2011-04-26 12:17:53

ኣስተምህሮ ር.ሊ.ጳ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት (25.04.2011)


ጐይታ ብሓቂ ካብ ሞት ተንሢኡ ኢዩ፤ ሃሌ ሉያ

ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኩነት ደቂ ሰባት ተሓድሶ የመልክት። ክርስቶስ ነቲ ብምኽንያት ኃጢኣትና ዝሰዓበ ሞት ስዒሩ፤ ዘይትመውት ሕይወት ከኣ ለጊሱልና፡ ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ጠቅላላ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ኩሎም ክርስትያንን ይምንጩ፤ ሎሚ በዓለ መልኣክ ብምዃኑ ናይታ ውልዶ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ኣብ ግብረ ሐዋርያት 2፡31 ብ ኣፍ ጴጥሮስ ‘ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ሥጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና።
 ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ።’ እንክብል ይገልጾ። ሓደ ካብቲ ጭብጥን ምስክርነትን ትንሣኤ ክርስቶስ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ኣብ ግዜ ፋሲካ ሰላም ክበሃሃሉ እንከለው ካብቲ ጥንታዊ ምልጣን ትንሣኤ ብምውሳድ ዘውስእዎ ዝነበሩ ኢዩ፤ እዚ ከኣ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ኢዩ፤ እወ ብሓቂ ተንሢኡ ኢዩ፤ እናበሉ ሰላምታ ይለዋወጡ ነሮም። እዚ ሰላምታ እዚ እምነትካ እትገልጸሉን ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎሽ 28፤9 እነንብቦ ነተን ኣንስቲ ኢየሱስ ምስ ረኸበን ‘ሰላም ን ኣኻትኩም ይኹን’ ምስ በለን ንሰን ናባኡ ቀሪበን ኣብ እግሩ ብምውዳቅ ክብሪ ዝሃባኦ ግቡእ ክርስትያን ዝገልጽ ኢዩ፤ ብድሕርዚ ኢየሱስ ‘ኣይትፍርሃ፤ ናብ ኣሕዋተይ ከድክን ንገሊላ ክሓልፉ ኣበስራኦም፤ ኣብ ገሊላ ክር እዩኒ ኢዮም’ በለን። ነዚ ፍጻሜ እዚ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1975 ኣብ ዝጸሓፍዎ ‘ኢቫንጀሊ ኑንስያንዲ’ ዘርእስቱ ሐዋርያዊ ምዕዳን ‘በዚ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃላት ኩላ ቤተክርስትያን ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ትቅበል፤ ተግባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከኣ ነቲ ሓባራዊ ተል እኮ ኣድላዪ ኢዩ’ ብማለት ይገልጽዎ።
‘ንጐይታ በየናይ መንገዲ ክንረኽቦ ንኽ እል፤ በየናይ ኣገባብከ ሐቀኛ መሰኻኽሩ ክንከውን ንኽእል፤ ማሲሞ በዓል ቶሪኖ ኣብ ስብከቱ ‘ንመድኃኔ ዓለም ክረክብ ዝደሊ ኩሉ ብቀዳምነት ብእምነቱ ንኢየሱስ ኣብ የማን እቲ መለኮታዊ እግዚኣብሔር ኣብ ብምቅማጥ ልቡ ኣብ ሰማያት ከንብር ኣለዎ’ ይብለና። እዚ ማለት ኅልናኡን ልቡን ብቀጻሊ ኣብቲ እግዚአብሔር ኣብ ዘለዎ ሰማያት ማለት ኣብቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝርከቦ ከንብር ኣለዎ፤ ኣብ ጸሎት ኣብ ስግደትን ኣምልኾን እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ይረኽቦም። ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ ሊቅ ሮማኖ ጓርዲኒ ብዛዕባ እዚ ‘ኣምልኾን ስግደትን ማንም ተወሳኺ ተግባር ኣይኮነን፤ ብዛዕባ ፍጻሜ ብዛዕባ ትርጉም ሕይወትን ህልውናን ኢዩ፤ ኣብ ኣምልኾን ስግደትን ወዲ ሰብ ነቲ ንጹሕን ገርሀይናን ቅዱስን ዝኾነ ነገር ይረክብ’ ብማለት ይገልጾ። ናብ እግዚአብሔር እንተተመለስናን እንተለመናዮን ጥራሕ ኢና ዓሚቁ ትርጉም ሕይወትና እንረኽቦ፤ በዚ ከኣ ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ብብርሃን ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ጐይታ ይበርህ።

ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ፤ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ኩላ ምሥራቃዊትን ም ዕራባዊትን በዓለ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ዘኪራ ትውዕል ኣላ። ኣብ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝንገር ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ሊቅ ኣብሳሪ ቃለ እግዚኣብሔርን ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ጸሓፍን ኢዩ። እግዚኣብሔር እንተፈቂድዎ ንዝመጽ እ ወርሒ ግንቦት ዕለት 7 ን 8 ን ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክገብር መዲበዮ ናይ ዘሎኾ ከተማ ቨንስያ ታቦት እውን ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ኢዩ።

ሕጂ እምበኣር ነቲ ካብ ሙታን ዝተሠኤ ጐይታ ንነፍስወከፍና ሐደራ ንዝሃበና ተልእኮ ብተኣማንነትን ብታሕጓስን
ንምፍጻም ክትሕግዘና ንድንግል ማርያም ንለምን፤







All the contents on this site are copyrighted ©.