2011-05-17 14:50:12

ኡራጉዋይ፣ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ኡራጉዋይ ከተማ ሞንተቪደኦ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 16 ግንቦት ክሳብ ዕለት 21 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል መበል 33 ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር RealAudioMP3 ኅየንተን ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦሌት ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክምእተጀመረ ተሓቢሩ።

እዚ መበል 33 ናይ መላእ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ 2007 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ዝግልገለሉ ዘሎ ሓፈሻዊ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ትግባሬኡን ውጽኢቱን ዝግምግምን በዚ መሠረት ካብ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝጥቅመሉ ሓፈሻዊ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎው ክሕንጽጽ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሓፈሻዊ መበል 33 ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዉ ጉባኤ ካብ ካናዳን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ፖርቱጋልን ስፐይንን ናይ ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምክርታት ዝተዋጽኡ ልኡኻት ብፁዓን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኦክታቪዮ ሩኢዝ ኣረናስ ኣብ ኡራጉዋይ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ አንሰልሞ ፐኮራሪን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ናይ ገዳማውያን ማኅበራት ዝሓቁፍ ማኅበር ሊቀ መንበር ኣባ ፓውሎ ኦትርይን ናይ ሥነ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጉዳይ ናይቲ ክፍሊ ዓለም ሥነ ኣቢያተ ክርስትያን ፈላጣታን ሊቃውንትን ይሳተፉ ከምዘለዉ እንክምልከት፣ እዚ ናይታ ክፍሊ ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነርባዕተ ዓመት ብሊቀ መንበርነት ዝመርሕዎን ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዝፈጸሙ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኮይኖም ንዝተሓርዩ ኣብ ብራዚል ናይ ኣፓረሲዳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳማሼኖ ኣሲዚ ዝትክእ ኣካልን መማኽርቲ ብፁዓን ጳጳሳት ክሓርይ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ነቲ ወርሒ ግንቦት ዕለት 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ዝተሳተፍሉን ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ተዘክሮ ዝዓሰሎ ከምዝኾነ ካብ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.