2011-05-24 15:32:55

ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ጉባኤ


ኣብ ጃማይካ ኪንግስቶን ከተማ ዝሓለፈ ዕለት 18 ግንቦት ዝተጀመረ ሎሚ ዝጠቓለል ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ሰላም ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናብ ዘማእከል ኣኼባ RealAudioMP3 ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ መልእኽቲ ክምዘመሓላለፉ እንክንገር፣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኦርቶዶክስን ሉተራንን ኣግንሊካንን ፕሮተስታንትን ካልኦት ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስትያን እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኮይኑ ከምዝተዘከረ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብቲ ናይ ጃማይካ ጉባኤ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤትን ሰለመ ክርስቶስ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓሳት ዝተዋጽኡ ብናይ ጓተማላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮዶልፎ ቫለንዙወላ ኑኘዝ ዝተርሑ ልኡኻት ክምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ኣብ ጸሎት ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ቀድማይ ሓሳብ እውን እንተኾነ፣ ሰላምን ፍትሕን ክንክን ፍጥረትን ኣሚቱ ዝፍጸም ተግባር ዝደኸመ ኢዩ ዝመስል፣ ሰላም ምድላያ ጥራሕ ዘይኮነ ንምርግጋጽ ሰላም ዝድግፍ ተግባር ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.