2011-05-02 17:01:22

ንኢየሱስ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ነለልዮ


ንባብ፡ ሉቃስ 24፡13~35ዘሎናዮ እዋን ዘመነ ትንሣኤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብሉጽ ጊዜ ቅድስናን ምስ አምላኽ ክንራኸብ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ሕይወትና ሓቀኛ ትርጉሙን ዓላምኡን ዝረክብ ንአምላኽ ክረክብ እንከሎ እዩ። “ነፍሰይ አባኻ ጥራሕ ዕረፍቲ ትረክብ” ዝብል ብዘይ አምላኽ ሕይወትና አብ ስቓይ ከም ዝነብር ንርዳእ። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ደቂ ሰብ እንስሳዊ ብህሪ ስለ ዝመርሖ ክፉእ ክገብር ኩሉ ጊዜ ጊዜ አይወስደሉን እዩ። አብ ዓለምና እንርእዮ ዘሎና ክፍአት ምጭኽኻን አብ መንጎ ሰባት፥ ወግእ ዓመጽ ንሓቂ በቲ ንስኻ ጥራሕ እትደልዮ ክትመርሕ ምድላይ፥ ንሰባት አብ ጥቕምኻን አገልግሎትካን ጥራሕ ከም ዝውዕሉ ምግባር፥ ናይ ካልኦት ጸገም ከም ሓንቲ ዘይብጽሓካ ገርካ ምሕሳብ ንዓለምና እቲ ዝኸበደ ፈውሲ ዘይርከቦ ሕማም ኮይንዋ ንርኢ አሎና። ሰባት መአዝኖም አጥፊኦም መገዲ አምላኽ ሓዲጎም ንጸጋም ዝወፍሩ ውሑዳት አይኮኑን፥ አምላኽ አየድልየናን እዩ ዘለኽዎ ይሕሸኒ ብዘይ አምላኽ ክነብር ጸገም የብለይን እናተባህለ ክዝረብን ክንገርን ክንርኢ ክንሰምዕ አይወሓደን እዚ ኹሉ ንአምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ ምስ ከላእናዮ ዝፍጠር እዩ።
ንአምላኽ አበይ ክንረኽቦ ንኽእል? ከመይ እንተ ገበርና እዩ ዝርከብ/ ክንረኽቦ መን ክሕግዘና ይኽእል። መልስና አብ ወንጌል ተመርኲስና እንተ ረአናዮ ሓቀኛ መልሲ ክንረኽበሉ ንኽእል። ሕይወትን ርድኢትን ናይ ቀዳሞት ተኸተልቲ ኢየሱስ አብነትና እዩ። ብሓፈሻ እንተ ረኤና ድሕሪ ትንሣኤ ነቲ ተንሢኡ ዝብል ምእማን ከጸግም ንርእዮ። ኢየሱስ ካብ ሞት ትንሢኡ ንዝብል ክአምኑ አጸጊሙ ንረኽቦ። ንሓዋርያት ደመና ጸልማት የንጸላልዎም ነቶም ተንሢኡ ርኢናዮ ተዛሪቡና ንዝበሉ አይአምንዎም። ቶማስ አእዳወይ አብቲ ዝተወግኤ ጎኑ እንተ ዘይአእቶኹ ነቲ ብሽንካር ዝተሰመረ አእዳዉን አእጋሩን እንተ ዘይረምሰስኩ አይአምንን እናበለ ደፊሩ ተዛሪቡ። ማርያም መግደላዊት ንጎይታና ረኸቢዮ ምስ በለት ሓደ አይአመናን። ክንአምን ወንጌል ክነንብብ አሎና፥ ንኢየሱስ አብ ርድኢትና ጥራሕ ክንውስኖ የብላንን። እምነት ፍልጠት አይኮነን እምነት ህያብ አምላኽ እዩ። ፍልጠት አብ እምነት የብጽሓና። እምነት ግን ንሰማይ አንቃዕሪርካ ጥራሕ እናረአኻ ዝውሃብ ህያብ አይኮነን ናይ ነፍሲ ወከፍ ድለትን ጻዕርን ይሓትት። ንእምነት እንተ ዘይኮስኮስካዮ ዝምንጥልዎ ጸላእቲ ብዙሓት እዮም። ነዚ አብነትና ናይ ሎሚ ወንጌል እዩ።
አብ ወንጌል ሉቃስን ካልኦትን ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ እዋን ሓዋርያትን ኩሎም አመንትን ንኢየሱስ ክረኽቡ ክርእዩ ከም ዝተጓየዩ ንርኢ። ማርያም መግደላዊት አብ መቓብር ከይዳ ደልያቶ። ንብዙሓት ሓቲታ ንጎይታይ ወሲዶምለይ እናበለት ሓቲታ። ክሳብ ትረኽቦ ደው አይበለትን። ጴጥሮስ ዮውሓንስ ክረኽብዎ አብ መቓብር ጎዮም። አንስቲ ምስ ሞተ ለይቲ ተንሣኤን አብ መቓብር ከይደን። ኢየሱስ ክኽወለና ከሎ ከምኡ እዩ ዝገጥመና። አብ ሕይወትና እምብአር ካብ ኢየሱስ ዝፈልየና ነገር ክንአሊ አሎና። ንሱ ዘይኮነ ዝጠፍእ ንሕና ከይንጠፍእ።
ኢየሱስ አብ መስቀል ምስ ሞተ ንብዙሓት ሓዋርያቱ ነገራት ተወዲኡ መሲልዎም ነናብ ዋኒኖም ክሃድሙ ተራእዮም። ሉቃስ አብ ምዕ. 24 ብዛዕባ ክልተ ካብኦም ካብ ኢየሩሳሌም ክሃድሙ እንከለዉ ኢየሱስ አብ ጉዕዞ ህድማ ከለዉ ከም ማንም ሰብ ከምዝተሓወሶም ይነግረና። አብዚ ትርጉም ናይ ምሉእ ክርስትያናዊ ሕይወት ይነግረና። እዚ ምዕራፍ እዚ ሓደ ካብቲ ቁምነግረን ጥቕምን ዘልኦም እዩ። መዓልቱ ሰንበት ናይ ትንሣኤ እዩ ነሩ። ንሉቃስ ኩሎም ናይ ትንሣኤ ግልጸታት ወይ ምርአይ አብ ኢየሩሳሌምን ከባቢአን ከምኡ ብመዓልቲ ሰንበት እዮም ኮይኖም። ኩነታት ከም እተጸበናዮ እንተ ዘይከደልና ነገራት ይተሓዋወሰና እሞ ተስፋ ንቆርጽ። አብዞም ክልተ አርድእቲ እዚ ኢና እንርኢ፥ እንተኾነ ኢየሱስ አብ ኩሉ ኩነታትና ስዕቡ ክመልሰና ንርእዮ። ተመለሰኒ ሒዝካዮ ዘሎኻ አይ መንገድኻን እናበለ ክንምለስ ይደልየና።
ንሉቃስ ማእከል ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ኢየሩሳሌም እያ። ኩሉ ሕይወት ኢየሱስ አብአ ገጹ ዝጠመተ እዩ። ድሕሪ ትንሣኤ እታ ማሕበር ክርስቶስ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚራ ናብ ኩሉ ዓለም ትዝርግሖ። ካብዛ ማእከል ናይ ኩሉ ዝኾነት ከተማ እዚኦም ክልተ አርድእቲ ክሃድሙ እንከልወ ዝገጠመ ሉቃስ ይነግረና። ካብ ማእከል ካብ ቀንዲ ዓላማኻ ካብ ስድራኻ ካብ እምነትካ ካብ ሰብ ካብ ኩሉ ክንሃድም ከሎና መአዝና ኢና እንስሕት። እዞም ክልተ አርድእቲ መአዝኖም ስሒቶም ይሃድሙ እንተኾነ አብ ዝገደደ ጸልማት ገጾም ይጉዓዙ። ኢየሱስ ስዒቡ አብ ቦትኦም ይመልሶም። ንአና እውን ክመልሰና ኩሉ ጊዜ ይስዕበና።
እዞም ክልተ አርድእቲ አብ መገዲ ንኤማሁስ ገጾም እና ተጓዕዙ እዮም ነሮም። ኤማሁስ ካብ ኢየሩሳሌም 11 ኪ.ሜ አቢላ እያ። አብዚ እዋን እዚአ ከተማ ዝነበረቶ ብልክዕ ክፍለጥ አይክአልን እዩ ተድምሲሳ እያ። እዞም ክልተ አርድእቲ ኢየሱስ አብ መገዲ እዮም ነሮም። ንሶም መንገደኛታት ናይ ሕይወት እዮም ነሮም። ኢየሱስ እቲ መገዲ እቲ ጎደና እዩ። ንሳቶም ነቲ ሓቀኛ መገዲ ሓዲጎም አብ ግጉይ መገዲ እዮም ዝጉዓዙ ዝነበሩ። ንኢየሩሳሌም ሕቚኦም ሂቦም ካብቲ ንኢየሱስ ዝገጠሞ ክሃድሙ ንምዕራብ ገጾም ክኸዱ ኢና እንርእዮም። አብ ዕርበት ገጾም እናኸዱ ከለዉ ኢየሱስ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ አብ መገዲ ይሕወሶም። ከየለልይዎ ገለ ነገር ይኽውሎም። እንታይ እዩ እዚ ገለ ነገር እንብሎ ዘሎና? ንሱ መይቱ እዩ ዝብል ግምቶም ድዩ? እቲ ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ኢየሱስ ክምለሶም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ድዩ?አብ ግምታትን አብ ጥርጣረን እንከለዉ እሞ ምጭናቖምን ኩሉ ኩነታቶም ብምሕሳብ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝዛረቡ ዘለዉ ይሓቶም። ዝብልዎ ዘለዉ ከይተረድኦም “በዘን መዓልታት እዚአተን ነዚ አብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥሲ ንስኻ በይንኻዶ ጓሻ ኢኻ” እናበሉ መሊሶምሉ። አምልኽ አብ ጉዕዞ ሕይወትና እንከሎና ይጓነፈና። ባህርና ንመገዲ አምላኽ ሓዲጉ ንጸጋም ምስ ወፈረ አብ ጉዕዞ ጸላም እዩ ዝርከብ። አብዚ ጉዕዞ ከሎና ብርሃን ክርስቶስ ክመጸና እንከሎ ጥራሕ ኢና ካብ መገዲ ጌጋ እንምለስ። እዞም ክልተ አርድእቲ አምሳል ናይ ነፍስወከፍና እንጉዓዞ መገዲ እዮም ዝሕብሩና። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ንኢየሱስ ክንረክብ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና።
ካብቲ ዘለዎም ጓሂ ከውጽኦም ኢሉ ብግሩህ መገዲ “እንታይ እዩ” ይብሎም። ናታቶም ርድኢትን አገላልጻን ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ነገር ክፈልጥ ኢሉ ይሓቶም። ንአታቶም እቲ ሞት ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ፍሽለት ኮይኑ እዩ ተረዲእዎም። ንሕና ነብይ ኢልና እንአምኖ ዝነበርና እናበሉ ድሕሪ ሞቱ ግን እቲ መስሕ ዘብሎ ነገራት ከምዘይ ርአዩ ገለ አንስቲ ካብኦም አብ መቓብር ከይደን ሬስኡ ከምዘይረኸባ ገላ ካብ ሓዋርያት እውን ከይዶም ከምቲ እተን አንስቲ ዝበልኦ ከምዝረኸቡ ንሕና ግና እቲ ንእስራኤል ኬድኅን ዘለዎ ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር ነርና ምስ እዚ ኹሉ ኸአ እዚ ካብ ዝኸውን ሎሚ ሣልሰይቲ መዓልቲ እያ እናበሉ አብኡ ዝነበሮም እምነትን ሕጂ ግን ተስፋ ከምዝቖረጹ ይነግርዎ (ሉቃ 24፡18~22)። ኩሉ ከምቲ ዝሓስብዎ ከም ዘይከደ ንሶም ካብ መግዛእቲ ነጻ አውጺኡ አብ ሓዲስ ግዝአት ዘእትዎም መሲልዎም ነሩ። እተን አንስቲ ዝበልኦም እውን ረቢሽዎም ነሩ አብዚ እውን ጌና ብዛዕባ ኢየሱስ ዝፈልጥዎ ነገር አይነበሮምን። ከምዚ ኢሉና ነሩ እናበሉ ንኹሉ አብ ኢየሱስ የጸግዕዎ። ኢየሱስ አብ ልብና ክአቱ ኩሉ ጊዜ ድላዩ እዩ። እቲ ጸገም ንሕና ዕድል ንኸልኦ። ከምቲ ኩነታትናን ዓቕምናን ቀሪቡ ይዛረበና ምናልባት እቲ ዝውሃበና ምልክት አይንርእዮን ኢና ናይ እዞም ክልተ አርድእቲ አብነትና እዩ። እንታይ ኮንካ ትጉሂ እንታይ ኮንካ ካብ አምላኽ ትርሕቕ እናበለ ሕልናና ኩሉ ጊዜ ይሓተና እዩ። ሓቀኛ መልሲ ኻብ መምህርና ጥራሕ ኢና እንረኽቦ።
ኢየሱስ ንኹሉ ዝብልዎ ምስ ሰምዐ ከስተምህሮም ይጅምር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ ሕማማቱ ከም ዝነግሩ ከምኡ ኩሉ ንኢየሱስ ዝገጠሞ ቀደም ብነብያት ከም ዝተነግረ ይገልጸሎም። አብዚ ክንፈልጦ ዘሎና ሉቃስ ጥራሕ እዩ ብዛዕባ እቲ ዝሳቐ መስሕ ዝዛረብ። አብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ዝሳቐ መስሕ አይንረክብን። አብ ዳሕረዎት ዘመናት ቤተ ክርስትያን ናይ እቲ ዝሳቐ መስሕ ምስቲ አብ ኢሳያስ ዝርከብ ዝሳቐ አገልጋሊ ዝብል አቐዲሙ ብዛዕባ ኢየሱስ ከም ዝተጻሕፈ ትትርጉመል። አብዚ ታሪኽ እንርድኦ ኩሉ እቲ ንኢየሱስ ዝረኸቦ ኩሉ ናይ እቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ተስፋታትን ናይ አይሁድ ትጽቢታትን ምልአት ምዃኑ ጸቒጡ ይዛረበሉ። ቅዱስ ሉቃስ ክርስትና ምልአት ናይ እቲ ኩሉ ተስፋታት አይሁድን ካብኡ ዝማዕበለ ምዃኑ አብ ወንጌሉን ግ.ሓ. ይነግረና። ማቴዎስ እውን ተመሳሳላይ ርኢቶ አልኦ። አምላኽ ብቃሉ ማለት ብቅዱሳት ጽሑፋት፥ ብቤተክርስትያኑ ይዛረበና። ንቅዱስ መጽሓፍ ክንፈልጥ ክነንብቦ ይግብአና ከምኡ ብቤተክርስትያኑ ገሩ ንዝነገረና ክንቅበሎ ይግብአና።
አብቲ ዓዲ ምስ አተዉ ኢየሱስ መገዲ ከም ዝቕጽል ካብኦም ፍንትት ክብል ጀሚሩ። ንሳቶም ግን ምድሪ መስዩ እዩ ምሳና ሕደር እናበሉ ዕድመ አቕሪቦምሉ ነቲ ጋሻ። “ጋሻ ኮይነ ግን አእቲኽምኒ”። ኢየሱስ ምስኦም ይአቱ። ብሓቂ ዕዉት መዓልቲ ንኽልቲኦም፥ ምናልባት ንሶም ዕድመ እንተ ዘየቕርቡሉ አይምአተወን። ገዝኦም ከፊቶምሉ። አምላኽ ብዙሕ ጊዜ ብዝተፈላለየ መገዲ አብ ልብና አብ ቤትና ክአቱ ይሓተና እንተኾነ ገለ እዋን ልብና ብምዕጻው ገለ እዋን ንዝህበና ዕድመ ብዘይምርዳእ ይሓልፈና። አብ ቤተይ እቶ ክንብሎ አብ ሕይወተይ እቶ አብ ኩሉ ርክብና ቦታ ክንህቦ ናታትና ዕድመ ይሓትት። እቲ ብዘይ ድላይካ ዝፈጠረካ አምላኽ ብዘይ ድላይካ አየድሕነካን እዩ ይብለና ቅዱስ አጎስጢኖስ። አምላኽ ድላይና ክርኢ ይደሊ እዩ። ወርሓት ትንሣኤ ንድላይ ኢየሱስ ክትቅበል ሕልናኻ እትኸፍተሉ እዋን እዩ።
አብ መአዲ ምስተቐረቡ ወዮ ጋሽ ኮይኑ ዝጉዓዝ ዝነበረ አቦ ገዛ ዋናን ዓብን ኮይኑ ጸሎት ይመርሖም፥ ህብስቲ አልዒሉ ባሪኹ ሃቦም። አብዚ ግዜ ከለልይዎ ጀሚሮም አዒንቶም ነቲ ሓቀኛ መንነቱ ከለልዩ ክኢሎም ሽዑ ካብኦም ይኸወል ምኽንያቱ ክርእይዎ ስለ ዝኽአሉ። ንሕና አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ኢና ናይ ብሓቂ አምላኽ አብ መንጎና ከምዘሎ እነለልዮ። አብቲ እንጌራ ጥራሕ ዘይኮነ አብቲ ምቝራስን ካብኡ ምስታፍን ከምኡ አብቶም ካብቲ ዝተቖርሰ እንጌራ ዝሳተፉ አብኡ ኢና እነለልዮ። ዝለዓለ መግለጺ ህላዌ አምላኽ አብ መንጎና መስዋዕቲ ቅዳሴ እዩ። አብኡ ክርስቶስ ሰዋዒ ተሰዋዒ ባዕሉ እዩ። አብኡ ኩሉ ጸጋታቱ ክንረክብ ንክእል ከመይ ብርእሱ ሥጋኡን ደሙን ስለ ዝነ። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ዓይንና ከፊትና ክነለልዮ እሞ አሜን ክንብል።
ቅዱስ ቍርባን ናይ ብሓቂ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ምዃኑ ገሊጽሎም። አብዚ ቅዱስ መአዲ ንሱ ባዕሉ ከምዘሎ ኩሉ ጊዜ ካብኡ ክሳተፉ ከለዉ ንሱ ምስኦም ከምዘሎ እሞ ኩሎም ክሳተፉ ከም ዘለዎም ተረዲኦም። ምስጢር ቅዱስ ቍርባን ክንርዳእ ምስ ኢየሱስ ክንጉዓዝ አሎና ኩሉ ዘሎና ክንከፍተሉ ይግብአና።
ድሕሪኡ ኢየሱስ ይኽወሎም። ንሳቶም ነቲ ክዕልሎም እንከሎ ቅዱሳት መጻሕፍትን ነብያትን ክገልጸሎም እንከሎ ልቦም ይነዶም ከም ዝነበረ ዝስምዖም ዝነበረ እናዘከሩ ብትሓጓስ ንኢየሩሳሌም ገጾም ይምለሱ። አብዚ ጭሪሾም አብ ልቦም ተመሊሶም ይአምኑ። አብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሱ ብጾቶም እውን ተሓጒሶም ይረኽብዎም ንስምኦንን ንኻልኦትን ከም ዝተራዮም ይገልጹሎም። ነቲ ኩሉ ዝገጠሞም ዘደንቕ ታሪኾም ይነግርዎም። “አብ ምቍራስ እንገራ ከም ዘለለይዎ” ይነግርዎም። ነዞም ክልተ አርድእቲ ክሳብ መጨረሽታ ምስኦም ተጓዒዙ። አብቲ ቀንዲ መግልጺኡ ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን ምስ አብጽሖም ተኸዊልዎም። ካብኡ ንድሓር ዘሎ ንሱ አብ ማእከሎም ስለ ዘሎ ክገልጸሎም ግድነት አይኮነን። ናታቶም ተራ ምእማን እዩ። ቃሉ ክሰምዑ ከለዉ ካብ ሥጋኡን ደሙን ክቕበሉ እንከለዉ ንሱ አብ መንግኦም አሎ።
ነዚ ወንጌል አስተውዒልና እንተ አንበብናዮ ብምልኡ መቐረት ክርስትና አብ ውሽጡ ተጸሚቍ ንረኽቦም።

እቶም አብ መገዲ ብሓንሳብ ዝጉዓዙ ብሕንሳብ ይእከቡን ንኢየሱስ ይረኽብዎን፥ እዚ ብኽልተ መገዲ ይግለጽ፥ መጀምርያ አብ ስርዓት ልጡርግያ ቃል አምላኽ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክገለጹን ክንገሩን ከለዉ። ካልአይ አብ ምስራዕ ቅዱስ ቍርባን ነቲ ኢየሱስ ምእንታና ዝገበሮ ብሕማሙን ሞቱን ትንሣኤኡን ዝገበሮ አኮቴት ናይ ሥጋኡን ደሙን ከዓርግ እንከሎ አብ መንጎ አባላት ሰውነቱ ዝኾኑ ክዕደል እንከሎ ንሓድነቶም ከጽንዑን ንተልእኮ ኢየሱስ ክቕጽሉ ንዘልኦም መብጽዓ ክቕጽሉ ክዝክሩ እንከለዉ ንኢየሱስ ይረኽብዎ።
ሎሚ እምብአር ካብ ኢየሱስ ክንሃድም ዘይኮነ ናብ ኢየሱስ ገጽና ክንምለስ፥ ካብቲ ድኹምን ውዱቕን ሕይወትና አብ መድኅና ክንምለስ እሞ አብ ሰብከተ ወንጌልን ምስክርነቱን ክንወፍር። ነዚ ጉዕዞ ትንሣኤ ንዝተንሥኤ መድኅና ምለሰና አብርሃልና ንበሎ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ልብኹም ሃቡኒ ናተይ ኩኑ እሞ ርኢኽም ክትክእሉ ኢኹም ይብለና አሎ።
ነዚ የብቅዓና ርሑስ ትንሣኤ ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.