2011-06-02 14:34:45

ሱዳን፣ ሕማም ሸሮኽን ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግብን


ኣብ ደቡብ ሱዳን እትርከብን ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ሥልጣን ሰበኻ ሪካደ አበይ እትምራሕ ናይ ማላካል ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ሮኮ ታባን ሙሳ ኣብ ኣበይ ዘለዎ ተመዛበልቲ ብናይ ሰብኣውን RealAudioMP3 ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ሕጽረት ይሳቐዩ ከምዘለዉን ብፍላይ ድማ ሕጻናት ተመዘበልቲ ብሕማም ሸሮኽን ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግብን ከምእተጠቕዑ ናይ ሞት ሓደጋ እውን የጋጥሞም ኣሎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሉት ሓቢሩ።

እዛ ሰሜን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን እተዳቡ ከተማ ካብ ዕለት 21 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ካርቱም ወተሃደራት ከምዝኣተወትን፣ እቲ ዘሎ ኩነት ናይታ ከተማ ተቐማጦ ንኽመዛበሉ ከምዘገድዶምን ኣብቲ ከባቢ ብዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናም ምኽንያት እውን ብዝሒ ብሕማም ሸሮክ ዝልከፉ ሕዝቢ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ብፁዕ ኣቡነ ሮኮ ታባን ሙሳ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከመልክት እንከሎ፣ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ናብቲ ከባቢ ናይ ክንክን ጥዕና ሓገዝ ከምዝለኣኸን ሓቢሮም ተመዛበልቲ ሕጹጽ ናይ ሰብኣውን ሕክምናን ረድኤት ከምዘድልዮም ከምዘመልከቱ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ብዝሒ ናይቶም ተመዛበልቲ 60 ሺሕ ከምዝኾነን፣ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ቍጽሪ ናይቶም ተመዛበልቲ ክብ እናበለ ዝኸይድ እውን ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.