2011-05-28 14:41:53

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ቫቲካን ክካይድ ዝቐነየ መበል 63 ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ትማሊ ከምእተዛዘመ ክንገር ኣንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ኣኼባን ፍጻሜታቱን ዝሓንጸጾም መደባትን ውሳኔታትን ኣመልኪቶም RealAudioMP3 ናይዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፈጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዝምልከት ብፁዓን ጳጳሳት ብናይ ካቶሊክ ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር መምርሕን ውሳኔታትን ዝተደገፈ ግልጽን ትኽክለይናን ቆራጽን ውሳኔ ክወስዱ እቲ ጉባኤ ከምዘተሓሳሰበን፣ ናይ ካቶሊክ ሥርወ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ነዚ ዓይነት ዓመጽ ንምቁጽጻር ዝኸተልዎ ናይ ሰበኻ ናይ መምርሒ ሰነድ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ነቲ ቅዱስ ማኅበር ከቕርቡ ዘቕረቦ ውሳኔ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ዝኽተሎ መምርሒ ድሮ ነዚ ቅዱስ ማኅበር ከምዘመሓላለፈ ገሊጾም፣ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ለብዘበን ዝዝከር ዘሎ መበል 150 ሃገራዊ ሓድነት ኢጣሊያ መሠረት እቲ ንሓድነት ዝተገብረ ከይዲ፣ ዘለዎ ታሪኻዊ ቐሓርን እወታዊ ኩርናዓቱ ጠቒሶም እንተኾነ ግን ሓድነት ኣዚዩ ኣድላይን ግድነታውን ዘይሕከኽን ክቡር ዋጋ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ከምዘስመርሉ ጠቒሶም ኢጣሊያ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እተቕርቦ ደገፍ ምሉእ ምትሕብባር ኤውሮጳ ዘድልዮ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጻውዒት ከምዘቕረበ ሓቢሮም ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.