2011-05-03 16:50:44

ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ብፅዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ምእዋጅ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ትማሊ ንጎሆ ምእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያኑን ንመላእ ሕዝቢ ዓለምን ዝዓደሎ ጸጋ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ዝመርሕዎ በሸሓት RealAudioMP3 ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ምእመናን ዝተሳተፍሉ ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ እንክምልከት፣ ብፁዕ ካርዲናል በርቶኔ ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉን ቀጺሎም ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ብቅዱስ ኣቦና ዝተሾሙን ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ብሓባር ዓቢይ ሃዋርያ ናይ መለከታዊ ምሕረት እንክብሉ ንዝሰመይዎም ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ድዝዊች ኣመስጊኖም፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስክር ጓሳ ር.ሊ.ጳጳስን ቅዱስን ብዝብሉ ኣርባዕተ ስያመ ገሊጾም ቤተ ክርስትያን በዞም ስያመ መሠረት ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሞሳ ተቕርብ፣ ምንባሮም ብእግዚኣብሔር ገይሮም፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ክልተ ሺሓዊ ዓመት ጉዕዞ ዝመርሑ ከምዝኾኑን ገሊጾም፣ እነሆ እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብዚ ዓለም ብሞት እንክፍለዩ ዝጀመርዎ ጉዕዞ ሕይወት ድሕሪ እቲ ካብቲ ኣብ ሕይወቶምን ንዘርኢ ሰብን መደብን ምልክታ እግዚኣብሔር ዝተረድኡሉን ካብ ክርስቶስ ፍቕሩ ተማሂሮምን በዚ ፍቕሪ መሠረት ናይቲ ጸዋዕታኣም ዓቢ ሓላፍነት ዝተገንዘብሉ ብወንጌል ዝተኾልዔ ሕይወት ከምዝነበሩ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ብፅዕና ንኽእወጅ ወሲኖምን ብፍላይ በዓለ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ኣብ በዓለ መለኮታዊ ምሕረት ክብዕል ብምውሳኖም ድማ ብድርብ ኣመስጊኖም፣ እዚ ብሓቂ ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ኣብቲ ደረት ኣልቦ ምሕረቱ እግዚኣብሔር ዘለዎም እምነት ዘበርትዕን ዘጽንዕን ኢዩ። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስታ ቅድስቲ ፋውስቲና ብሓባር ናይዚ ሓቂ’ዚ ዓቢይ ሃዋርያ ንምዃን ከምዝበቕዑ ጠቒሶም፣ እግዚኣብሔር ነዞም ተኣማንን እሙንን ግልጽን እምነት ከመይ ክንግበር ከምዘለዎን ናይ ክርስትና ክቡራት ዋጋታት ብዘይ ፍርሕን ምጥርጣርን ብትብዓትን ብቓልን ግብርን ኣጣሚርካ ኣብ ዕለታዊ ናይ ሕይወት ተመኩሮታት ከመይ ጌርካ ከምእትነብሮን ከምእትኸላኸሎን ከምእትሕብሕቦን ዘስተምሃሩ ዓቢይ ምስክር ስለ ዝሃበናን ነቲ ሓቂ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸግዖም ገይሮም ነቲ መገዲ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንገዶም ገይሮም ናይ ኩሉ ኣማኒ ፍጻሜ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ዝናን ኣሚቶም ናይ ወዲ ሰብን ንዓለምን ናይ ሓባር ሓጎስን ጥቕምን ሓልዮት ተጸሚዶም ዘገልገሉ ብናይ ክርስቶስ ሕይወት ዝተመልኡን ወትሩ ኅያው ኮይኖም ንጸጋታቱን ንህያባት መንፈስ ቅዱስ ክፉት ኮይኖም ዝነበሩ ቅዱስ ዝለ ዝሃበና ነመስግኖ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ መቓብር ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ተነቢሩ ዘሎ ቅዱስ ቅርያት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝርከበሉ ሥፍራ ብምኻድ ጸሎት የዕርጉ ከምዘለዉን እንክምልከት፣ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቅርያት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተረኺቦም እቶም ነጋድያን ምእመናን ናይታ ር.ሊ.ጳ. ኣግልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ናይ ዝተኣወጀሎም ዕለት ናይ ሱታፌ ተመኩሮኦም ናብ ስድራ ቤቶምን ከባቢኦምን ሃገሮምን ናይ እምነት ምስክርነት ገይሮም ከቕርብዎ ሓደራ ቢሎም፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣፍቃሪ ጸሎተ መቝጸሪያ ከምዝነበሩ ድማ ዘኪሮም፣ ከምኦም ኣፍቀርቲ ናይ መቝጸርያ ጸሎት ክንከውን ኣዘኻኺሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሰማያዊ ቤት ቡራኬኻ ሃበና፣ ነታ ብዘይ ደረት ዘፍቀርካያን ዘገልገልካያን ኣብ ጎዳናታት ዓለም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከተብጽሕን ኩሉ ናብ ክርስቶስ ከተምጽእ ዝመራሕካያ ቤተ ክርስትያን ባርካ፣ ንቶም ኣብ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትካ ፍሉይ ፍቕሪ ዘንበርካሎም ኣብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወት ዝመርሕ ብርሃን መታን ክረኽቡ ቆላሕታኦም ንላዕሊ ከብሉ ዝመራሕካዮም መንእሰያት ባርኽ፣ ኣብታ ናይ ሰማይ ነጸብራቕ ዝኾነት እግዚኣብሔር ኣብዚ ምድሪ ዝኾልዓ ክብርትን እዚያ ኣድላይት ዝኾነት መንፈስ ክፍኣት ዝጠማመታ ሥድራ ቤት ባርኽ፣ ብጸሎትካ ነዛ ሥድራ ቤት ተኸላኸል፣ ሕጂ እውን ነቲ ብውግእን ኢፍትሓውነትን ተወጢሩ ንዝርከብ ዓለም ጸልይ፣ ንዘተ ብምንቕቓሕን ፍቕሪ ኣናዘራእካ ውግኣት ተዋጊእኻ ኢኻ እሞ፣ ዘይሕለሉ ናይ ሰላም ዘርኢ ዘራእትን መሳርሒ ሰላም ኮይና ክንርከብ ምእንታና ጸልይ።

ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ መስኮት ሰማያዊ ቤት ናይ እግዚኣብሔር ቡራኬ ኣብ ልዕሌና ክወርድ ብኣኻ ኣማላድነት ጸሎትና ነዕርግ ብዝብል ጸሎት ምስቶም ነጋድያን ምእመናን ብሓባር ዘዕረግዎ ናይ መቑጸሪያ ጸሎት ከምዝጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.