2011-05-19 13:55:57

ናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፦ እግዚኣብሔር መሓሪ ፍቕሪ ኢዩ (18.05.2011)


ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለረ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንነትን መንፈሳውነትን ኣብርሃም ኣማእኪሎም እንከስተምህሩ፣ ኣብርሃም ምእንቲ ድሕነት ዘርኢ ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ዝተማሕጸነ ቅዱስ ኣቦ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም RealAudioMP3 ንእግዚኣብሔር ብምውጋዱ ምኽንያት ካብ ዘጓነፎ ጓሂ መታን ክናገፍ ከተማታትን ሕዝብን ገዛእ ርእሶም ንእግዚኣብሔር ክኸፍቱ ጸልዮም።

ቅዱስነቶም ካብ ኣብርሃም ተበጊሶም ክሳብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ኃይሊ ታሪኽ ጸሎት ምሕጽንታ ኣዕሚቖም ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናዊ ናይ ዕለረ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ጸሎት ኣብ ኵሉ ባህሊ ዘሎ ተመኩሮ ከምዝኾነ ብምርግጋጽ ብዛዕባ ኵላዊነት ተረኣዮ ጸሎት ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፣ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 18 ተመርኲይዞም ብዛዕባ ኣይሁዳዊ ኣበው፣ ኣቦ ናይ ኩሎም ኣመንቲ ዝኾነ ኣብርሃም እንክገልጹ፣ እግዚኣብሔር ንምግባረ እከይ ሕዝቢ ሶዶምን ጎሞራን ብዝሒ ሓጢኣትን ክፍኣትን ርእዩ፣ ነተን ከተማታት ምስ ሕዝበን ከጥፍኤን ኢየ በለ እሞ፣ ኣብርሃም ከኣ ኣብ ክንዲ ሶዶምን ጎሞራን ክልምን ነቲ ጻድቕሲ ምስ ኃጥእዶ ከተጥፍኦ ኢኻ፣ እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ ንኸይምሕርሲ ቅኑዕዶ ኣይኮነን፣ ምናልባት ኣብታ ከተማ ኃምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይኾኑ? ዝብል ጸሎት ምሕጽንታ ኣብርሃም ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፣ ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዛዕባ ጅምላዊ ፍርዲ ምርሓቕ ኣድላይነቱ ይገልጽን ነዚ ሓሳብ’ዚ የቕርብ፣ ስለዚ ኣብርሃም ነቶም ንጹሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ምእንቲ ኩሉ ምሕጽንታ የቕርብ። ኣምበኣር ኣብርሃም ብዛዕባ ፍትሒ ሓድሽ ኣመለኻኽታ የመጽእ፣ እዚ ድማ ከምቲ ሰብኣዊ ፍትሒ ነቶም ገበነይናታት ጥራሕ ዝቐጽዕ ዘይኮነስ፣ ፍልይ ዝበለ መለኮታዊ ፍትሒ፣ ይቕረ ዝብልን እቲ ገበነይናን ኃጥእን ብዝቕበሎ ምሕረት ዝድሕንን ዝልወጥን ምዃኑ ዝገለጽ ሓድሽ ኣመለኻኽታ ፍትሒ የረድእ፣ ኣብርሃም ብጸሎቱ ነቶም ንጹሓን ከይዘንግዔ እንተኾነ ግን ነቶም ኃጢኣተይናታት ይቕረ ዝብል ምድሓኖም ዝደሊ ፍትሒ ይልምን።

ኣብርሃም በቲ ዘቕርቦ ጸሎት ነቶም ኃጢኣተይናታት ምምሓር፣ ምስቶም ዝመሓሩ ንጹሓን ሓደ ምግባሮምሲ፣ እቶም ንጹሓን ከም ኃጥኣን ምቑጻር ኣየስምዕንዶ፣ ስለዚህ እዚ ግርምቢጥ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ፍትሒ ካብ ኣብርሃም ንርዳእ። ነቲ ንጹሕ ከም ኃጥእ ምቝጻር ዘይኮነስ ነቲ ኃጥእ ከም ጻድቕ ርኢኻ ንኽድሕን ዝደልዮ ሉዑል ፍትሒ፣ እዚ ድማ እቲ ኃጥእ ወይ ድማ ገበነይና ኣብ ምሕረት እግዝኣብሔር ተኣሚኑ ምሕረቱ ተቐቢሉ ተነሲሑ፣ ኩሎም ኃጢኣተይናታትን ንምድሓኖም እሺ ዝብሉ ክኾኑ ኣለዎም። ስለዚህ ካብቲ እከይ ግብሮም ተናጊፎም ቅኑዓት ኮይኖም እንክርከቡ ኣብ ልዕሊኦም ኣቲ መቕጻዕቲ ኣድላይነት ዘይብሉ ኮይኑ ይርከብ።

ናይ እግዚኣብሔር ፍትሒ ልዑል ኢዩ። ስለምታይ እግዚኣብሔር መቕጻዕቲ ዘይኮነስ ምሕረት ኢዩ። እዚ ድማ ኣብርሃም ዝፈልጦ ሓቂ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ስለዚህ እቲ ዝሓቶ ፍትሒ ንናይ እግዚኣብሔር ፍትሒ ዝጻረር ዘይኮነስ፣ ልቢ እዚኣብሔር ዝኹሕኩሕ፣ ብርግጽ ናብቲ መለኮታዊ ምሕረት ውሻጠ ይዅሕኩሕ፣ ከብዚ ሓሊፉ 10 ጻድቃን እንተለዉ ቢሉ በዞም ጻድቓን ምኽንያት ንሶዶምን ጎሞራን ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክምንዝዕ ይፍትን፣ እዚ ድማ እግዚኣብሔር ዝደልዮ ድሕነትን ሕይወትን ምሃብን ክፍኣት ናብ ሰናይ ምልዋጥን ምዃኑ ኣዚዩ ስለ ዝፈልጦ ኢዩ። ኣብርሃም ብልመናኡ ንናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ድምጽን ልብን ኮይኑ፣ ድላይ እዚኣብሔር ምሕረትን ፍቕርን ናይ ምድሓን ፍቓድ ስለ ዝኾነ ብናይ ልመና ጸሎቱ ነቲ ንሶዶማ ከድሕን እምበር ከዕንውን ክዅንን ዘይደሊ ነቲ ተነሲሑ ዝምለስን ዝልወጥን ኃጥእ ሕይወት ንዝህብ ድላይ እግዚኣብሔር ድምጺ ይኸውን።

ቅዱስ ኣቦና እግዚኣብሔር ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዓሠርተ ጻድቓን እውን ኣይረኸበን ነተን ከተማታት ድማ የዕንወን። እግዚኣብሔር ሕያዋይ ኢዩ እንተኾነ ግን ነቲ ዝበዝሔ ዓቢይ ብእከይ ዝተዓብለለ ምድሓን ዘንቅለሉ ንእሽቶይ ሰናይ ይደሊ ኢዩ። ነቲ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ ሕነ ምፍዳይ ናብ ምሕረት ክልውጥን ኮታ ካብ ውሽጢ ንኽልውጥ መራግጾ ዝኾኖ ጽኑዕ ንእሽቶይ ሰናይ ይሓትት ኢዩ። ነቲ ዝሓመመን ዝመሽመሸን ኩነት ኣለልዩ ዘሕውን ሕይወት ዝህብ ንኡስ ዘርኢ ሰናይ ይደሊ።

ኣብ ከተማታትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ንኡስ ዘርኢ ሰናይ እንተድኣ ተረኺቡ ከተማና ክነብርን ክህሉን ካብቲ ኣግዚኣብሔር ብምውጋደን ምኽንያት ዝተኣታተወን ጓህን ሓዘንን ክድሕና መታን ነቲ ንኡስ ዘርኢ ሰናይ ክነብዝሖን ዓሠርተ ጥራሕ ዘይኮነስ ኵሉ ሰናይ መታን ክኸውን ኣብ ከተማታትና ንኡስ ዘረኢ ሰናይ ሓደራ ይረኸብ ኢሎም።

ድሕነት ከተማ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ምርካብ ዓሠረት ጻድቓን እንተድኣ ዝተወሓሰ ኣንተድኣ ኔሩ፣ ከምቲ ነቢይ ኤርሚያስ እውን ዝብሎ ንኢየሩሳሌም እውን ከምኡ ኢዩ። ስለዚሕ ሓድ ጻድቕ እውን ምድሓን ምኽንያት መላእ ሕዝቢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ጻድቃን ብዝሒ እናጎደለ እንክኸይድ ለውሃት እግዚኣብሔር ዓቢ ኮይኑ ኢዩ ዝርኤን ዝበጽሕን፣ እዚ ጥራሕ ከይኣክል እውን እቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረት እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ከም መልሲ ዝደልዮ ሰናይ ብዘይምርካቡ ድማ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ትኣትው።

ኣብ ምወዳእታ እቲ ሓጸ ጻድቕ ኣግዚኣብሔር ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ፣ ስለዚህ እዚ ድማ መሠርት ናይ ትስብእት ምሥጢር ኢዩ። ኣብ ዓለም ህላዌ እቲ ሓደ ጻድቕ ውሑስ መታን ክገብር፣ ገዛእ ርእሱ ሰብ ኮይኑ እቲ መተካእታ ዘይብሉ ፍጻሜ ዝኾነ ጻድቕ ፍጹን ንጹኅ ኣብ መስቀል ተሸንኩሩ ብሙማት ንመላእ ዓለም ድሕነት ዝምጽእ ንዅሉ ምሒሩን ነቶም እቲ ዝገብርዎ ዘይፈልጡ እውን ተማሕጺኑ ምእታኦም ዝጽልይ ኮይኑ ኢዩ። ስለዚህ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ጸሎት መልሲ ከምዝረክብን ናይ ምሕጽንታ ጸሎት እውን ብዘይ መልሲ ከምዘይተርፍ ድማ ኣረጋጊጹልና ቢሎም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ፈጺሞም፣ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ነጋዶን መንሰያትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማት ካህናትን ደናግልን፣ ዓለማውያን ምእመናንን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ልኡካነ ወንጌልን ካብዚ ርክብ’ዚ ወንጌል ብሓጎስ ንምግልጋል ዘብቕዖም ኃይሊ ረኺቦም ዳግም ናይ ኣገልግሎት ሕይወቶም ክሕደሱ ሓደራ ቢሎም፣ ቡራኬ ሂቦም ምስ ተፋነዉ ኣብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝርከብ ሓዋርያዊ መንበር ምስ ናይ ዓረብ ሊግ ሓድሽ ዋና ጻሓፊ ናቢል ኣል ኣራቢ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.