2011-05-24 15:30:15

ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተራድኦ ማኅበር ጉባኤ


ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ እተሰምየ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት ዝሓቁፍ ኣብ 160 ሓገራት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ናይ ተራድኦ ማኅበር መበል 60 ዓመት ምሥረታ ምኽንያት ኣብ ሮማ ዶሙስ ማሪየ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ትማሊ “ሓንቲ ሥድራ ቤት፦ ኣልቦ ድኽነት” ብዝብል RealAudioMP3 ኣርእስቲ ዝተመርሔን ሕዝቢ ዓለም ከም ሓንቲ ሥድራን ዓለም ድኽነት ዘይራኣየላ መታን ክትኸውን ክፍጸሙ ዝግበኦም ናይ ግብረ ሰናይ መደባት ዘነጽር መበል 19 ኣኼባ ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይቲ መበል 19 ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መኽፈቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ነቲ ጉባኤን ንናይ ክሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረስ ሮድርገዝ ማራዲያጋን ተጋባኣያንን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘመሓላለፍዎ ሰላምታን ምዕዳንን ቡራኬን ኣቕሪቦም፣ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ማእከል ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝጸንዔን ኵላውነት ባኅርይ ግብረ ሰናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዝርከብ ብሔራዊ ናይ ካሪታስ ናይ ረድኤት ማኅበር ገይሩ ዝገልጾ ኩላዊ መደብ ድሕነት ኣግዚኣብሔር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘበሥር ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ ገሊጾም፣ ሕጽር ብዝበለ ታሪኽ 60 ዓመት ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣዘኻኺሮም ኣብቲ ብክርስቶስ ዝተገልጸ ፍጹም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተመሥረተን በዚ ፍቕሪ እዚ ተደሪኹ ኣብ ናይ ፍቕሪ ተግባር ተጸሙዱ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ዘገልግል ማኅበር ኢዩ ቢሎም ኣብ ሓይቲን ቀጺሉ ድማ ኣብ ጃፓንን ዝተኸስተ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ሰብኣውን ማኅበራውን ሽግራት ንምውጋድ ዝህቦ ዘሎ ምስክርነት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ጠቒሶም፣ እዚ ዘቕርቦ ሓገዝን ደገፍን ናይቲ ዝስዋዕ ፍቕሪ ሱታፌ እምበር ናይ ሰብኣዊ ሓጋዝ ተግባር ኣይኮነን፣ ስለዚህ ናይ ረድኤት ኣገልግሎቱ ነቲ ክርስትያናዊ መለለይኡ ዘወግን ኣይኮነን ኢሎም።

ቀጺሎም ናይቲ ጉባኤ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል አድንረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ ቤተ ክርስትያን ኣተቕርቦ ግብረ ሰናይ፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት ዝኽተልን እዚ ድማ ንድኻታትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ቀዳምነት ዝህብ ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምስክርነት ብዝብል ጽማሬ ሓሳብ ዝግለጽ ምዃኑን ኣብቲ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብነት ዝቖመ ናይ ፍቕሪ ኤኮኖሚ ኩሉ ናይ ኩሉን ንኹሉን ዝብል ሥነ ምግባራዊ መምርሒ ዘለዎን ኢዩ፣ ፍቕሪ ኣብ ዘለሉ እግዚኣብሔር ኣሎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቀጺሎም ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ብናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተግባራት ዝወሓጥ ወይ ድማ ዝሓቕቕ ተራ ናይ ሓገዝ ተግባር ማለት ከምዘይኮነ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ግብረ ሰናይ ኣመልኪቶም ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ስለዚህ ዝኾነ ይዅን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ካብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ዝምንጭ በዚ ፍቕሪ ዝንቀሳቐስ ኢዩ። ስለዚህ ንዋታዊ ደገፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብዚ ንላዕሊ ናይ መንፈሳዊ ደገፍ ዘቕርብ ምዃኑ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን መላእ ናይ ረድኤት ማኅበራት ዝመርሕ ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራህ ብዛዕባ እዚ መበል 19 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ዝተናዕቁን ሕዙናትን ሕሙማንን ዘለዎ ፍሉይ ፍቕሪ ዘንጸባርቕን ዝነበርን ነዚ ዘማእከለ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘቕርብ ናይ ረድኤት ማኅበር ኣገዳሲ ምዃኑ ተኣሚና፣ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝኣመሰሉ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ክህልውዋ ከምዝገበረትን ብትሕትናን ብትዕግሥትን ብዝሥዋዕ ፍቕሪ መንፈስን ብኅልዮት ጸጋ እግዚኣብሔር ካብ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ወፈራ ዓቢይ ተራ ከምዘለዋ ገሊጾም፣ ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ሥድራ፣ ማለት ናይ እዚኣብሔር ሥድራ ቤት ኢያ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጽ ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታም ዘሎ ጋግ ኣናጸበበ ክኸይድን ጠሪሹ መታን ከይሁሉን ዝግበር ጻዕሪ ከቢድን እውን እንተኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ሓንቲ ሥድራ ቤት ናይ እግዚኣብሔር ሥድራ ቤት ሥፍራ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.