2011-04-28 17:49:28

ዓርቢ ስቕለት 2003 ዓ.ም.


ንባባትኢሳያስ 52፡13~52፡12፥ መዝ. 31፡2~25፥ ዕብ 4፡14~16 5፡7~9፥ ዮሓ 18፡1~19፡42

ዓርቢ ስቕለት አብ እምነትና አብ ስርዓት ልጡርግያናን ፍሉቲ ዕለት እያ። መድኃኔ ዓለም ብፍጡራቱ ንሞት ተፈሪዱ አብ ዕጸ መስቀል ብጨካን ስቕለት ተንጥልቲሉ ዝሞተላ ዕለት ስለ ዝኾነት ንኹልና ፍልይቲ እያ። ፍሉይነታ ሞት አብ መስቀል ጥራሕ ዘይኮነ ሕይወት ዝህብ ሞት ስለ ዝነ፥ ንደቅ ሰብ ሓርነት እትእውጅ ስለ ዝኾነት ከምኡ ስቓይን ሞትን ዝላዓለ ፍቕሪ አምላኽ መግለጺ ኮይነን ዝቐረባሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ዓርቢ ስቅለት ንኹሉ ተልእኮ ክርስቶስ ጸሚቋ እተቕርበልና ዕለት እያ። ቤተክርስትያን ነዚ ክቡርን ቅዱስን እዋን ንአና ክጥዕመና ምእንቲ፥ ጾም አዊጃ ንሕማማትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብፍሉይ ክንዝክሮ ትደልየና ምኽንያቱ መድኃኔ ዓለም አብ መስቀል መይቱ ደቂ ሰማይ ገሩና። በዚአ ዕለት ንመድኃኒና አብ ጉዕዞ ሞት እንከሎ ንዝተጓነፎ ኩሉ ንዝክሮ ምኽንያቱ ዋጋ ድሕነትና ተረዲእና አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ምእንቲ። አብ መስቀል ሞቱ ክንርዳእ ገለ እዋን ክንሓስቦን ክንርድኦን ጊዜ ክንህቦን ይግብአና። ዓርቢ ስቕለት ትርጉም ስቓይን ሞትን መስቀልን ክንርዳእ ይሕግዘና።

ሓደ ሰብአይ አብ መሳቕል ዝሽየጠሉ ቦታ ከይዱ መስቀለይ ከቢዱን ሓርፋፍ ኮይንኒ፥ኢሉ መስቀሉ ክቕይር መጺኡ ይብሃል። አብቲ ቦታ ዕዳጋ ዝረኸቦም መሳቕል ንኹሎም ፈቲንዎም እንተኾነ ኩሉ ዝፈተኖ ዘበለ አየሓጎሶን፥ ገሊኡ ምዘይመጠን ሓጺር ገሊኡ ኸአ ብዘይመጠን ነዊሕ፥ ገሊኡ ሓርፋፍ ገሊኡ ኸአ ለማጽ፥ገሊኡ ፈኲስ ገሊኡ ከቢድ ረኺብዎ። አብ መጨረሽታ ንሓንቲ መስቀል እዚአስ ድሓን እያ ዝበላ ክወስዳ ወሲኑ፥ እቲ ብዓል ዕዳጋ ብዘይ ሕጉስ ገጽ ከምዚ እናበለ ተዛረቦ እዚአ መስቀል እያ አብዚ ዘምጽአትኒ ኢልዎ ይብሃል። ኩልና እንጾሮ መስቀል አሎና አብ ገለ እዋን መስቀልና ከቢዱና ነዕገርግር እሞ ክንቅይር ንፍትን ሽዑ ካብኡ ዝዓብን ዝኸብድን ንረክብ። መስቀል ምቕያር ፍታሕ አየምጽአልናን እዩ። ገለ ሰባት ካብ መስቀል ናብ መስቀል ክሰገገሩ ትርእዮም ኩሉ ጊዜ መስቀል ጸሮም ክጉዓዙ ትርእዮም እንተኾነ መስቀል አብ ትንሣኤ ዘየብጽሕ እንተኾነ ክሳራ እዩ። መስቀል ክርስትያን አብ ዓወት አብ ትንሣኤን ፍጹም ተሓድሶን ዘብጽሕ ክኸውን ይግባእ።

መስቀልና ከም ቡራኬ ክንርእዮ ንኽእልዶ? ዓርቢ ስቕለት ዝገልጾ በቲ መሪር ስቓይ ዝዓበየ ፍቕሪ ተገሊጹ እቲ ዝተገልጸ ፍቕሪ ንኹልና አብ ሕይወትና ተሓድሶ ሕይወት አምጺኡልና። ሓይሊ ኮይኑ አብ ጉዕዞ ሕይወት ትምክሕትና ኮይኑ። መስቀል ንሰይጣን አሸኒፉ ንሞት አብ ሕይወት ዝቐየረ ዓቢ ዓወት እዩ።

መስቀል ክትሰርሕ ክልተ እንጨይቲ እዩ ዘድሊ ሓደ ትኽ ዝበለ ዝትከል እቲ ካልአይ ከአ ንጎኒ ዝለግብ እዩ ። አብዚ ተመርኲስና ምስጢር ብዓልና ንሎምዘበን ክንርእዮ።

እቲ ንትኹል ዘሎ ክፍሊ መስቀል ፍቕሪ እግዚአብሔር ንአና ይገልጽ ማለት እግዚአብሔር አብ ፍቕሩ ካብ ሰማይ ንምድሪ ወሪዱ ንአና መሲሉ ገሊጽዎ። ወንጌል ከምዚ እናበለ ይገልጾ፡ እግዚአብሔር ንዓለም ስለ ዘፍቀራ ክሳብ ምልአኽ ንሓደ ወዱ በጽሔ። ብበትሪ ተወቒኡ ተዋሪዱ፥ አላጊጾምሉ፥ ገሪፎሞ፥ ነዚ ኹሉ ምእንቲ ፍቕርና ኢሉ ተቐቢልዎ፥ ሓጢአትና ኩሉ አብ ነፍሱ ወሲድዎ፥ ንሱ በግዕ እግዚአብሔር እንከሎ፥ ንሱ ሊቀ ካህናት እንከሎ፥ ንአና ካብ ሓጢአትን ካብ ሳዕበን ሓጢአትን ነጻ ከውጽአና ኢሉ ብገዛእ ፍቓዱ ተሳቕዩ ይብለና።

ሓደ አብ ጊዜ ጾም አስተንትኖ ዝህብ ዝነበረ ሰብ ከምዚ እናበለ ተዛሪቡ ይብሃል፥ ኢየሱስ በግዕ እግዚአብሔር እቲ ሓጢአት ዓለም አብ ርእሱ ዝወስድ አብ ዝብል አስተንትኖኡ አብዚ ማእከል ክርስትያናዊ እምነት ብዛዕባ ድሕነት ንረክብ ይብል። እዚ ዝተጠቕሰ ሰብ ከም ዝብሎ ኢየሱስ ንሓጢአት ካባና መንጢሉ ወሲዱዋ አብ ርእሱ ወሲዱ ቀይሩ ሓዲስ ኩነት ፈጢሩልና ይብል። ነዚ ከመይ ገሩ ገርዎ? አብዚ ከም አብነት ክንወስዶ እንኽእል ሓደ ሰፍነግ ወይ ፊልትሮ እንብሎ ክንወስድ ንኽእል። ፊልትሮ ንርስሓት አብ ውሽጡ ወሲዱ ነቲ ጽሩይ ይህበና፥ ብፊልትሮ ዝሓለፈ ማይ ኩሉ ጽሩይ እዩ ምኽንያቱ እቲ ርስሓት ተገሊፉ አብቲ ፊልትሮ ይተርፍ። አብዚ አብ ክንዲ አሕሊፍዎ ጥራሕ እንብል ቀይርዎ ንብል ማለት እቲ ማይ ካብ ረሳሕ ዝሩግ አብ ጽሩይ ይቕየር ዝኾነ ዘስግእ ርስሓት ወላ እውን ብዓይንና ዘይንርእዮ አጽርዩ ቀይሩ ይህበና። እዚ ኢና አብ ኢየሱስ እንርእዮ። ከምቲ ፍሊተር ዘጽርዮ ንሕይወት ብርእሳ የጽርያ። ንርእሱ ጽልኢ ወሲዱ አብ ርእሱ ይስከሞ፥ ሽዑ ነዚ ጽልኢ ይቕይሮ እሞ ፍቕሪ ይህብ፥ ንፍርሒ ወሲዱ ይቕይሮ አብ ርእሱ ወሲዱ አብ አምሰያኡ ነጻነት ይህብ። ንቅንኢ አብ ርእሱ ወሲዱ ይቕይሮ እሞ ከም ብዘሎና ተመስገን ከም እንብል ይገብረና። ንሰይጣን ንቅትለትን ወሲዱ ደው አቢሉ አብ ክንድኡ ናይ አምላኽ ሕድገት የምጽእ።

ኢየሱስ ነዚ ክገብር እንከሎ ዝምጉሶ ዘይኮነ ንአኡ ክመስሉ ዝጽዕሩ እዩ ዝደሊ፥ ንሱ ዘድነቑ ወይ ዝግረሙ አርድእቲ አይኮነን ዝደሊ። አብ ገተሰማኒን ዝገበሮ ንነፍሲ ወከፍና ፍሉይ መጸዋዕታ አልኦ አብኡ ንኹሉ ጽልኢ ሕርቃን ንኹሉ ክነታት ክቕይሮ ንርእዮ። እዚ እዩ እቲ ፍቕሪ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ብኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተቐበሎ ስቓይ ዝተገልጸልና።

ማርያም ዝበለጸት አብነት ናይ አብ ጊዜ ስቓይ አብ ጽኑዕን እሙንን ፍቕሪ ምጽናዕ እያ። ንሳ አብ እግሪ መስቀል ደው ኢላ ተስፋ ከይቆረጸት፥ ነቶም ንንጹሕ ወዳ ዝሰቕሉ ዝነበሩ ክትርብሾም አይተራእየትን እንታይ ድአ ደው ኢላ አብ ውሽጣ ትርእዮ ነራ ንኹሉ አብ ልባ ሒዛ ተስተንትኖ ነራ፥ ትአምንን ትቕበሎን ነራ፥ እግዚአብሔር ነዚ ናይ ጭካኔ ድራማ አብ ዝጸበቐ ነገር ከም ዝቕይሮ ትአምን ነራ፥ እግዚአብሔር ነዚ ከምዝገብረ ንፈልጥ ኢና። ንዕሽነት ሰባት አብ መጋበሪ ድሕነት ገርዎ። ጌተሰማኒንን መስቀልን ከም ማርያም ክንከውን እሞ ንክፉእ አብ ጽቡቕን ተስፋን ሕድገትን ቀይርና ክንክእል ይዕድመና።

እዚ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ መሰረትን ምንጭን ናይ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን እዩ። ስቕያቱ ምንጪ ዘለአለማዊ ድሕነትና እዩ። አብ መስቀል ሰውነቱ ተሰሩ፥ አብ መስቀል ደሙ ምእንታና ፈሲሱ፥ እዚ ንአና መግቢ ሕይወትን ናይ ሓዲስ ወይኒ ናይ ድሕነት መንጪ አብ ቅዱስ ቍርባን ኮይንና። እቲ ካብ ጎኑ ዝወጸ ማይ ምንጪ ጥምቀትና ኮይኑ አብ መንግስቱን አብ ሓዲስ ሕይወትን መገዲ ጸሪጉልና።

አብ እግሪ መስቀል ኮና ክነስተንትን እንተኸአልና ዝመጸና ንብዓት እዩ። አብኡ ብሓቂ ክንርኢ እንተኸአልና ብዝያዳ ንክርስቶስ ክነፍቅር ኢና ብዝያዳ ሕይወትና ክንቅይር ኢና። ብዙሓት ነዚ ክርእዩ ዝኸእሉ ሕይወቶም ቀይሮም አብ አገልግሎትን ጸዋዕትኦም አብ ክህነትን ምንኩስናን መብጽዓን ክአትዉ ክኢሎም። እቲ ምስጢር ንመስቀልን ሞትን ኢየሱስ ርኢኻ ምኽአል እዩ፥ ንአኡ ክንርኢ እንተ ኽኢልና ፍቕሩ እዩ ዝሓድረና ክንክቅየር ይዕድመና አብ ርእስና ክንአቱ ይሕግዘና እሞ አብኡ ከም እንቐርብ ይገብረና።

እቲ ንጎኒ ዝኸይድ ክፍሊ መስቀል መጸዋዕታ አምላኽ አብ ነነድሕድና ክንገብሮ ዘሎና ፍቕሪ ይገልጸልና። ነዚ ፍቕሪ አምላኽ መልሲ ክንህብ ከሎና ንመስቀል ክርስቶስ ምልአት ንህቦ። አብዚ ክፍሊ መስቀል ክልተ አእዳው አብኡ ተሸንኪረን ንረኽበን እዚ ኸአ ብኽልተ መገዲ አብ ነነድሕድና ክግንገብሮ ዘሎና ፍቕሪ ይገልጽ።

፩ ~ ርክብ ብምግባር፡ ንአምላኽ ልዕሊ ኹሉ ዘጕህዮ ሕውነትና ተፈላልዩ ክርኢ እንከሎ እዩ። ኩልና አብ ነነድሕድና ክንፋቐር ክንመሓሓር ክንተሓሓቋቖፍ ከሎና ክንደይ ሰናይ እዩ። ነዚ ዘይንገብር እንተኾና እምነትና ኮንቱ እዩ። አብ ነነድሕድና ከም አኽላባት እና ተባላዕና ንነብር እንተኾና ከመይ ገርና ንአምላኽ አፍቅሮ ክንብል ንኽእል አብ መንጎና ብሕማቕ እናተረአኤና፥ አብ ነነድሕድና ክንበላለጽ እና ደለና፥ አብ ነነድሕድና እናተሓማመና፥ ነነድሕድና እና አዋረድና፥ እናተሓማመና፥ እናተጠራጠርና፥ ገጹ ገጻ ክርኢ አይደልን እናበልና፥ ከመይ ገርና አምላኽ ምሳና ክኸውን ንደሊ፥ ነፍቅሮ ኢና ንብል። እምነትና አይንፈልጦን እንዲና፥ ንሓደ ካብዞም ንኡሳን ዝገበርናዮ ንኢየሱስ ከም ዝገበርናዮ አይንፈልጥን እንዲና። እዚ አብ መስቀል ዝተዘርግሔ አእዳው ኢየሱስ ርክብና እዩ፥አብ መንጎና ዘሎ ርክብ መለክዒኡ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። እዚ እዩ ትርጉም ናይ እታ ሓንቲ ኢዱ አብ መስቀል ዝተሸንከረት።

፪ ~ እታ ኻልአይቲ ኢድ አብ መስቀል አገልግሎት እያ። መልእኽቲ አምላኽ ካብ መስቀል እንረኽቦ አብ ነነድሕድና ክህልወና ዝግብኦ አገልግሎት አድሕድ እዩ። ኢየሱስ ብንጹር ነጊሩ እዩ ዝኾነ ሰብ ክስዕበኒ ክኽተለለኒ ዝደሊ መስቀሉ ይሰከም ደድሕረይ ከአ ይስዓብ ኢሉና። ምእንቲ ካልኦት ኢልካ ንርእስኻ አሕሊፍካ ምሃብ ቀሊል አይኮነን እንቲኾነ ንሱ እዩ እቲ መስቀል። ኢየሱስ አብ መስቀል ብምማቱ ንኹሉ አርእዩና። ንኢየሱስ ክንክተል እንተኾና ነቲ አብ ምምላኽ አብ ምልዓል ርእስና ክብሪ ርእስና ጥራሕ ዝደፍአና ገዲፍና አብ አገልግሎት አድሕድ ክነተኹር፥ ከምቲ ትማሊ አብ ጸሎተ ሓሙስ ዝገበርናዮ አእጋር ነፍሲ ወከፍና ዕለት ዕለት ክንሓጽብ።

እንደገና ማርያም አደና አብዚ እውን አብነትና እያ። እምነታ አብ አምላኽ፥ ወላ እውን ንሳ ነፍሰ ጾር ትንበር እምበር ንጓል ሓትንአ ኤልሳቤጥ አብቲ ሓገዝ አብ እትደልየሉ ጊዜ ክትሕግዛ ብምኻዳ። ንግብጺ ምስዳዳ፥ ብዛዕባ እቶም አብ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረ መርዓ ንጸገሞም ምርአያ፥ ንዮሴፍን ኢየሱስን ብተወፋይነት ምግልጋላ፥ድሕሪ ሞት ወዳ ነታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ዝነበራ ሓልዮት፥ እዚ ኹሉ ናይ ሓደ/ሓንቲ አብ ሕይወቶም ትርጉምን መልእኽቲ መስቀል ዝነብሩ ዝነበሩ ዝገልጽ እዩ። በዚ ኸአ ንሱ ዝበለና ክንገብር ዝጽውዓና እዩ።

አብዚ እዋን ንመልእኽቲ መስቀል ክነብሮ ዝተሓዋወሰ ወይ ዘይብሩህ ኮይኑ ይርአየና። አብ መንጎ ጸቡቕ እገብር አሎኹ እናበልና መልእኽቲ መስቀል ከይጠፍአና ክንጥንቀቕ አሎና። አብ ገለ እዋን ንኻልኦት እናሓገዝና ንርእስና ዘንጊዕና ካብ መገዲ አምላኽ ወጺእና እንነብር ክንከውን ንኽእል ኢና። አገልግሎትና ካብ ፍቕሪ ዘይኮነ አብ ጥቕሚ ርእስና ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ ናይ ብሓቂ ክጎድአና ይኽእል እዩ። ክነፍቅር ከሎና ጥዑይን አብ ጥቕሚ ነፍስናን ዘተኮረ ዘይ ኮነ ፍቕሪ ክንምሃር ይግብአና። ስቕለት ኢየሱስ ነዚ እዩ ዘስተምህረና።

አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ነዚ ድላይ ክርስቶስ ዝነብርዎ ብዙሕ ነሮም አለዉ እውን። ኩሎም ቅዱሳን እንብሎም በዚ ጉዕዞ ዝሰገሩ እዮም። አብ ዘመና ከም ብዓል እኖ ተረዛ ብዓልቲ ካልካታ አብ መንጎ ድኻታት ብትሕትና እናን ነበረት ነቶም እተግልግሎም ዝነበረት ክብሪ ሰብ እናሃበት ተገልግል ነራ። ንሳ ወላ እኳ ኖቤል ፕራይስ ትሸለም እምበር ክብሪ ዓለምን ክብሪ ርእሳን የገድሳ አይነበረን። ኩሉ እትረኽቦ ዝነበረት ንድኻታት ትህቦ ነራ። ንአአ ዘይተወልዱ ሕፃናት ድኻታት አብ አፍደገ ሞት ዝነበሩ ድኻታት ይግድስዋ ነሮም። ነገስታት መራሕቲ ሃገራት የኽብርዋን ይሰግዱላን ነሮም፥ እዚ ኹሉ እናረኸበት ሓንቲ አይነበራን። ብሓቂ ንሳ ምስጢር መስቀል ትነብሮ ነራ እዚ ኸአ ብምሉእ ሰላምን ሓጎስን እዩ። በቲ እትነብሮ ዝነበረ ንብዙሓት አብቲ አገልግሎት ስሒባ።

ሎሚ ነዚ ክቡር ዕለት ድሕነትና ክንዝክር ከሎና ነቲ አምላኽ ዝገለጸልና ፍቕሪ ርኢና ክንክእል እሞ አብ መንጎና ብዘሎ ፍቕሪ ንዘሎና ፍቕሪ አምላክ ክንገልጽ ምእንቲ ንጸሊ። ኦ ኢየሱስ ጎይታይ መስቀለይ ከለሊ እሞ ጸረ ክኽእሎ ሓግዘኒ፥ መስቀለይ ከይ ቅይር እንታይ ድአ ንመስቀለይ አብ ጎደና ትንሥኤ ዘምርሐ ክገብሮ ሓግዘኒ። ኦማርያም አደይ ትርጉም መስቀል ብፍሉይ ዝተረድአኪ ጉዕዞ ቀራንዮ ክተሓሓዞ እሞ ምስ ወድኺ ካብ ሓጢአተይ ካብ ኩሉ ክፍአተይ ክስቀል ሓግዝኒ ንበላ።

አብዚ ቅዱስ እዋን ፍረ መስቀል ዝኾነ ሰላም ሕድገት ለቢስና አብ ብሩህ ትንሣኤ ከብጽሓና እና ጸለኹ ንኹልኹም አብ ቅዱስ ሕማማት አሳቲፉ ተኻፈልቲ ትንሣኤኡ ክገብረኩም ብልቢ እምነየልኩም።

ስያትል ዓርቢ ስቕለት 2003 ዓ.ም.

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ










All the contents on this site are copyrighted ©.