2011-06-02 14:31:47

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ስደተይናታት ክእንገዱን ጥዕና ከባቢ ክሕሎን


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ናይ ኣውስትራሊያ ጠቕላሊት ኣመሓዳሪት ኵኤንቲን ብርይስ ትማሊ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ እንከመልክት፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዋ ተራን RealAudioMP3 ንሕዝቢ ኣውስትራሊያ እተበርክቶ ኣስተዋጽዖ ከምእተሰመረሉን፣ ብፍላይ ድማ ንስደተይናታት ምእንጋድን ክንክን ጥዕና ከባቢ ኣብ ዝብሉን ኣብ ክሌኣዊ ናይ ሓባር ድላይ ዝተመርኰዘ ዝርርብ ከምእተኻየደ እንክምልከት፣ ጠቕላሊት ኣመሓዳሪት ኣውስትራሊያ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ተፋነዋ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርት ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ተራኺበንን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዓለም ሕቆፍን ከባብን ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ከባቢ ሽግራትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ሳዕቤናቱን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዘማኣከለ ዝርርብ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተም ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.