2011-05-14 12:31:52

፬ ሰንበት ዘትንሣኤ 2003 ዓ.ም (15 ግንቦት 2011)


መዝሙር: ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . . . ።
ንባባት፡ ቆላ 3፡1~ፍ፥ 1ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡1~19፥ ሉቃ 24፡33~45
ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ እይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ” መዝ. 3፡5~6።
ናይ ሎሚ መዝሙር ንትርጉም ትንሣኤ አብ ሕይወትና መታን ክገልጽ ኢሉ ከምዚ ይብል፥ “ተንሥአ ንኹሎም ሙታን ከአ አተንሥኦም ካብ መቝሖም ከአ ፈትሖም፥ብዓቢ ሃይልን ስልጣንን ተንሥኤ፥ ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ ዝበሎ ነቲ ዕዉር እውን ብቃሉ ዝፈወሶ ተንሢኡ፥ ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበረ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ተንሥኤን ንኹሎም ሙታን ካብ ሞት አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቑሓት እውን ፈትሖም”።
ትንሣኤ ንሓዲስ ሕይወትን እምነትን ክንአቱ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ኩሉ ክቕየር ዓይኑ ክኸፍት አብ መገዲ ጉዕዞ ሕይወቱ ንኢየሱስ አለልዩ ክኽእል እሞ አብ ስብከተ ወንጌል ክወፍር ዝሕግዝ ጊዜ እዩ። ትንሣኤ ዝተቐየረ ሕይወት ሒዝካ ካብቲ ኩሉ ዓንቂጹ ሒዙካ ምሳኻ ዝጉዓዝ ርኹስ መንፈስ ንጻ ወጺእካ ምጉዓዝ እዩ። ከምኡ አብ እምነትካ ምዕባይ እዩ። ግልቡብ እምነት ፍረ የብሉን ናይ ብሓቂ ንክርስቶስ ክንፈልጦ አሎና።
አብ ዘመነ ትንሣኤ ክንለማመዶን ክንፈልጦን ዝግብአና ነገራት ብዙሕ አሎ፥ ሓደ ጊዜ ሓንቲ ወላዲት ብሑጓ ቁልሕ እንተበለት ክልተ ደቃ ክብአሱ ብማዕዶ ርእያቶም ተቐላጢፋ ካብ ገዛ ወጺአ ክትዓርቆም አብኦም ገጻ ክትጉዪ ምስ ረአዩ ምብአሶም ሓዲጎም ካብቲ ተተሓሒዞሞ ዝነበሩ ተፈላልዮም። እንታይ እዩ እዚ እትገብርዎ ዘሎኹም? እናበለት ሓንቲ ከም ዘይረአየት ኮይና ሓቲታቶም። ንሳቶም ይብአሱ እዮም ነሮም እንተኾነ አብ መንግኦም እንታይ ከም ዝኾነ መበአሲኦም ደጋጊማ ሓቲታቶም? ምኽንያት መበአሲኦም ምስ ፈለጠት ጥራሕ እያ ስለምንታይ ከም እተባእሱ እትርዳእን እትፈልጥን። አብ ዝኾነ ነገር ብምርአይ ብምስማዕ እትፈልጦ ነገር አሎ እዚ ግን ነቲ ውሽጣዊ ምስጢር ናይ እቲ ነገር ፈሊጥካዮ ማለት አይኮነን።
ንሓደ ነገር ውሽጡ ከይፈለጥካ ምምስካር ክንደይ የሕርቐና። ካብ ተመክሮና ፍልልይ ናይ ሓደ ብልምዲ እንፈልጦ ጉዳይን ጽቡቕ ገርና ውሽጣዊ ትርጉም እንፈልጦ ነገርን ንፈላሊ ንኽእል ኢና። አባል ናይ ሓደ ነገር ምዃንን ነቲ ነገር ምርድኡን ፍልልይ አልኦ። ኢየሱስ ባዕሉ ፍልልይ ናይ እቶም ዝርእዩን ዝሰምዑን ከምኡ ናይ እቶም ዝርድኡን ዝዕዘቡን አብ ስብከቱ ደጋጊሙ ነጊሩና። ናይ ሓደ ነገር ብስም አባሉ ብምዃን ንኹሉ ነገር ትፈልጦ ወይ ትርድኦ ኢኻ ማለት አይኮነን። ንሕና ናይ ሓደ ነገር ተምክሮ ክህልወና ይኽእል እዩ እንተኾነ ትርጉሙ ፈሊጥናዮ ማለት አይኮነን። ልምዲ ባህሊ ከምኡ ማሕበራዊ ነገራት ንአፍልጦና ክዓግቶ ስለ ዝኽእል ዕምቆት አፍልጦ ነገራት የድልየና ግዳማዊ ነገራት ንውሽጣዊ ምስጢር ክንፈልጥ አይሕግዘናን እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓዋርያት ናይ ኢየሱስ ሞትን ትርጉሙን ከም ዘይተረድእዎ ይነግረና። ኢየሱስ ክርአዮም እንከሎ እንታይ ክሕብሮም ከም ዝመጸ ክግንዘቡ አይንርእዮምን። ደጋጊሙ ይግለጾም እንተኾነ ክርድእዎ አይንርእዮምን። ሉቃስ ወንጌሉ ክጽሕፍ እንከሎ ኢየሱስ እቲ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ከም ዝኾነ ክገልጽን ከረድእን ምእንቲ እዩ። አብ አገላልጽኡ ናቱ አገባብ አልኦ ብዛዕባ ትንሣኤ ክነግር እንከሎ ከመይ ገሩ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ጥራሕ ነቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ስቕለትን ሰንበት ትንሣኤን ዝኾነ ከም እንፈልጦን አብ ሕይወትና ትርጉም ከም ዝረክብ ክገብር ዝኽእል ምዃኑ ይገልጽ። ሓዋርያት ብባዕሎም ነገራት ክርድእዎ አይከአሉን ናይ እቲ ኩሉ ዝኾነ ነገር ክርድኡ ሓገዝ ናይ ዝተንሥኤ ክርስቶስ አድልይዎም።
ሉቃስ ነዚ ብድራማዊ መልክዕ አብ ናይ ሎሚ ጽሑፉ ይገልጾ። እቶም ክልተ አርድእቲ ንኤማሁስ ዝኸዱ ንኢየሩሳሌም ገጾም ይምለሱ ምስቶም ዝሓደግዎም ካልኦት ሓዋርያት ክጽምበሩ። ንሶም ምስተመልሱ ኩሉ እቲ ዝኾነን ዝረአይዎን ይነግሩ አብ ምቑራስ እንጌራ ንኢየሱስ ከም ዘለለይዎ ይነግርዎም። እንተኾነ እቶም ዝሰምዕዎም ሓዋርያት ነዚ ምስ ነገርዎም ተቐቢሎሞ አሚኖሞምዶ ይኾኑ? ጌና ምጥርጣር ነርዎም።
ቅዱስ ሉቃስ ነዚ መልሲ ይህበሉ። ከምዚ ኢሎም እናተዛረቡ ኢየሱስ ይርአዮም። አብክንዲ አብ መንግኦም ምርካቡ ዝሕጎሱ ይስንብዱን ይፈርሑን። አብ ክንዲ ዘለልይዎ መንፈስ ወይ ምትሓት ዝርአዩ ይመስሎም። አብ መንግኦም ዝግበር ዘሎ ነገር ክርድእዎ አይከአሉን ከምቶም ኢየሱስ ክስቀል ክወውት እንከሎ እቶም ዝርእዩን ዝዕዘቡን ዝነበሩ ነቲ ዝኾነ ነግር ክስተውዕሉ ዘይክአሉ ሓዋርያት እውን ልክዕ ከምኡ ኮይኖም። ሉቃስ ሓደ አብሪሁ ዝብሎ እቲ ናይ ኢየሱስ ምርአይ ወይ ዝተገልጾም ንባዕሉ ብምሉእ ከለልይዎ አይአኽአሎምን። እቲ ምርአይ ንባዕሉ ነዒንቲ ሓዋርያት ክኸፍቶ አይከአለን። እዚ አብ መገዲ ኤማሁስ እውን አይኮነን አብዚ እውን ክኸውን አይክአለን።
ኢየሱስ ክትንክፍዎ ክሕዝዎ ይዕድሞም ርአዩ መንፈስ ከማይ ዝትሓዝ የብሉን እናበለ ክሓስቡን ክርድኡን ይሓቶም። እዚ ኹሉ ንሱ አብ መንግኦም እንከሎ ነእምርኦምን ክገልጾ አዒንቶም ክኽፈት ክኢሉ። ምስኡ ምስ ኮኑ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ክርድኡ ክኢሎም ክአምኑ ክኢሎም። ድሕሪ ትንሣኤ እንርእዮ ነገር እንተሎ ነቲ ዝኾነ ነገር ክገልጸሎም እንከሎ ካብቲ ዘደናግሮም ነገራት ነጻ ይኾኑ። ሓዋርያት እዚ ኹሉ ብባዕሎም ክገብሮዎ አይክእሉን እዮም፥ ብባዕሎም ክርእይዎ አይክእሉን እዮም፥ ነቲ ዝኸውን ነገር ክርድእዎ አይክእሉን እዮም። ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ጥራሕ ንሓውርያት ካብ ምስጢር ናብ ግሉጽ ነገር ካብ ምድንጋር ናብ ምርዳእ ክልውጥ ዝኽእል። እዚ እዩ ህያብ ትንሣኤ።
በዚ ሓዲስ ርድኢት ሓዋርያት መሰኻኽር ኮይኖም። ነቲ ብዓይኖም ዝርአይዎ ምምስካር ጥራሕ ዘይኮነ ትርጉምን ምስጢርን ናይ እቲ ዝኾነ ነግር ክገልጹ ጀሚሮም። ቅዱስ ሉቃስ ነዚ ርድኢት ሒዙ ትርጉምን ምስጢርን ትንሣኤ ከመይ ገሩ አብታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ከም ዝተገልጸ ይነግረና። ወንጌላውያን ነቲ ምስጢር ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ገሊጾምልና። ሉቃስ ብፍሉይ ከመይ ኮይኑ ናይ እታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ትምህርትን ርድኢትን አብ ትምህርቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ከም ዝምስረት ይነግረና። እዚ ኸአ ፍሉይ ሓላፍነት ቤተክርስትያን እዩ። ቤተክርስትያን ጥራሕ እያ ምስጢር ትንሥኤ ኢየሱስ ክትገልጽን ከተረድእን እትኽእል። ካብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ወጺእካ ዝግበር የለን።
አብዚ እዋን ዘሎ ርድኢት ቤተክርስትያን አብቲ ርድኢት ናይ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ርድኢት ዝተመስረተ እዩ። ንድሕሪ ሕጂ እውን አብቲ ቀዳሞት ሓዋርያት ዝመሃርዎን ዝገለጽዎን ተመስሪትና ጥራሕ ኢና ነቲ ሓቀኛ እምነት ክንቅጽሎ እንኽእል። ነቲ ዝተገልጾም ንርእሶም ጥራሕ ሓቦኦም አየትረፍዎን ንተመክርኦምን ርድኢቶምን አባና አመሓላሊፎሞ። ኩሉ እዝኒ ዘለዎ ክሰምዖ ክርድኦ ምእንቲ ንኹሉ አካፊሎምና። ምስጢሪ ክርስቶስ ክንፈልጥ አብቶም መጀመርታ ነቲ እምነት ዝገለጹ ክንምስረት አሎና። ቀዳሞት አርድእቲ ክርስቶስ ነቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ጽቡቕ ዜና ወይ ብስራት ኢሎም ሰምየሞ።
ነፍስወከፍ ወለዶ ንመልእኽቲ ኢየሱስ ናታ ገራ ናብ ካልኦት ክተመሓላልፍ ለበዋ መምህርና እዩ። ክርስቶስ ዘስተምሃሮን ዝገበሮን እዩ ንዘመናት ብብዙሓት አብ ሕይወቶም ስለ ዝመስከርዎን ዝሰበኽዎን አባና በጺሑ ዘሎ። ነዚ ሕይወት ዝህብ ቃል አምላኽን ብርእሱ ክርስቶስ ክሰብኩ ብዙሓት ክሳብ ሕይወቶም ምሃብ በጺሖም። ደም ሰማዕታት ዘርኢ ክርስትና ኮይኑ። ዘመን ትንሣኤ ነዚ መንፈስ አሓዲስና ክንጉዓዝ እሞ ንዓለምና ነቲ ክርስቶስ ዝሃባ ሰላም ዕርቂ ምስ አምላኽ ቀጻሊ ርክብ ገርና ጣዕሚ ፍቕሩ ክተስተማቕር ዝሕግዘና ዘመን እዩ። ንመልእኽቲ ክርስቶስ ንኻልኦት እንተሃብናያ ጥራሕ ኢና ሕያው እንገብራ። ከምዚ እንተ ገበርና ወንጌል አይመውትን እዩ። ወንጌል ክርስቶስ ዝመውት ክርስትና ዝጠፍእ ክርስትያን ነቲ ዝአምኖ አብ ካልኦት ምትሕልላፍ ምስ አቋረጸ ጥራሕ እዩ።
ጣዕሚ ትንሣኤ አብ ካልእ ክሓልፍ ከምኡ ካልኦት ብአኡ ክቕደሱ እንታይ ንግበር። ትንሣኤ ዓመት ዓመት ክንዝክር ከሎና ፍሉይ ነገር ክንዝክር ምእንቲ እዩ። ምስ መድኃኒና ብምሉእ ክንወሃሃድን ንኹሎም ደቂ ሰብ ደቂ ክርስቶስ ክኾኑ ክንዕድም ክንሰብኽ ምእንቲ እዩ። አብዚ እውን እምብአር ካብ ክርስቶስ ክንሃድም ዘይኮነስ አብኡ ተመሊስና ጣዕሚ ትንሣኤ አብ መንጎና ክንረኽቦ ንዕደም አሎና።
ሕይወት ጉዕዞ እዩ ብፍሉይ ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ይነግረና።

፬ ሰንበት ድሕሪ ትንሣኤ እምብአር ንኢየሱስ አብ መንጎና ክነሕድሮ እሞ ናቱ ኮና አብ መንጎና ዘሎ ሓድነት ክነበርትዕ፥ ንኹሉ ካብ ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽእል ነገራት ክንቋወም፥ ከምኡ ሰባት ንክርስቶስ ክፈልጡ ክንሰብኽ፥ ዘዘኻኽር ሰንበት እዩ። ኩልና አብ መአዲ ክርስቶስ ተሳቲፍና መገዲ ቅድስና ክንሕዝ፥ ንኹሉ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየና ነገራት አሊና ምሕረት ክንእውጅ ሽዑ አብ ስብከት ክንወፍር።
ኦ ካብ ሙታን ተንሢእካ ንአና ደቂ ትንሣኤ ክትገብር አብ መንጎና እትርከብ ሕያዋይ ኢየሱስ ብምሉእ ልብና ምሳኻ ክንውሃሃድ እሞ ናትካ ክትገብረና መንፈስካ ብምሉእ ልብና ክንለብሶ ሓግዘና፥ ንሓዋርያትካ ዝሃብካዮ ጸጋ ሎሚ እውን ንሕና ሓዋርያትካ ኢና እሞ አባና ሓድሶ። ብኹሉ ክንዓቢ ደቂ ትንሥኤ ኮና ክነለልየካ እሞ አብቲ ሓቀኛ ሕይወት ክርስትያን ተመሊስና ከም እንምስክረካ ግበረና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.