2011-04-19 15:53:10

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቶስ እጂ እው ብፍቅሩ ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ሰዓሪ ኢዩ፣ መፈጸምታን ኵሉ ቃል ክፍኣት ኣይኮነን።


ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብናይ ላቲን ሥርዓት ግጻዌ መሠረት ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንበዓለ ሆሣዕና ብዝመርሕዎ መንፈሳዊ ዑደትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ናብ ዓቢይ በዓለ ትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰጋግረና ሰሙነ ሕማማት ብወግዒ ከምእተጀመረ እንክፍለጥ፣ ቅዱስነቶም ኣብ RealAudioMP3 ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቅነ ሰሙነ ሕማማት ዘተሓላለፍዎን ዘቕረብዎን ሥልጣናዊ ትምህርትን ስብከትን አስተንትኖን ምዕዳንን ምልስ ቢልና እንክንዝክር፣ ናይ ሰሙነ ሕማማት ቀዳሞት ሰለስተ ማዕልታት ብዛዕባ እቲ ሓደ ማኅበር ሓዋርያት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነን ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 12 እነንብቦ ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ማርያምን ኣልኣዛርን ምስ ኣተወ ማርያም ቕዱይ ሽቶ ገይራ ኣእጋር ኣየሱስ እናቀብአት ብጸጉሪ ራእሳ እውን ክትደርዞ ርእዩ ምእንቲ ምኽባር ግብረ ገብ ዝጣበቕ ተመሲሉ እቲ ቕዱይ ሽቶ ተሸይጡስ ንድኻታታ ዘይውሃብ እንክብሉ ምእንቲ ሓልዮት ድኻታት ዝዛረብ ተመሲሉ ቐጺሉ ንመምህሩ ማለት ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽሕደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ንድኻታት ሓሲቡ ዘይኮነ ኣብ ገንዘብ ዝነበሮ ፍቕሪ ኢዩ ዘነጽር። ዕለት 18 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እንከቕርቡ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዘገድሶ ፍቕሪ ዘይኮነ ገንዘብ ኢዩ። ስሱዕ ምዃኑ ኢና እንርዳእ፣ ስለዚህ ካብ ምስ ክርስቶስ ኅብረትን ካብ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ኣዚዩ ዘገድሶን ብሉጽ ገይሩ ዝሓስቦ ገንዘብ ኢዩ። ስለዚህ ብሽም ድኻታት ዝዛረቦ ቓል ናይ ሓሶት ኢዩ፣ በዚ መልክዕ’ዚ ድማ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ካብ ሓቂ ርሒቑን ምስ ሓቂ ዝነበሮ ርክባቱ ኣቋሪጹ ዘደናግርን ኣብ ምድንጋር ዝነብር ኮይኑ ይርከብ እንክብሉ ብዛዕባ ባህርይ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝፍጸሞ ክሕንደትን ንኹላትና ዓቢይ መጠንቀቕታ ከምዝኾነ ቅዱስነቶም ዕለት 18 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ እንክግልጹ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይብቑዓትን ክሓድትን ኣደናገርትን ኣባላት ማኅበረ ክርስትያን ኣይጠፍኡን ኢዮም፣ ስለዚህ ነዚ ዓይነት ክፍኣት በቲ ግልጽን ሓቀይናን ናይ መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሰኻኽር ብምዃን ክንዋግኦን ከነጥፍኦን ክርስትያናዊ ኃላፍነትና ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከዘኻኽር እንከሎ፣ ዕለት 20 መጋቢት 2008 ዓ.ም. ኣብ ሰሙነ ሕማማት ቅዱስ ቁርባን ዝተሠርዓላ ዕለተ ሓሙስ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቕዳሴ መሪሖም ኣብ ዘቕውረብዎ ስብከት፣ እግዚኣብሔር ንኣና ካልእ ነገር ዘይኮነስ ገዛእ ርእሱ ኢዩ ሂቡና፣ እዚ ድማ ኣብ ፈለማ ምልዋጥ ሕይውትና ዘይኮነስ ብቐጻሊ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዝህብ ምዃኑ ኢዩ ዘረጋገጽ፣ ኣዚ ድማ ቅዱስ ቁርባን ማለት ምዃኑን፣ ብቐጻሊ ገዛእ ርእሱ ብናጻ ናይ ዝህብ እግዚኣብሔርን ናይቲ ዝህቦ ሓድሽ ሕይወት ሓቀይና ምልክት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕጽበተ እግር ክፍጽም እንከሎ ንሕና እውን ናይ ሕድ ሕድና ኣእጋር ክንሓጽብን፣ እዚ ማለት ድማ ወትሩ ብዘይ ምቁራጽ ይቕረ ክንበሃሃልን ንሓድ ሕድና ከነገልግልን ኢዩ ብግብሪ ዘስተምሃረና ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር እንከዘኻኽር፣ ዕለት 4 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም. ከምቲ ሓዋርያት ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንበይኑ ሓዲጎምዎ ዝደቀሱ፣ እንሕና እውን ንታኸስን ንድቅስን ከይንህሉ ቢሎም፣ ኣብታ ቅድስቲ ለይቲ ጌተሰማኔ ንቑሓት ኮይና ክንርከብን ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንበይኑ ከይንሓድጎ ሓደራ ከምዝበሉን ዕለት 8 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም. ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እንከቕርቡ፣ እግዚኣብሔር ሥጋና ለቢሱ ኣብ መንጎና ክሓድርን ናይ ፍጥረት ሰብ ሓጢኣትን ዘሕዝንን ፍጻሜታት ናይ ገዛእ ርእሱ ገይሩ ዘርኢ ሰብ ዘድሕን ጥራሕ ዘይኮነስ ምእንቲ ዘርኢ ሰብ ዝመውት ምዃኑ ኢዩ። ብሓቂ እዚ ድማ ብሥጋዊ ዓይኒ ክትርእዮን ብኣኣምሮ ክትበጽሖን ዘይከኣል ብሓቂ መስተንክራኣዊ ምሥጢር ኢዩ። ዕለት 4 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሕጂ እውን ክርስቶስ ብፍቕሩ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ክፍኣትን ሞትን ሰዓሪ ኢዩ፣ መፈጸምታ ኩሉ ድማ ቃል ክፍኣት ኣይክኸውንን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.