2011-06-02 14:33:22

ሓዳስ ሰበኻ ኣብ ብራዚል ከተማ ናቪራይ ቖይማ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እታ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ካምፖ ግራዴ ሜትሮጶሊ እትመሓደር ክፍሊ ሰበኻ ዱራዶስ ዝነበረት፣ ገዛእ ርእሳ ዝኸኣለት ሰበኻን ናይ ገዛእ ርእሳ ሊቀ ጳጳስ ዘለዋ ክትኸውን ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሠረት፣ ኣብ ናቪራይ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ቤተ ክርስትያን ቆሞስ ዝነበሩ ኣባ ኤቶረ ዶቲ ናይታ ሓዳስ RealAudioMP3 ሰበኻ ቀዳማይ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ዶቲ ዕለት 1 ጥሪ 1961 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር በርጋሞ እትርከብ ከተማ ፓሎስኮ ከምእተወልዱን፣ ኣብ ቤርጋሞ ናይ ቅድስቲ ቤተሰብ ገዳማውያን ማኅበር ኣትዮምን ካብ 1967 ክሳብ 1974 ዓ.ም. ግቡእ ናይ ገዳማውን መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ረኺቦምን ካብ 1988 ክሳብ 1994 ዓ.ም. ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ዕለት 19 መጋቢት 1993 ዓ.ም. ዓቢይ ማሕላ ፈጺሞም፣ ዕለት 28 ሰነ 1994 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከገልግሉ ተመዲቦም ኣብ ከተማ ናቪራይ ወንጌላዊ ልኡኽ ኮይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ክሳብ ናይ ጵጵስና ማዕርግ ዝተቐበሉላ ዕለት ኣብ ሰሪኛ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ቤተ ክርስትያን ቆምስ ኮይኖም ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.