2011-06-01 12:28:44

ዓውደ ዓመት ማርያም ደዓሪ


21 ግንቦት2003
29 MAY 2011
ዓውደ ዓመት ማርያም ደዓሪ


ተዓብዮ ነፍሰየ ለእግዚኣብሔር ወትትሓሰይ መንፈስየ ብኣምላክየ ወበመድኃንየ
ነፍስየ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ መድሓኒኣይ ደስ ይብሎ።

ንዝብል ቃል ምስጋናን ትሕትናን ማርያም እናዘከርና ዓውደ ዓመትና ክነብዕል ኣብዚ ንርከብ ኣሎና። ዕለቱ
    ተራ ማርያም ኣብ መደብ ድሕነት
    ኣብ ኣምላኽ ንዘሎና እምነት ንምሕዳስን ዝጽውዕ እዩ።



መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ መድሓኒየይ ደስ ይብሎ
ከመይ ትሕትና ግዝእቱ ጠሚቱ
ንዓይ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ
ካብ ሕጂ ንደሓር ኩሎም ወለዶታት ብፅዕቲ ኪብሉኒ እዮም ስሙ ከኣ ቅዱስ’ዩ፡ ምሕረቱ ነቶም ዝፈርሕዎ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይሓልፍ፡ ብቅልጽሙ ሓይሉ ኣርኣየ፣ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም ንሓያላት ካብ ዙፋናውቶም ገምጠሎም፣ ነቶም ትሑታት ከኣ ክብ ኣበሎም፡ ንጥሙያት ብጽቡቅ ነገራት ኣጽገቦም፤ ነቶም ሃብታማት ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም፤ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ንዘለኣለም ዘተስፈዎ፤ ምሕረቱ ብምዝካር ንእስራኤል ኣገልጋሊኡ ረድኦ፤
ዓሚቍ ምሥጢር ዘለዎ ጸሎት እዩ፣ ኣምላኽ ንማርያም አብ መደባ ድሕነት ብምሕራይን፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብአ ብምላድን ናብ ዓለም ዘምጸኦም ፫ተ ለውጥታት ዘዘኻኽር ኢዩ፤
    ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም ይብል፣ እዚ ንሞራላዊ ለውጢ የመልክት፤ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ናይ ትዕቢት ሞት’ዩ፤ ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ንሕይወቱ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ሕይወት ወጻኢ ምስ ዝገብራ ናይ ትዕቢቱ ፍጻሜ ሞት ይኸውን፣ ሕይወትካ ካብ አምላኽ ወጻኢ ምግባር ማለት ካአ አብ ሓጢአት ምንባር ኢዩ፤ ትዕቢት ከአ ናይ ኵሉ ሓጢአት ሱር ኢዩ፤ ማርያም ንክርስቶስ ስለ ዝወለደትልና ወዲ ሰብ ንርእሱ ክርኢ ክኢሉ፣ እዚ ከኣ ከኣ ንትዕቢት ሙማት’ዩ፣ እዚ’ዩ እቲ ሞራላዊ ለውጢ ክርስቶስ ዘበሰሮ ነፍስ ወከፍና ከኣ ክንኮኖ እንጽዋዕ።
    ንሓያላት ካብ ዙፋናውቶም ገልበጦም ንትሑታት ክብ ኣበሎም፡ እዚ ከኣ ሕብረተሰብኣዊ ለውጢ የመልክት፡ ትምህርቲ ክርስቶስ ናይ ዓለም ክብርን ልዕልናን ዘብቅዕ’ዩ፣ ክርስቶስ ዝገበረልና ነገር ምስ እነላሊ፣ ብዛዕባ ተራ ሰብ ክንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ኵልና ብክርስቶስ ኣሕዋት ንኸውን፣ እቲ ደረጃታት ሕብረተሰብ ኣብዚ የብቅዕ፣ ሓድነት ሓው ምዃን ምልክት ኣመንቲ እዩ፣
    ንጥሙያት ብበረኸቱ ኣጽገቦም… ንሃብታማት ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም፡ እዚ ከኣ ኣቲ ቍጠባዊ ለውጢ እዩ፣ ንክርስቶስ ዘየማእከለ ሕብረተሰብ፤ ነፍስ ወከፍ ነዓይ ይጥዓመኒ ብምባል ሓደክ ንርእሱ ሃብቲ ይድልብ፣ ኣምላኽ ዝማእከሉ ሕብረተሰብ ግና፣ ነፍስ ወከፍ ዝርከብ ንኽህብ እዩ፣ አብ ክንዲ ስሰዐ ልግሲ፤ ተማቂልካ ምንባር መንፈስ ዘሕደር ኢዩ፤ እዚ ጸሎተ ማርያም ነዘን ሰለስተ ለውጥታት ንርእስናን ንዓለምናን ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝመጽኣና ሕዳሴ ዘበስር እዩ።

እዚ ኩሉ ኣምላኽ ልዑል ምዃኑ ዘረድእ፣ ልዕልና ኣምላኽ ንሱ ህላዊ ምኳኑ ዘፍልጥ’ዩ፣ ዝኾነ ኵነት ብዘይ ኣምላኽ ጽቡቅ ዝበሃል ክህሉ ኣይክእልን፣ ልቢ ወዲ ሰብ ጽቡቅ እንተዘይኮይኑ፣ ጽቡቅ ዝበሃል ክህሉ ኣይክእልን፣ ጽባቄ ወደሰብ ከኣ ካብቲ ሓደ ሠናይ ዝኾነ ጥራሕ እዩ ዝመጽእ፣ እዚ ከኣ ካብቲ ንርእሱ ጽባቄ ዝኾነ ኣምላኽ’ዩ፣ ኣምላኽ ኣብ ዘየለወሉ ጽቡቅ ዝበሃል ኪህሉ ኣይክኣልን፣ ምኽንያቱ እቱ ምንጪ ስለ ዘየልቦ፣ ኣምላኽ ኣብ ዘየለወሉ፤ ሰብ ኮነ ዓለም ኣብ ዕንወት ይወድቅ፣ በዚ ከኣ’ዩ መድሓኒና፣ “ቅድም መንግሥቱን ጽድቁን ድለዩ ዝተረፈ ኪወሃበኩም እዩ (ማቴ 6፣ 33) ዝበለ “መንግሥቱን ጽድቁን ድለዩ”፣ እንኪብል “ግዝኣት ኣምላኽ” ድለዩ፣ ኣዚ ከኣ ፍቃዱ መልኡ ማለት እዩ፣ ፍቃዱ ምምላእ ፍትሒ የቁመልና፣ ናይቲ ፍትሒ ሓደ ክፋሉ ከኣ ንሕና ንኣምላኽ ዝግብኦ ቦታን ክብርን ምሃብ እዩ፣ ነዚ ብምግባር ከኣ ኣብ መንጎ ሰባት ንዝግበር ፍትሒ መምርሒ ንረኽበሉ ማለት’ዩ።

“መንግሥትኻ ትምጻእ” ቢልና እንክንጽሊ፣ እቲ ቀዳማይን ኣድላይን ነገር ዘስተውዕል/ዝሰምዕ ልቢ ክህልወና ኢዩ፣ በዚ ከኣ ንሕና ዘይኮና ኣምላኽ ኣባና ምእንቲ ኪገዝእ’ዩ
መንግሥቲ ኣምላኽ ብምስማዕ እያ እትመጽእ፤ ንሳ እያ እታ መንገዲ፤ ደጋጊምና ክንጽሊ የድሊ፣ ናይ ሎሚ ሰብ ምስማዕ ዘጸገሞ እዩ ዝመስል፤ ንኣምላኽ ጊዜ የብሉን፤ ንአምላኽ ጊዜ ዘይብሉ ካአ ብዛዕባ ነፍሱ ክሓስብ ጊዜ ዘይብሉ ኢዩ፤ ቅ. ወንጌል ካኣ “ሰብሲ ንዅሉ ረቢሑ ነፍሱ እንተጥፍኤ እንታይ ረብሓ አለዎ? ቤዛ ነፍሱኸ እንታይ ዘይመሃበ? ይብለና፤ እሞ ዘስተውዕል/ዝሰምዕ ልቢ ክህልወና ንጻዓር፤ ኩሉ ሓላፊ ኢዩ፤ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን፤ ንኻልእ አብ ህላዌ ዘምጽእ አምላኽ ጥራሕ ኢዪ። በዚ ከአ ኢዩ ቅ. አጐስጢናስ “ ነፍሰይ አብ አምላኽ ክሳብ እትበጽሕ ዕረፍቲ የብላን” ዝብል፤
መንግሥቲ ኣምላኽ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ፣ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣሎ። ካብ ማርያም ብምውላድ ከኣ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ኮነ፣ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ምሳና ኮነት፣ ነዚ ኵነት እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገር ክርስቶስ ክህነት ሠርዓልና፣ መዓርገ ክህነት ዝለበሱ፤

ምስዚ ዝተተሓዝ ከኣ “ኣምላኽ ጽውጽዋይ እዩ፤ ጊዜናን ናይ ፍስሓ ሕይወትናን ዝሰርቅ ልቢ ወለድ እዩ፣ ብዛዕባኡ ኣይትገደስ፤ ንሕይወት ክሳብ ዝከኣለካ መዝምዛ ዝብል ራእይ ኣሎ።
እዚ ተበግሶታት እዚ ንኣመንቲ ሓደገኛ ናይ ጊዜና ብድሆታት እዮም። እዚ እነብዕሎ ዘሎና በዓለ ማርያም ካብቲ ዘመሓላልፈልና መልእክቲ ሓደ ንኣምላኽ ምስ ኣጥፋእካዮ፣ ንርእስኻ ጠፊእካ ማለት’ዩ። ሻቡ ንስኻ ውጺኢት ምምሕያሽ ሰብ ወይ/ ናይ evolution ውጺኢት ጥራሕ ኮንካ ትርከብ፣ ከምዚ ምስ ኮነ ድያብሎስ ተዓዊቱ ንብል፤

ካብዚ ክፊእ’ዚ ኢና ኣድሕነና ቢልና እንጽሊዮ፣ ምኽንያቱ እምነትና ከይምዝዓልና፣ እምነት ንኣምላኽ ክንርኢ ዘኽእለና ምስ ክርስቶስ ዝጠምረናን ስለ ዝኾነ ክንጽሊ ንግደድ፤ ምኽንያቱ እምነት ብጸሎት እያ ትዓቢ። እምነት ናይ ነፍሲ ዓይኒ እያ፣ እምነት ዘይብላ ነፍሲ ዕውርቲ እያ። ዘይኣምን ኣምላኽ የብሉን ኣምላኽ ዘይብሉ ከኣ ከምቲ ቅ.በርናንዶስ ዝብሎ “አብ ተፈጥሮ ህላዌ ኣምላኽ ከንብብ ዘይክእል ብባህሪኡ ዓሻ” እዩ።
እነብዕሎ ዘሎና በዓለ ማርያም, እምነት ክህልወና ክንሕደስን ክንነብሮን ዝጽውዕ በዓል እዩ፣ ቅድሚ ኩሉ ማርያም ኣሚናን እምነታ ዝነበረትን እያ፣ እሞ ኣብነታ ክንስዕብ እዩ፣ እምበር ንስለ ዝኽሪ እንገብሮ ምትእኽኻብ ኣይኮነን።
ኣብዚ ቦታ መጺእና ብእምነት ዓቢና ዘይንኸይድ እንተኾና ነጊድና ኣይንበል፣ ኣብ ዓውዲ ጸጋ መጺኡ እጃሙ ዘየልዕል ከኣ ብመንፈስ ዝዘሓለ፣ ተጠራጣሪ ናይ ባዕሉ ኣማልኽቲ ዘጥረየ ጥራሕ’ዩ። ሕይወት ከኣ ዕለት ዕለት ዕድል እያ፣ ዕለት ዕለት ከኣ ተኽእሎ ድሕነት ከምዘሎ ጻውዒት ተቅረበልና፤ እዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ከኣ ሓደ እዩ።

ኣምላኽና ሓጢኣትና ዝቈጻጻር’ሞ ዝቀጽዕ ኣምላኽ ኣይኮነን፣ ነታ ብጥዑስ ልቢ ንእትቀርቦ ነፍሲ ባሪዅ ድሕነት ዝህብ ፈቃር ኣምላኽ እዩ’ሞ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ፣ ብምችእቲ መዓልቲ በጻሕኩኻ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ጸዋዕኩኻ፣ እታ መዓልቲ ምድሓን ሎሚ’ያ…” ዝብሎ ማርያም ደዓሪ ከአ እታ ዕለተ ምድሓን ሎሚ እያ ተቀደሱ ጽደቁ፤ አሕዋት ኩኑ ንክፍአት መንንዋ፤ ንፍቅሪ ልበሰዋ ትብለና አላ እሞ አምላኽ ዝጸለናዮ ጸሎት ዘቅረብናዮ ምጽዋት ይቀበለልና፣
ልዑል እግዚአብሔር ንሃገርና ንመራሕትና ብሰላሙ ይባርኸልና፤ ንዓና ከአ ዘስተውዕል ልቢ ይሃበና፤

ርሑስ በዓል











All the contents on this site are copyrighted ©.