2011-05-12 14:33:10

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና


ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስያን ምእመን ኣብዚ ማርያማዊ ወርሒ ግንቦት ብዝተፈላለዩ ኣብ መንፈሳውነት ሥነ ማርያም ብዘማእከለ ናይ ጸሎት መደባት ተሰንዩ የኽበሮ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ፈይዝ እተሰምየ ብቛንቋ ቻይና ዜና ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ዝዝርግሕ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ RealAudioMP3 ብምምልካት፣ እዚ ማርያማዊ ወርሒ’ዚ ኣብ ቻይና ዕለት 24 ግንቦት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ክብዕል ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክጠቓለል ምዃኑ ፈይዝ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ቻይና ናይ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስያን ውሉደ ክህነት ኣባል፣ ኣብ ቻይና ኣትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጉዕዞ መንፈሳውነት ንኣስፍሆተ ወንጌልን ንልኡካነ ወንጌላውነት ዝኣመተ ብጽሞና ዝምራሕ ውዕዉዕ ድላይን ተገዳስነትን ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፣ ከምቲ ዝበልካኒ ይዅነለይ” ዝብል ፍጹም እምት መሠረት ገይሩ ዘኽብሮ ዘሎ ውርሒ ማርያም ክኸውን እቶም ዕለት 21 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ብፍቓድን ውሳኔን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስመተ ጵጵስና ዝተቐበሉ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሸን ቢን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. 24 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስያን ክኽበር ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሠረት ክጠቓለል ከምዘተሓሳሰቡ ኣመልኪቶም፣ ኣብ መላእ ቻይና ዝርከባ ሰበኻታት ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይዚ መደብ ጸሎት ብቐዳምነት ተሳተፍቲ ከምዝኾና ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.