2011-05-10 14:14:41

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና፦ ኣብ መንጎ እምነትን ባህል ዘተ ክህሉ ዘተባብዕ ናይ ተስፋ መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 7 ግንቦቶ ክሳብ ዕለት 8 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ስሜናዊ ምስራቕ ኢጣሊያ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ከምዘካየዱ እንክዝከር፣ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝሃቦ መልስን ዘቕረቦ ሞሳን ዝድነቕ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ RealAudioMP3 ፣ ኣቲ ሕዝቢ ንቅዱስ ኣቦና ዘቕረቦ ሞሳን ዝሃቦ መልሲ ናይቲ ካባቢ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ባህሊ መሠረት ዘለዎን፣ ነዚ ካቶሊካዊ ባህሊ ዘንጸባርቕን፣ ንናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽትን ምዕዳንን ሥልጣናዊ ትምህርትን ክፉት ክኸውን ከምዘተባበዖን ስለዚህ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ሓናጺ ኣስተምህሮ ብምልኣት ክፉት ኮይኑ ኢዩ ዝተረኽበ ኢሎም።

ብርግጽ እቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ ኣሕዛብ ዝራኸብሉን ዝነብሩሉን ብሓፈሻኡ ናይ ስደተይና ጭቡጥ ኩነት ዝንበረሉን ኩለ መዳያዊ ኅብረኣውነት ዘንጸባርቕን ኅብረተኣውነት ተመዛዝኖን ምንጽጻርን ዝረኣየሉን ብሓባር ዝዕበየሉን ከምዝኾነ ታሪኽ ጠቀስ መረጋገጺ ኣቕሪቦም፣ ቨነዚያ መላእ ታሪኻ ናይ ተመዛዝኖን ምንጽጻርን ኅብረኣውነት ኣሕዛብ ውጽኢት ኢዩ። ብሓጺሩ እቲ ሥነ ጥበባዊ መልክዕ ቨነዚያ እውን እንተሪኢና ንኣብነት ባዚሊካ ቅዱስ ማርቆስ ንገዛእ ርእሱ ዝተፈላለዩ ሥነ ጥበባዊ ባህልታት ዝተራኸቡሉን ዝተመዛዘኑሉን ዝተነጻጸሩሉን ከተማ ከምዝኾነት የረጋግጽ፣ ስለዚን ናይ ባህላውን መንፈሳውን መርእዮ ኢያ ኢሎም።

ቨነዚያ ወንጌል መገዲ ሕይወት ከምዝኾነ ዘነጽር ታሪኽ ዝተነበረላን፣ ካብዚ ዓይነት ናይ ሕይወት ኩነት ዝተወልደ ባህላውን ማኅበራውን ናይ ምሕደራ ሥነ ጥበብን ዝተነብረላ ከተማ ክትኸውን ገይርዋ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝርኣይ ባህላዊ ቅልውላውን ሕቶታቱን ዘይውሕስነቱን ብቐረባ ዝፈልጥዎ ኢዩ። ምእንቲ’ዚ ሥነ ምርምር (ርትዒ) ምስ እምነት ሓናጺ ዘተ እንተድኣ ዘረጋገጽ ኮይኑ፣ ብሓቂ ምዃናዊ ትርጉሙ ብምልኣት ይነብር። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣዕሚቖም ዝፈልጥዎን ፍሉይ ቆላሕታ ዝህብሉን ብተደጋጋሚ ናይ ዘቕርብዎ ሕንጸት ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኣስተምህሮታት ዘቕረብሉ ጉዳይ ኢዩ። ርትዒ ወይ ድማ ሥነ ምርምር ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይተዓጽወ ንእምነት ክፉት ምስ ዝኸውን ጥራሕ ኢዩ ከእምንን ክእመንን ዝኽእል፣ እዚ ድማ ወዲ ሰብ ነቲ እዋናዊ ብድሆ ገጢሙ ግቡእ መልሲ እናሃበ መጻኢ ሕይወቱ ብሩህ ንክኸውን ነዚ ጉዳይ ብብቕዓት ንዝቆጻጻርን ንዘመሓድርን ባህሊ መገዲ ይኸፍተሉ ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ቅድስና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝግለጽን ኵሉ በቢ ጸዋዕታኡ ክነብሮ ከምዘለዎን ብቓል ገሊጾም፣ ነዚ ከም ኣብነት ዝኾኑ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ዓሥራይን ዮሓንስ መበል 23፣ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይን ከምኡ እውን ናይ ክቡር ቶኒዮሎ ቅዱሳት ትሩፋት ናብ ዝርከበሉ ቦታ ብምዃድ ናይ ምስጋና ጸሎት ኣቕሪቦም ኢዮም ኣንክብሉ ብሓጺሩ ናይ እምነት ጽባቔ እምነት ብቓልን ብግብርን ኣብ ዝነብር ሕይወት ይንጸባረቕ። እቲ ሥነ ምርምር እውን ምስ እዚ ከምዚ ዓይነት እምነት ክዛተ እንከሎ ርትዓውነቱ መሠረት ይህልዎ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ሰሜን ምስራቕ ኢጣሊያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነዚ ዘነጸረ ኢዩ ኔሩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.