2011-05-31 14:11:46

ካብ ሃይማኖት ንጹል ንዝኾነ ናይ ዘመንና ኅብረተሰብ ሓደስቲ ሰበኽቲ ወንጌል የድልይዎ


ቅድሚ ዓሚ ብዛዕባ ቃለ እግዚአብሔር ድሕሪ ዝተገብረ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝብል ማኅበር ኣብ ቅድስት መንበር ከምዘቈሙ ዚዝከር ኢዩ። እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ብቀንዲ እኳ ንኤውሮጳ ዝምልከት እንተኾነ ጸገም ዓለማውነት ወይ ካብ ሃይማኖት ምንጻል ናብ ይባጻሕ ስለዘሎ ኣብቲ ዝገበርዎ ቀዳማይ ጠቅላሊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ቅዱስነቶም ‘ነዚ ካብ ሃይማኖት ተነጺሉ ዘሎ ናይ ዘመንና ሰብ ንክርስቶስ ብሓዲስ መንገዲ ክነበሥሮ ኣሎና’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።
ኤውሮጳን ብዙሓት ዝሰልጠና ሃገራትን ባህለን ም ዕባሌኤን ኣሰር ክርስትና ዝሰዓበ ኢዩ ክበሃል ከምዘይነበረ ሎሚ ባዕሎም ብዝመረጽዎ ካብ ሃይማኖት ምንጻል ኩሉ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ይርከብ፤ ሃይማኖቱ ይኹን ኅብረተሰባዊ ኣተሓሳስባኡ። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ወንጌል ነታ ብክርስቶስ ዝተፈጸመት ድሕነት ወትሩ ብዝተሓደሰ መንገዲ ዘበሥር ስለዝኾነ በዚ ከኣ ንወዲሰብ ኣብ ምሥጢረ እግዚአብሔርን ኣብ ፍቅራዊ ህይወቱን ብምስታፍ ነቲ ናይ ተኣማንን ኃያልን ዝኾነ ተስፋ ባብ የርሕወሉ። ኣብዚ ዘሎናዮ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንምግባር ተጸዊዓ ኣላ እንክብል ነቲ ጐይታ ዝለኣኻ ብምል ኣት ንክተተግብር ነቲ ናይ ስብከተ ወንጌል ሥራሓ ከተጽዕቅ ኣለዋ። እዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ቅልውላው ምሳኡ ካብ ሕይወት ደቂ ሰባት ንእግዚአብሔር ምንጻል፤ ኣብ ቅድሚ ሃይማኖት ክርስትና ኣይምውቅ ኣይዝሑል ናይ ምዃን ሓባራዊ ዝንባሌ፤ ዝገደደ ከኣ ካብ ማኅበራዊ ናብራ ንዝኾነ ምልክት ሃይማኖት ብምድምሳስ ንሃይማኖት ጸግ ዑ ከተትሕዞ ምቅላስ ይረአ።’ እንክብሎ ህልው ኩነታት ማኅበረሰብ ዓለምን ክርስትያንን ድሕሪ ምግላጽ ነዚ መልሱ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ኢዩ እሞ እዚ ቤት ምኽሪ ሓደስት ሰበኽቲ ወንጌል ኣብ ምኩስኳስን ሓዲስ ኣገባብ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምምሃዝን ኣበርቲዑ ክሠርሕ ተላቢዮም። እዚ ማለት ግን ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ተለዊጡ ማለት ኣይኮነን፤ ምንጪ ናይ ኩሉ ስብከተ ወንጌል እቲ ንሐዋርያት ኣብ ጽርሓ ጽዮን ዝመልኤ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፤ዝድለ ዘሎ ነዚ ናይ ዘመንና ኅብረተሰብ ነቲ እንኮ ወንጌል ብዝተሓደሰ መንገዲ ምብሳሩ ኢዩ እንክብሉ ተልእኮ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ኣነጺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.