2011-05-28 14:39:13

ብፁዕ ኣቡነ ዚሞውስኪ፦ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህሙማን ኢያ


ሕማም ኤይድስ ንምውጋድ ዝግበር ናይ ሥነ ሕክምናን ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ሥነ ምርምር ጻዕሪታት ዘቕርቦም ውጽኢታትን ዝሕብሮ ኃይሊ ጥበባት ንምልላይ ኣብ ዝብል ቀንዲ ነጥቢ ዘተኮረ ሕማም ኤይድስ ብዓንተውኡ ንምክልኻልን፣ ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፉ እንታይ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ሕክምና ሰብ ዘማእከለ RealAudioMP3 ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ብዛዕባ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ሕያዋይ ሳምራዊ እተሰምየ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ዝግደስ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ብሓባር ዘዳለውዎ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ ትማሊ ዕለት 27 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ሮማ ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓሥራይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ይካየድ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ብዛዕባ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምናን ዝግደስ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዞሞውስኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራታ ገይራ ነቲ ኣብ ዓለም ንናይ ኤይድስ ሕሙማን ዝወሃብ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ነዚ ሕማም ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ 25 ሚእታዊ ከምእትሽፍን ኣዘኻኺሮም፣ ናይዚ ዓወደ መጽናዕቲ ቀንዲ ዕላማ እቲ ንሕሙማ ኤድስ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ደገፍን ብዝያዳ ንምምሕያሽን ብናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ተመሪሑ ምስቲ እዋናዊ ናይ ሥነ ሕክምናን ናይ ሥነ ምርምር ተበጽሖ ዝተመዓራረየ ክኸውን ንምትብባዕን መምርሒ ንምሃብን ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ናይ ሥነ ሕክምና ሥነ ምርምርን ኣገልግሎትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ ዝወሃብ ሕንጸትን ንሕሙማን ዝቐርብ ደገፍን ንምትብባዕን እዋናውነት ክህልዎ ዝድግፍን እቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝተወሃሃደ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ብሉጽ መታን ክኸውን እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕንጸትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝቖመ ኽኸውንን በዚ መሠረት ድማ ንሕሙማንን ሰብ ሙያ ሕክምናን ዘተኮረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንምርግጋጽ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም።

ሕማም ኤይድስ ዘስዓቦን ዘስዕቦን ዘሎ ማኅበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ብምልላይ ነቲ በዚ ሽግር’ዚ ዝጠቕዑ ሥድራ ቤታት ኣባላት ኅብረተሰብን ቀረባ ኮይና ደገፍ ንምቕራብ ዝፍጸም ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ብሉጽ መታን ክኸውን ዝተባብዕን ዘነጽር ዓውደ መጽናዕቲ እውን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.