2011-05-12 14:31:38

ኬንያ፦ ቅኑዕን ሓቀይናን ምዕባለ ንምርግጋጽ ኣንጻር ምግበረ ብልሽውና ምቅላስ


ኣብ ኬንያ ናይ ላዕለዋይ ባይቶ ድርገት ጸረ ምግባረ ብልሽውና ሓላፊ ፓትሪክ ሉሙምባ እታ ኣብ ምዕባለ ጎደና እትርከብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ፣ ዝኣመተቶ ምዕባለ ንምርግጋጽ እተካይዶ ጻዕሪ በቶም ብምግባረ ብልሽውና ዝተበከሉ ዘይሞራላውያን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ተግባራት ብዝፈጥሮ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን RealAudioMP3 ሽግራት ተሓኒቑ ከምዘሎ ካብ ኬኒያን ታንዛኒያን ናይጀሪያ ኡጋንዳን ሱዳንን ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 150 ወከልቲ ሃገራት ከይዲ ምዕባለ ኣፍሪቃ ኣማእኪሉ ኣብ ዝዘተየ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቀሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ፓትሪክ ሉሙምባ ብፍላይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጠቒሶም፣ እታ ሃገር ብናይ ተፈጥሮ ሃብትን ማዕድናትን ኣዚያ ዝተዓደለት ሃገር ክነሳ ሕዝባ ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቑ እቲ ኣዚዩ ዝደኸየ ተባሂሉ ክግለጽ ምስማዑ ብጣዕሚ ዘሕዝንን ተስፋ ዘቑርፅን ዓቢ ፍሽለት ኢዩ። ናይ ብራዚል ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ሃብቲ ሚዛን ወይ ድማ ምጣኔ ሃብቲ ናይ 54 ሓገራት ኣፍሪቃ ምጣኔ ሃብቲ ዘጠቓልል ከምዝኾነ ጠቂሶም፣ ብሓቂ ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ከተረጋገጽ ናይታ ኣብ ዝሓለፉ ነዊሕ ዓመታት ከይዲ ኤኮኖሚኣ ምስቲ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመሳሰል ድኻ ሃገር ተባሂላ ትግለጽ ዝነበረት ሕጂ ግን ኣብ ምዕባለ ኤክኖኖሚ ኣዚያ ዝሰጎመት ሲንጋፑር ከም ኣብነት ጠቂሶም፣ ነዚ ናይ ምዕባለ ስጉምቲ ከተረጋግጽ ካብ እተኸተለቶም መምዘንታት ሓደ ቃልሲ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብምግባረ ብልሽውና ዝሕተቱ ዕንቅፋት ከይዲ ምዕባለ ንዝኾኑ ገበነይናታት ከቢድ ናይ ፍርዲ መቕጻዕቲ ክረኽቡ ዝብል ኣብታ ሃገር ዝጸደቐ መቕጽዒ ሕጊ ውሳኔ እውን ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ክጭበጥ ዝከኣል፣ ብልሽውና ብዘይ ቅድም ኩነት ምውጋድ ዝብል ዕላማ ናይ መንግሥታት ኣፍሪቃ ቀዳማይ ውሳኔ ኮይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንከሎ ጥራሕ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ነዚ ዘቕረብዎ ጸዋዕታ ክትድግፍ ከምዝሓተቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቂሱ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.