃል ሕይወት ከምዝነብር ኣብ ኦሪት ዘዳግም 8፡3 ነንብብ፤ ሙሴኸስ በዚ ጾም እዚ ነቲ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ ሕገ እግዚአብሔር ይጽበ፤ ሕጊ እግዚአብሔር ነቲ ልቢ ደቂ ሰባት ዝቅልብ ፍቃድ እግዚአብሔር ይገልጽ፤ በዚ ከኣ ምስቲ ምንጪ ሕይወትን ሕይወት ባዕሉ ዝኾነን እግዚአብሔር ኪዳን ትተክል።
ኣብ ጫፍ ደብረ ሲና እዚ እናኾነ ግን ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ ሕዝበ እስራኤል ጣዖት ሰሪሖም ክጭፍሩን ክኽሕዱን ተረኽቡ። እግዚአብሔር ንሙሴ ኩሉ ዝኾነ ነገር ይገልጸሎ እሞ ካብቲ ጎቦ ክወርድ ይእዝዞ፡ ነዚ ዚስ ዕብ ከኣ ይብሎ፤ ‘እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሎኹ፡ እንሆ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ዂራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።’ (ዘፀ. 32፡10)። ከምቲ ኣብርሃም ኣብ ኩነኔ ሰዶምን ጎሞራን ምሕረት ዝተማህለለ ሙሴ እውን ከማኡ ከምቲ ኣብ ትንቢት ኣሞጽ 3፡7 እንረኽቦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፡ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ’። እግዚአብሔር ንሙሴ ‘ኩራይ ኣብኦም ክነድድ እሞ ክውድኦም ግደፈኒ’ እንክብል ሙሴ መንጎኛ ኮይኑ ንከይገብሮ ንክልምኖ ዝገበሮ ኢዩ፤ እዚ ከኣ ድላይ እግዚአብሔር ወትሩ ድኅነት ምዃኑ ይገልጸሉ። ኣብ ሰዶምን ጎሞራን ዝተገብረ ናይ ኣብርሃምን እግዚአብሔርን ዘተ እውን ነዚ ንግንዘብ። ድኅነት ኣምላኽ እዚ ኢዩ ነቲ ክበድ ኃጢኣት እናገለጸ ምሕረት ይገብር፤ በዚኸስ እቲ ኃጢኣተኛ ክፍ ኣቱ ተረዲ እዎ ካባኡ ብምምላስ ብ ኣምላኽ ክመሓርን ክልወጥን ከምዝኽ እል የምልክት ፤ ናይ ኣማልድነት ጸሎት ኣብ ኅልና እቲ ዝወደቀን ኃጢኣተኛን ባህሪ ሰብ ብምዃን ምሕረት ኣምላኽ ድኅነት ኣምላኽ ንምድላይ ዝግበር ኣውያት ኢዩ።
ጸሎት ሙሴ ኣብ ተኣማንነትን ጸጋ ኣምላኽን ዝተመሥረተ ኢዩ። ክልምን ከሎ ነቲ እግዚአብሔር ኣቀዲሙ ዝገበሮ ዓቢ ነገር ብምዝካር ‘ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ከኣ ኬጽንዕቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ? ካብቲ ነዳዲ ዂራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዐስ።’ እናበለ ይጽሊ። ዝተጀመረ ተግባር ድኅነት ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ኣለዎ፤ ብካል እ ኣዘራርባ ከኣል ኩሉ ኢኻ ንኃጢኣት ክትድምስ ሶ ይከኣለካ ኢዩ እንተዘየሎ ሕዝብኻ በሰሪ ክፍ ኣቶም እኳ እንተጠፍ ኡ ናብዚ ኩሉ ኣብጺሕካ ነዛ ኃጢኣቶም ሰኣን ምሽናፍ እንተጠፋእና መስሓቂ ሸራፋት ክንከውን ኢና ብማለት ምሕረት ኣምላኽ ካብ ኩሉ ከምዝ ዓቢ ይገልጽ፤ ስለዚ እቲ ኣማልድነት በቲ ሓደ ወገን ሕዝበ እስራኤል ንምድሓን እንክኾን በቲ ሓደ ወገን እቲ ሓቀኛ መንነት እግዚአብሔር ንምግላጽ እውን ኢዩ። እዚ ከኣ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ኣኅዋትን የጠቃልል፤ ሙሴኸስ ኣብ ማእከል ክልተ መዋጥር ይርከብ፤ እዚ ክልተ ፍቅሪ እዚ ኣብ ሠናይ ድላይ ይጥመር። ሙሴ ኣብዚ ጥራይ ጠጠው ኣይብልን፤‘ንኣብራሃምን ንይስሃቅን ንስእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኸብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎም ንባሮትካ ዘክር።’ ብማለት እግዚአብሔር እሙን ስለዝኾነ ብተኣማንነቱ ይመጾ። ኣብዚ ሙሴ ነቲ መሠረታዊ ታሪኽ ድሕነት ይትንትን፡ ታሪኽ ኣበው ታሪኽ ሕርየት ሕዝበ እግዚአብሔር ኩሉ ብእግዚአብሔር ዝተለገሠ ምዃኑ ይሕብር። ከምቲ ኣብ ዘዳግም 10፡15 ዝብሎ ‘ድላዩ ነቦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎም፡ ብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ካብ ማእከል ኲሎም ህዝብታት ሐረየኩም።’ ብማለት ብመንፈዓቶም ዘይኮነስ ነጻ ኅርየትን ፍቅርን ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ። ኣማላዲ ጸብጻብ ኣየቅርብን እንታይ ደኣ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ይጽጋዕ። በዚ ከኣ ሙሴ ንእግዚአብሔር ካብ ኃጢኣትን ሞትን ዝሓየለ ከምዝኾነ የዘኻኽር፤ ነቲ ንኣኡ ንበይኑ ንኣኻ ግና ንዘርእኻ ከብዝሖ ኢየ ዝበሎ ኣይዘከሮን እኳ ከመይ ኩለንትናኡ ብናይ ሕዝቡ ፍቅሪ ስለዝተዋሕጠ፤ ናይ በይኑ ኣይደለየን እኳ ደኣ ‘ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕኸኸኒ፡’ ብማለት ም እንቲ ድኅነት እስራኤል ናብ ዝዓሞቈ ኣማልድነት ይበጽሕ።
አበው ቤተ ክርስትያን ነዚ እንክትርጉሙ እቲ ኣብ ጫፍ ጎቦ ደብረሲና ኮይኑ ምስ እግዚአብሔር ፊት ንፊት ቆይሙ ም እንቲ ሕዝቡ ዘማልድ ‘ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ ሕኸኸኒ’ እናበለ ምእንታኣቶም ንርእሱ ዘወፊ ኣምሳል ናይቲ ም እንቲ ድሕነትና ኃጢኣትና ኩሉ ተሸኪሙ ምእንቲ ድሕነትና ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ምስ ኣቦኡ ገጽ ንገጽ እናተዘራረበ ኣቦ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቁባ ኣሎኹ፤ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ይቅረ በለሎም፤ እናበል ም እንቲ ድሕነት ኩሉ ዘማልደ ሓቀኛን ዘለዓለማውን ኣማላዲ ንዝኾነ ወዲ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ የመልክት እንክብሉ ይገልጽዎ።
ነዚ ክነስተንትን ኣሎና፤ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚአብሔር ኮይኑ ምእንታይ ይጽሊ ኣሎ፤ እታ ኣብ ቀራንዮ ኣብ ዕፀ መስቀል ኮይኑ ዘዕረጋ ጸሎት ናይ ግዜና ጸሎት እውን ኢያ፤ ምእንታይ ይጽሊ ኣሎ: ኣሎ: ምእንታይ ተሳቅዩ ገና እውን ይሳቀ ኣሎ፤ ሙሴ ካብ ደብረ ሲና ጽላት ናይ ሕጊ ሒዙ ወሪዱ ክርስቶስ ግን ር እሱ ሂቡና ብሓዲስ ኪዳን ሥጋኡን ደሙን ሂቡና፤ በዚ ከኣ ምሳኡ ሓደ ገቢሩና ኣኅዋቱን ኣኃቱን ገሩና፤ ምሳኡ ንወሃሃድ፤ እዚ ምሳኡ እንገብሮ ሓድነት ክልውጠናን ከሐድሰናን ንለምን፤ ምኽንያቱ ምሕረት ተሓድሶን ለውጥን ኢዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ካብ ዝጸሓፎ መል እኽቲ ብምጥቃስ ክድምድሞ 8፡33 ‘ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ? ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዚዅንንከ መን እዩ? ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። … ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።’








All the contents on this site are copyrighted ©.