2011-04-21 16:34:36

መልእኽቲ ትንሣኤ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ


RealAudioMP3 ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ

በዓለ ትንሣኤ 19 ሚያዝያ 2009 11 ሚያዝያ 2001

ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ስድራቤት እግዚኣብሔር



እንሆ ሎምዘመን እውን ናብቲ ምሥጢረ ድኅነትና ዝተፈጸመሉ ኣዝዩ ክቡር ግዜ እንቋዕ ብድኃነ ሰላም ኣብጽሓና፣ እዚ ግዜ ሰሙነ ሕማማትን ትንሣኤን ናይ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ኣዕሚቝና እነስተንትነሉን ምሕረት ኣምላኽና እነስተማቕረሉን ግዜ እዩ፣ እግዚኣብሔር ዝሃቦ እዩ ነዚ ዝረኽቦ እሞ ኃቢርና ንኣምላኽና ነመስግን፣



ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙን ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ጾመ ኣርብዓ። ብጸሎትን። ጾምን። ምጽዋትን ተሓጊዝና፤ናብ ልብና ምልስ ኢልና፦ ምስ እግዚኣብሔርን። ምስ ርእስናን ምስ ኣኅዋትናን/ኣኃትናን ብዛዕባ ዘሎና ርክብ ከነስተንትን ኣሕሊፍናዮ ኣሎና፣ ኃጢኣት ማለት። ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ብፍቓድካ ምፍራስ ማለት እዩ፣ ስለዚ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንEግዚኣብሔር ኣኅዚንናዮ። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንርእስና ወይ ንብጻይና ጐዲእና እንተኾይንና ከኣ ተነሲሕና ርክብና ከነስተኻኽል ንጽዋዕ ኣሎና፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብስቅያቱን። ሞቱን ትንሣኤኡን ምስ ኣምላኽና ከተዓርቐና። ንቍስልና ከሕውየልና። ነቲ ከሊሉና ዘሎ ጸልማት ክቕንጥጠልና እዩ፣ ሓደ ካብቲ ዝውቱር ኣብ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እንጥቀመሉ መንፈሳዊ ተግባር ፍኖተ መስቀል እዩ፣ ኣብኡ ወልደ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከድኅነና ክንደይ ስቓይን ውርደትን ከምዝተቐበለ። ክሳዕ ሞት’ውን ከምዝበጽሐ ነስተንትን፣ ብሓቂ ከኣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፦ ኣረ እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ” (ፊል 2።8)፣ እዚ ኵሉ ኣብ ምንቲ ምንታይ? ንዝብል ሕቶ ከኣ መጽሓፈ ቅዳሴና ነዚ ዝስዕብ መልሲ ይህበና። “ሞተ ዘኢይመውት። ሞተ ከመ ይስዓሮ ለሞት። ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን በከመ ኣሰፈዎሙ ለኣበው በቃለ ኪዳን”፦ እቲ ዘይመውት ሞተ። ንሞት ምእንቲ ኪስዕር ሞተ ከምቲ ንኣቦታትና ብናይ ኪዳኑ ቃል ዘተስፈዎም ንምውታን ምእንቲ ኬተንስዖም ሞተ (ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም)፣ ብርግጽ ክርስቶስ ንኣና ብኃጢኣትና ምኽንያት ንዝሞትና ሕይወት ምእንቲ ኪህብ እዩ ዘይግብዖ ስቅያትን ሞትን ዝተቐበለ፣

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂጶ ከምዝበሎ። “ዕብየት ክርስትና። ክርስቶስ ብሙማቱ ዘይኮነ። ካብ ሞት ብምትንሣኡ ስለዝኣምን እዩ”፣ ስለዚ ሞት ኢየሱስ ንኣና ሕይወትናን ትንሣኤናን እዩ፣ እቲ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዚኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ” (ዮሓ 11። 25) ዝበለና ክርስቶስ ቃሉ እሙን ከምዝኾነ ርጉጻት ኢና፣ ኣብዚ ምድሪ ወንጌል ዝሰብከሉ ኣብ ዝነበረ እዋን “ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ። ኣነ ንሱ ከምዝኾንኩን። ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ከምዝገብር እምበር ካብ ርእሰይ ሓንቲ ከምዘይገብርን ሽዑ ክትፈልጡ ኢኹም” (ዮሓ 8። 28) ብምባል ናይ’ቲ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ዝተቐበሎ ስቓይን ሞትን ትርጉም። ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ክፈልጡን ክርድኡን ምዃኖም ቅድሚ ሞቱ ኣቐዲሙ ንተኸተልቱ ገሊጹ ነቢሩ እዩ፣ እዚ ናይ ክርስቶስ ልዕል ምባል ከኣ ንኣና ንኃጢኣተይናታት ካብ ሞት ናብ ሕይወት። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት። ካብ ዘይምትእዛዝ ናብ ምትእዛዝ። ንምስግጋር ብእግዚኣብሔር ዝተፈጸመ ዓብይ ናይ ድኅነት መለኮታዊ ተግባር እዩ፣ “ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” ዮሓ 12። 32፣ መዝሙር ለይቲ ትንሣኤ ከምዝብሎ። “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት እስመ ዓደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት”፦ ጐይታና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ፣ እዚ ከኣ ኣብ ሞቱን ትንሣኤኡን ተሳተፍቲ ይገብረና ኣሎ ማለት እዩ፣ ንኣና ምስ ክርስቶስ ሙማት ማለት ብኃጢኣትና ምጥዓስ። ንሰይጣንን ፈተናታቱን ምንጻግ። ንክፉእ ስሚIታትናን ልምድናን ምሽናፍ እዩ ዘስምዕ፣ “ምስኡ ኃቢርና እንተ ሞይትና ምስኡ ኃቢርና ከም እንትንሥዕ ርግጽ እዩ፣ ደጊም ንኃጢኣት ከይንግዛእ፦ እቲ ኃጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኪጠፍእ፦ ኣቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ከምዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና“ (ሮማ 6።5-6)፣ ስለዚ ክርስቶስ ካብ ዝትንሥዕ

ንደኃር ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኃቢርና ንሞት።” ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትኪ? ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ምውጋእኪ?” (1ቆሮ 15።55) ክንብላ ንኽእል ኢና፣ ዋዜማ ዘዘመነ ፋሲካ’ውን ነዚ ኣመልኪቱ። “ሲኦል። ‘እዙ ካብ ሥርዓተይ ፍሉይ ዝኾነ እንታዋይ እዩ? እዙ ክትንክፎ ዘይከኣልኩ። ኣረ ምጥማቱ ዝተሳእነኒ እንታዋይ እዩ!’ ኢላ ናብ መልኣከ ሞት ኣእወየት፣ ጻድቃን ግን በቱ ገመድ ኃጢኣት ዝበተኸ ትንሣኤ ክርስቶስ ተሓጐሱ” (ጸሎተ ሰዓታት። ረቡዕ። ስብሓተ ሠርክ) ብምባል። ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንደሓር ሞት ንርእሳ ከምዝረዓደት ይናገር፣

ንግሆ ፋሲካ ገሊኤን ኣንስቲ ናብቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐብረሉ ቦታ ኣንጊሀን ከዳሞ ሬሳኡ ኣብቲ መቓብር ስለዘይጸንሐን ኣዝየን ሰንበዳ፣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ግን። “ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ሙታት ትደልያኦ ኣሎኽን፦ ንሱስ ተንሥኡ እዩ፤ ኣብዚ የሎን” (ሉቃ 24።5-7)፦ “ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ከምዘሎኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሃ፣ ኣብዚ የሎን።፣ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ፦ ንዕነ ነታ ጐይታ ተነቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረኣያ፣ ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ ካብ ምውታት ከምዝተንሥኤ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም” (ማቴ 28። 5-7) በለን፣ ብሓቂ ከኣ ነቲ ወሃብ ሕይወትን መድኃንን ኣብ መንጎ ሙታን። ኣብ ማእከል ሬሳታት። ምድላይ ግቡእ ኣይኮነን፣ እተን ኣንስቲ ጸላእቲ መጺኦም ነቲ ሬሳ ዝሰረቑዎ መሲሉወን እየን ዝሰንበዳ፣ እቲ መልኣኽ ግን። ንሱስ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ፤ ንስኻትክን ግን ቀልጢፍክን ኬድክን ነቶም ብፍርሃት ተሓቢኦም። ብጥራጣሬ ተረቢሾም። ኣብ ተስፋ ምቝራጽ በጺሖም ዝነበሩ ተኸተልቱ ክርስቶስ ካብ ሙታን ከምዝተንሥኤ ኣበሥራኦም። ንስኻትክን ከኣ ኣይትፍርሃ እናበለ ኣተባብዔን፣ ንምሸቱ። “ኢየሱስ ከኣ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መጸ፦ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ድማ።’ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ በሎም” (ዮሓ 20።19)፣ ቀዳማይ ህያብ ናይ’ቲ ካብ ሙውታት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ሰላም እዩ፣ እቲ ንሱ ዝህቦ ሰላም ከኣ መንም ሰላም ኣይኮነን፣ “ሰላም እኃድገልኩም ኣሎኹ፦ ሰላመይውን ኣህበኩም ኣሎኹ፣ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፤ ኣይትሸበሩ ኣይትፍርሁ” (ዮሓ 14።27)፣ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ፍቕርን። ፍትሕን እውነተይና ምዕባለን ደቅ ሰብን። ዝተመሥረተ ሰላም እዩ፣ ሰላም ክርስቶስ ነቲ ብውሽጥን። ብደገን ዝርብሸናን ዘፈራርሃናን ሥጋውን መንፈሳውን ኵነታት ቀንጢጡ ቅሳነትን ናጽነትን ዘልብስ ሰላም እዩ፣ ሰላም ክርስቶስ ብዛዕባ ንበልዖን ንኽደኖን ከይተሸገርና እንነብረሉ ዕድል እዩ ዝፈጥረልና፣ ስለዚ ጠሚና ክሳብ ዝሓደርና። ዓሪቕና ክሳብ ዝተዛወርና። ሰላም ክርስቶስ ብምልኣት ኣባና ኣይሓደረትን፣ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍና ተዓዊቱ ክንብል ንኽእል፦ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናብራናን ሕይወትናን ንሱ ምስ ዚነግሥ እዩ፣ በዚ ምኽንያት ኢና ለይቲ ፋሲካ። “ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን። በዓብይ ኃይል ወሥልጣን ኣግኣዞ ለኣዳም ኣሰሮ ለሰይጣን። ሰላም። እምይእዜሰ ይኩን ፍስሓ ወሰላም”፦ እናበልና ብልዑል ድምጺ እናተቐባበልና እምነትና ንገልጽ፣ ክርስቶስ ካብቲ ዝጭቍነና ባርነት ኃጢኣትን። ካብ ፍርህን ጥርጣረን ከናግፈና እዩ ካብ ሞት ዝተንሥኤ፣ ስለዚ ኃቢርና “ኦ ጐይታ። ንእሱራት ፍትሓዮም። ንኅዙናት ኣጸናንዓዮም። ንጉሁያትልቢ ኣሓጕሶም፦ ብትንሣኤኻ ንምሉእ ዓለም። ንዅሉ ሕዝብኻ ኣብሪህካ ኢኻ’ሞ ደጊም ኣብ ምድሪ ሰላምን ርግኣትን ይኹን” (ሰላም። ጸሎተ ሰዓታት። ረቡዕ። ስብሓተ ቀትር) ንበሎ፣ ብፍላይ ሎሚ እዩ ኣብ ልብናን። ሃገርናን ከባቢናን ሓቀይና ሰላምን ርግኣትን። ዘድልየና፣

እተን ኣንስቲ ካብ መቓብር ተመሊሰን ንሓዋርያት ከምዘበሠራኦም። ንሕና’ውን ኣብዚ በዓለ ፋሲካና። “ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ። ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ”። ንኣና ነዞም ኣብ ትንሥኤኻ ዝኣመንና ብርሃንካ ስደደልና እናበልና ንለምኖ፣ ብርሃን ክርስቶስ እንተተቐቢልና ከኣ ከምቲ ዝነበርናዮ። ከምቲ ልሙድ። ኣብ ፍርህን። ጥርጣረን ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና፣ ካብ ሙውታት ንዝተንሥኤ ክርስቶስ ዝረኸበ ሰብ ከም ቀደሙ ኣብ ናይ ዓመጽን። ስስዕትን። ቅንእን ንፍገትን። ጭካነን። ሻርነትን ክቕጽል ኣይክኣልን እዩ፣ ብርሃን ክርስቶስ እንተተቐቢልና። ከምተን ቀዳሞት ኣንስቲ ንጋሆ ፋሲካ ዝገበራኦ። ነኅዋትናን ነኃትናን። ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ሙታት ትደልዩዎ/ያኦ ኣሎኹም/ኣሎኽን፦ ንሱስ ተንሥኡ እዩ፤ ኣብዚ የሎን (ሉቃ 24።5-7 ርኤ) ብምባል ጥዑም ዜና ነበሥሮም፣ ክርስቶስ ስለዝተንሥኤ ሎሚ ኣብ ሰማያት መላእኽቲ ይሕጐሱ። ንሕና ድማ ብታሕጓስን ብሰላምን በዓል ፋሲካ ነኽብር፣ ክርስቶስ ሎሚ በዛ ዕለት እዚኣ ንሞት ሥዒሩ ተንሢኡ እዩ’ሞ። ኣብ ሰማያት ተስፋ ሕይወት ተሠሪዑልና ኣሎ፣ ንሕና ከኣ ነዚ ዕድል’ዚ። ነዚ ዕድመ’ዚ ብትሑትን ቅኑዕን ልቢ ንቀበሎ፣

ንኵልኹም። ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን። ኣብ ወጻእን። ዘሎኹም ቡሩክ በዓለ ትንሣኤ ይግበረልኩም፣



ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ








All the contents on this site are copyrighted ©.