2011-05-05 18:21:20

ጸሎት ማለት ምስ እግዚአብሔር ምውሳእ ማለት ኢዩ፤


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮኦም ሓዲስ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ክጅምሩ ምዃኖም ነዚ ንንውሕ ዝበለ ግዝያት ዝኸይድ መደብ ከኣ ብዛዕባ ጸሎት ከምዝኾነ ገሊጾም። ናይ ኩሉ ዘመናት ወዲ ሰብ ትርጉም ሕይወቱ ንምፍላጥ ከምዝጽልን ካባኡ ሓሊፉ ክገብሮ ዝከኣል ነገር ከምዘይለኦን ዘመልከቱ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መጀመርያ ናይቲ ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ዝተወፈየ ወርኂ ግንቦት መባእታ ኣብ ዝገበርዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንኩሎም መንእሰያት ብሕልፊ ከኣ ነቶም ብሕማም ንዝሳቀዩን ንሥድራ ቤታትን ንእኖና ድንግል ማርያም ብምውፋይ ን ዕለተ ብፅ ዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣመስጊኖም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝሃብዎ ትምህርቲ ‘ምጽላይ ማለት ምስ እግዚአብሔር ምዝርራብ ማለት ኢዩ፤ ኣብዘን ዝስ ዕባ ሳምንታት ሮቡዕ ሮቡዕ ኣብ እነቅርቦ ልሙድ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ክንዛረብ ኢና፤ እቶም ቀዳሞት ኣርድ እቲ ንጐኢክ ጸሎት መሃረና ምስ በልዎ ምሂርዎም ኢዩ፤ ጸሎት ከኣ ምስ ጐይታ እንገብሮ ጥቡቅ ርክብ ስለዝኾነ ንሱ ጥራሕ ኢዩ ክምህረና ዝኽእል፤ ቤተ ክርስትያን እውን ነዚ እያ ትገብር፤ ብኻል እ ኣዘራርባ ሕይወትና ምሉእ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ኢዩ ክንብል ንኽእል፤’ ድሕሪ ምባል፤

ጸሎት ብቀሊሉ ዝርከብ ነገር ከምዘይኮነ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና፤ ምጽላይ ክንመሃር ኣሎና፤ ነዚ ምህሮ እዚ ከም ሓዲስ ጥበብ ኢና ክንመሃሮ ዘሎና፤ ወላ እውን እቶም ብመንፈሳውነት ብዙሕ ተጓ ዒዞም ሕወቶም ምሉእ ኣባኡ ዘሕለፉ መንፈሳውያን ኣበው ኣድላይነት ናይዚ ትምህርቲ ብ ዕምቈት ስለዝተረደኦም ዕለት ዕለት ጸሎት እናተማህሩ ኢዮም፤ ነዙይ ዝገብሩ ኸኣ ብግቡእ ንምጽላይ ም እንቲ ክርድ ኡ ኢዮም።’ ቢሎም።

ነቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ካብ ጐኢክ ከም እነረኽቦ እዚ ከኣ ብ ኣብነቱ ምዃኑ ንምብራህ፤ ‘እቲ ፍቃድ ናይቲ ንዓለም ከድኅን ዝለኣኾ እምበር ፍቃዱ ክፍጽም ዘይመጸ ጐኢክ ወትሩ ምስ ኣቦ ዓሚቁ ርክብ ነርዎ፤’ እንክብሉ ወላ እቶም ጥንታውያንን ኣረማውያንን ቢልና እንግምቶም ናይ ጥንታውያን ግብጻውያን ይኹኑ ግሪኻውያን እንኮላይ ናይ መሶጳጣምያን ሮማን ን እግዚአብሔር ንምፍላጥ ዝነበሮም ሃረርታ ይኹን፤ ናይ ጉድለቶም ስም ዒትን ምሕረት ናይ ል ዑል ምድላይን ብ ኣምሳል ከምዝነበረ ኣመልኪቶም። እዚ ከኣ ሕይወት ብዘይ ጸሎት ትርጉም ኣልቦ ምዃኑ የመልክት።

‘ኣብ ዝኾነ ጸሎት ክውንነት ደቂ ሰባት ይግለጽ፤ ብሓደ ወገን ድኻምነቱን ኣብ ቅድሚ መልኮት ክቀውም ብቈዕ ዘይምኻኑን ብኻል እ ወገን ከኣ ብፍሉይ ኃይሊ ተደጊፉ ነቲ መል እልተ ባህርያዊ ተገልጾን ረድ ኤትን ተቀቢሉ ምስ ፈጣሪኡ ክዋሳእ ከምዝኽ እል የመልክት፤ ኣብ ኣብነታት ጥንታውያን ጸሎታት ከም እንግንዘቦ ወዲ ሰብ ለባዊ ፍጡር ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ፈጣሪ ዘለዎ ዝንባሌ እዚ ፈጣሪ እዚ ል ዕሊ ኩሉን ምንጪ ናይ ኩሉ ሠናይ ነገርን ምዃኑ የገንዝብ’ እንክብሉ ዓሚቁ ትርጉም ጸሎት ገሊጾም።

ወዲ ሰብ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ይጽሊ፤ ንኽጽሊ ዝደፋፍኦ ምኽንያት ከኣ ምስ ምንጪ ናይ ህላዌኡ ዝኾነን ዕላማን ሸቶን ህላዌኡ ዝገልጽን ኣምላኽ ርክብ ብምግባር ትርጉም ህላዌኡ ንምርዳእ ኢዩ፤ ሕይወት ወዲ ሰብ ብሠናይ ነገራትን ብሕማቅ ነገራትን ብሥቃይን ደስታ ጽቡቅ ነገራትን ዝተጠናነግ ኢዩ፤ ነዚ ሰጊርካ ንምኽኣል ክንዮ ሞት ዘሎ ኩነት ሕይወት ንምርዳእ ግድን ኢዩ ብርሃን እግዚአብሔርን ተስፋ ዘልብስ ውሳጣዊ ኃይልን ንምርካብ ንጸሎት ዝደፋፍእ ስምዒት ክህሉ፤ በዚ ኸኣ ኢዮም ጥንታውያን ያታያውን ሃይማኖታት ን ኣምላኽ ከም ኣቦ ንሳቶም ከኣ ከም ደቁ ብምቅራብ እቲ ርክቦም ናይ ወላድን ውሉድን መልክ ዕ ዘልብስዎ፡ ኢየሱስ ከኣ ብጸሎት ነዚ ኢዩ ዘቅርበልና ነቶም ጐይታ ጸሎት እንዶ ግዳ መሃረና ዝበልዎ ሐዋርያት ‘ክትጽልዩ እንከሎኹም ከምዚ ቢልኩም ጸልዩ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ..’ እንክብል ምስ ሰማያዊ ኣቦ ዓሚቁ ርክብ ክንገብር ከምዘሎና መንገዲ ሓቢሩና’ እንክብሉ ብዛዕባ ጸሎት ንንውሕ ዝበለ ግዝያት ክገብርዎ ናይ ዘሎዎም ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ሰፊሕ መባእታ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.