2011-04-26 17:17:36

መልእኽቲ ትንሣኤ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን


በዓለ ትንሣኤ ፳፻፫/2011





“ወባሕቱ አእምሩ ኵልክሙ ከመ እለ ተጠመቅነ በእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ውስተ ሞቱ ተጠመቅነ፤ ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ፤ በከመ ውእቱ ክርስቶስ ትነሥአ እሙታን በስብሓተ አቡሁ፤ ከማሁ ንሕነኒ ናንሶሱ ውስተ ሓዳስ ሕይወት፤ ወእመሰ ተመሰልናሁ በሞቱ ንትሜሰሎ በሕይወቱሂ”
ኵላትና ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠምቅና ዘበልና አብ ሞቱ ተጠምቅና፤ ምሳኡ ብሞቱ አብ ጥምቅት ከም እተቀበርና ንፍለጥ፤ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ አቦኡ ካብ ሙታን ዝተንሥኤ፤ ከምኡ ከአ ንሕና ብሓድስ ሕይወት ምእንቲ ክንመላለስ ኢዩ፤ብሞቱ ካብ

መሰልናዮ ብሕይወቱ እውን ንምሰሎ፤ ሮሜ 3፡3-12

 ምጥማቅ ማለት አብ ኩሉ ምስ ክርስቶስ ምሕባር ማለት እዩ፤ እዚ ከአ አብ ሞቱ እውን ምስታፍ ማለት እዩ፤ እዚ ከአ ሞት ክርስቶስ ክውን ምዃኑ የረድእ፤እዚ ከአ ናብቲ ዝስዕብ ትንሣኤኡ የምርሓና፤ እዚ ከአ እቲ ሓድሽ ሕይወት ብክርስቶስ ዝመጽአና ንምርአይ እዩ፤

ስለዚ ንሓጢአት ሙማት ነቲ ዝመጽእ ሓድሽ ሕይወት ቅድመ ኩነት ምዃኑ የረድእና፤ስለዚ አብ ክርስቶስ ብምጥማቅ አብ ሞቱ ንሓብር፤ ብሞቱ ከአ ናብ ትንሣኤኡ ንሳታፍ፤ በዚ “ትንሣኤ እቲ እንኮ ፈውሲ ሞት” 

ኣብ መጽ “ሕይወት ኣዳምን ሔዋን” ዝብል እዚ ዝስዕብ ልቢ ወለድ ንረክብ።

->ኣዳም ኣብ መጨረሻ ሕማሙ ንወዱ ሴት ምስ ኣዲኡ ሔዋን ነታ ዘይቲ ምሕረት ከምጽኣሉ

ናብ ገነት ለኣኾም፡ ብኣኡ ክልከ’ሞ ኪሓዊ ማለት እዩ

-> ክልቲኣቶም ከኣ ነታ “ናይ ሕይወት ኦም” ክደልዩ ከዱ፣ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ምብካይን ከኣ ሚካኤል መልኣኽ ተራእዮም ነታ ዘይቲ ምሕረት ክረኽብዋ ከም ዘይክእሉ፣ ኣዳም ከኣ ኪመውት ከምዘለዎ ነገሮም።

-> ዳሕረዎት ክርስትያን ደረስቲ፣ ኣብቲ ናይ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ዘረባ ናይ ምጽንናዕ ቃላት ወሰዅሉ፣ እዚ ከኣ ድሕሪ 5500 ዓመት እቲ ፈቃር ንጉሥ ክርስቶስ ኪወጽእ እዩ፣ ንሱ ነቶም ኩሎም ብኣኡ ዝኣምኑ ብዘይቲ ምሕረት ኪቀብኦም እዩ፣ ዘይቲ ምሕረት ከኣ ነቶም ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዝተወልደ ንዘለዓለም ኪወሃብ እዩ። ሻቡ ወልደ እግዚኣብሔር፣ ክርስቶስ ብፍቅሪ መሊኡ ኣብ መዓሙቍ ምድሪ ብምውራድ፣ ነቦኻ ናብታ ናይ ምሕረት ገረብ ናብ ገነት ኪመርሖ እዩ፣ ዝብል ወሰዅሉ።

-> እዚ ብሂል እዚ፣ ነቲ ደቂ ሰባት ኣብ ርእስና ናይ - ሕማም፣ - ሥቃይ፣ - ሞት ምዕራፍ ተፈሪዱና ንዘሎ ናይ ደቂ ሰባት ሓዘን የጋልጽ።

-> ሰብ ሞት ከምዝጸልእ ንጹር ይገብሮ፣ ሰባት ብገለ መንገዲ ፈውሲ ሞት ክህሉ ብቀጻሊ ይሐስቡ፣ ቀልጢፉ ወይ ደንጉዩ፣ ነዝን ነትን ሕማም ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብዓቢኡ ንሞት ፈውሲ ክርከበሉ እዩ ብሃልቲ እዮም። ብርግጽ ናይ ዘይሙማት ፈውሲ ክህሉ ኣለዎ።

-> ሎሚ’ውን እንተኾነ ምንጪ ፈውሲ ምድላይ ይቅጸል’ሎ፣ ዘመናዊ ሳይንስ ወላ’ኳ ምኖት ኬወግን እንተዘይከኣለ እንተወሐደ ሓደ ጥንቅታት ብዝተኻእለ መጠን ንምእላይን ሕይወት ክሳብ ዝከኣል ንምንውሓን ይጽዕር ኣሎ።

-> እስከ ሓንሳብ ነስተንትን፣ ንበሎ ደቂሰብ፣ ንሞት ጨሪሶም እኳ እንተዘይኣለይዎ፣ ንዘይተወሰነ ጊዜ ከመሓላልፍዋ እንተ ዝኽእሉ፣ እንታይ ምመሰለ? እዚ ማለት ብምእትታት ዝቁጸር ዓመታት ክንነብር እንተ ንኽእል? እዝስ ጽቡቅ ነገር’ዶ ምኾነ?

-> እዚ እንተ ዝኸውን ሰብኣውነት ኣዚዩ ኣረጊት ምኾነ፣ ንመንእሰያት ከኣ ቦታ ኣይምሃለወን፣ - ዓቅሚ ምብልሓት ምሞተ መጨረሽታ ዘይብሉ ሕይወት ከኣ መንግስተ ሰማይ ኣይምኾነን፣ (እንታይ ደኣ ኩነነ ምበዝሐ)

-> እምበኣር ሓቀኛ ፈውሲ ሞት ካልእ ክኸወን ኣለዎ፣ ነዚ ምድራዊ ሕይወት ናብ ዘይተወሰነ ግዜ ምምጣጥ ጥራሕ ኣይምኾነን ንሕይወትና ካብ ውሽጢ ዝልውጥ ምኾነ። ኣብ ውሽጥና ንዘልዓለምነት ግጡም ዝኾነ ሓድሽ ሕይወት ዝፈጥር ምኾነ እምበር ናብ ሞት ዝመርሕ ኣይምኾነን።

-> ኣብ መልእኽቲ ክርስትና ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ሓድሽ ዝኾነ ነገር ግና

- ፈውሲ ሞት ኣሎ

- እቲ ሓቀኛ ፈውሲ ናይ ዘይሙማት ኣሎ ዝብል እዩ። ፈውሲ ሞት ተረኺቡ እዩ።

-> ኣብ ጥምቀት እዚ መድኃኒት’ዚ ተዋሂቡና እዩ፣ ሓድሽ ሕይወት ኣብ እምነት ዝበስል ኣባና ይጅምር፣ እዚ ሓድሽ ሕይወት እዚ በቲ ናይ ኣረጊት ሕይውት ሞት ዘይጠፍእ እዩ። የግዲ ድሕሪ ሞት ሻቡን ብምልኣትን ይግለጽ።

-> ብርግጽ ናብዚ ሓሳብ ገለ ወይን ብዙሓት ብርግጽ ነቲ መልእኽቲ እሰምዖ ኣለኹ፣ የግዳ እምነት ይጎድለኒ እቶም ከኣምኑ ዝደልዩ እውን ሓቂ ከምኡ ድዩ? ከመይ ገርና ናብ ርእስና ክንስእሎ ንኽእል? እዚ ናይ ኣረጊት ሕይወት ምሕዳስ እሞ ከኣ ነቲ ሞት ዘይብሉ ሓድሽ ሕይወት ንምሃብ ብኸመይ ይኸውን እናበሉ ይሓቱ።

-> ሓደ ጥንታዊ ጽሑፍ ኣይሁድ፣ እዚ ምስጢራዊ ለውጢ ብጥምቀት ኣባና ምስ ዝፍጸም ክንሓስብ ዘኽእለና ኣሎ፣ ኣብ መጽሓፍ ሄኖክ - ሄኖክ ናብ ዙፋን ኣምላኽ ተወስደ ናብ ቅድሚቲ ሰመያዊ ክብሪ ብፍርሓት ተዋሕጠ፣ ብሰብኣዊ ድኻምነቱ ከኣ ገጽ ኣምላኽ ከስተንትን ኣይከኣለን፣ ሻቡ ኣምላኽ ንሚካኤል መልኣኽ “ንሄኖክ ውሉደ ምድራዊ ክዳኑ እለየሉ፣ በቲ ጥዑም ቅብኢ ቅብኣዮ ብናይ ክብሪ ክዳን ከኣ ክደኖ፣ በሎ። ሚካኤል ወሰደ ምድራዊ እዩ፣ ንርእሰይ ምስ ጠመትኩ ከምቶም ናይ ክብሪ ፍጡራት ኮይነ ረኸብኩዋ” በል።

-> ብርግጽ እዚ ሓድሽ ልብሰ እግዚኣብሔር ኣብ ጥምቀት ዝኸውን ምዃና እምነት ክርስትና ይነግረና። እዚ ምልዋጥ ክዳን ንምሉእ ሕይወት ዝኸውን እዩ። እቲ ኣብ ጥምቀት ዝኸውን ናይቲ መስርሕ ፈላሚ እዩ። እዚ ንዘለዓለም ግቡኣት ይገብረና።

- ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሰ ብርሃን ለቢስና ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ክንቀርብ ንኽእል

ምሳኡ ከኣ ንዘለዓለም ንነብር

- እዚ ነገራት ኣብ ስርዓተ ጥምቀት ኣብ ክልተ ግዜ ተገሊጹ ንረኽቦ እዚ ከኣ ንምሉእ

ሕይወትና ክንስዕቦ እነኣትዎ ፈጽሚ እዩ።

1. ክሕደት - ኣብ ጥንታዊት ቤተክርስትያን (ሕጂ ውን ኣብ ስርዓትና) ተጠማቂ ንምዕራብ (ምልክት ጸልማት ዕርበት መግዛእቲ ሓጥያት ሳዕበኑ ከኣ ሞት) ጠሚቱ ሰለስተ ግዜ ንሰይጣን እኽሕድ ይብል፣ በቲ “እኽሕድ” ዝብል ነቲ ንሰብ ኣብ ኣምላኽ

- ሥልጣን

- ህርፋን ዓለም

- ሓሶት

- ጭካነ ዘግዝኤ ነገራት

ካብኡ ነጻ ናይ ምዃን እዩ፣ እቲ ሕይወት ተመሲሉ ንሕይወት ዘዕኑ፣ እዚ ምናኔ እዚ ሎሚ ኣብ ጥምቀት ይፍጸም።

ነዚ ንምምልካት “ነቲ ኣረጊት ልብሲ” ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንለብሶ ዘይንኽእል ነውጽኦ በዚ ክሕደት እዚ ነኣልዮ።

2. ተእምኖ “ እኣምን” ዝብል ኣዋጅ እዩ፣ እቲ ክሕደት ንክርስቶስ ኢድና ንህብ ኣሎና ማለት እዩ በዚ ከኣ ንሱ ክመርሓናን ዳግም ከልብሰናን ምእንቲ እዩ፣

- እቲ “ዘውጻእናዮ ክዳን” እቲ እተኣመናዮ እምነትን ኣብ ገለትያ 5፣19 ጳውሎስ “ምግባሩ

ለሥጋ ተግባራት ሥጋ” ቢልዎ ዘሎ እዩ፣ እዚ እዩ “እቲ ኣረጊት ልብሲ” ንሱ ከኣ፣

ምንዝርና፣ ርኽሰት፣ ዕብዳን፣ ኣምልኾ ጣዖት፣ ጥንቆላ፣ ጽልኢ፣ ባእሲ፣ ቅንኢ፣ ቍጥዓ፣

ሻራ፣ ምፍልላይ፣ ዝርግርግ፣ ቅንኣት፣ ቅትለት ስኽራን፣ ጓይላ…ንኣኡ ዝኣመሰለን…

እቲ እነውጽኦ ክዳን እዚ’ዩ።

-> ድሕር’ዚ እቲ ዝጥመቅ ንምሥራቅ ይጥምት፣ - ምልክት ክርስቶስ - ብርሃን፣ - ናይ ሓዳስ ፀሓይ ብራቅ እቲ ተጠማቂ ናይ ሕይወቱ ሓድሽ ኣንፈት ይሕዝ፣ እዚ ከኣ እምነት ኣብ ቅድስት ሥላሴ ንርእሱ ናባኦም የማዕቍብ

- ብ1ዱ ኣምላክ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ኣኃዜኵሉ

- ብዋሕድ ወልዱ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚእነ

- ወመንፈስ ቅዱስ ማሕየዊ

- ወበትንሣኤ ሥጋ

- ወበኣሓቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እንተላዕለኵሉ እንተ ሓዋርያት

- ወነኣምን ብኣሓቲ ጥምቀት በስርየተ ኃጢኣት ወበሕይወተ ዘለዓለም፣

ስለዚ ኣምላኽ እዩ ነቲ ሓዲሽ ናይ ብርሃን ክዳን ዝኸድነና፣ ንሱ ኸኣ ልብሰ ሕይወት፣ ክዳን ሕይወት፣ ጳው ነዚ ሓድሽ ክዳን ፍረ መ/ቅዱስ ይብሎ፣ ንሱ ከኣ - ፍቅሪ - ሓጐስ - ሰላም=ዕርቂ - ትዕግሥቲ - ሕያውነት - ለውሃት - እምነት - ህድኣት - ይኣኽለኒ ምባል እዩ፣ (ገላ 5፣ 22) ሻቡ እቲ ተጠማቂ ኣረጊት ክዳውንቱ ኣውጺኡ፣ ናብ ማይ 3ተ ጊዜ ይጥሕል ኣምሳል ሞት (ብምውጻ ክዳን ምልዋጥ ክዳን ዝምልከት)

-> እቲ ቀዳማይ ሕይወቱ ሞት ምስ ሞት ክርስቶስ የራኽቦ፣ ባዕሉን ምስ ክርስቶስ ኣብቲ ሓድሽ ሕይወት ይጥሕል፣ በዚ ኸኣ ናብ ዘለዓለማውነት ይልውጦ፣ ዘይመዋቲ ይኸውን።

-> ካብ ማይ ምስ ወጽኤ እቲ ሓድሽ ውሉድ፣ ጻዕዳ ክዳን፣ ልብሰ ብርሃን እግዚኣብሔር ልብሲ ብርሃን ኣምላኽ ይኽድን፣ ዝበርሀ ቀንዴል ከኣ ነታ ብኣምላኽ ዝበርሀት ናይ ሓድሽ ሕይወት ምልክት ይቅበል። ኣብዚ ሁመት’ዚ ናይ ዘይሙማት መድኃኒት ይቅበሉ፣ እዚ ከኣ ኣብታ ቅ.ቍርባን ዝቅበሉላ ጊዜ ብምልኣት ክውን ትኸውን።

-> ኣብዚ ምሥጢር’ዚ ናይቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ሥጋ ኢና ንቅበል፣ ብርግጽ ንሱ እቲ ንሞት ዝሰዓረ ብሞት ኣቢሉ ከኣ ናብ ዘለዓለም ሕይወት ዝመርሐና ክርስቶስ’ዩ።

-> እምበር ጥምቀት ተራ ምሕጻብ ኣይኮነን፣ ናይ ሓድሽ ማሕበር ዘእትወና ምሥጢራዊ ፈልሚ እዩ። ሞትን ትንሣኤን እዮም ናብ ሓድሽ ሕይወት ዝወልዱና። ብርግጽ ፈውሲ ሞት ኣሎ፣ ክርስቶስ ናይ ሕይወት ገረብ ንሕና ክንረኽቦ እንኽእል እዩ።

-> ስለዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ትንሣኤ ብኹሉ ልብና ነቲ ብዙሕ ቃላት ዘይድለዮ ናይ ታሕጓስ መዝሙር “ሃሌ ሉያ” እትብል ክንዝምር ኢና። ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ “ብጐይታ ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለዅ (4፣4)

በዚ በዓለ ትንሣኤ ንሕና’ውን ብጐይታ ንሕጐስ ኣሎና፣ ንሞት ዝሰዓረ፣ ሥዒሮ ሞተ፣ ሓይወ፣ ንሞት ሥዒሩ ሕያው ኮይኑ እሞ ፈውሲ ሞት ንሱ እዩ፣ በዚ ከኣ ምስ ጳው “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ሓይልኻ…” እናበልና ብክርስቶስ ሓድሽ ሕይወት ዝረኸብና ነመስግኖ፣ ንንበሮ ከኣ።

ርሑስ በዓል 








All the contents on this site are copyrighted ©.