2011-04-19 11:40:17

ሰንበት ዘሆሣዕና 2003 ዓ.ም. (17 ሚያዝያ 2011)


መዝሙር፡ ወእንዘ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ቀርቡ አርዳኢሁ. . . . ።

ንባባት፡ ዕብ 9፡11~ፍ፤ 1ጴጥ 4፡1~12፤ ግ.ሓ. 18፡12~ፍ፤ ዮሓ 12፡12~20

ምስባክ፡ ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥ እግዚአብሔ እግዚእ አስተርአየ ለነ” “ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፤ አብ መቕደስ እግዚአብሔር ኮና ንባርኸኩም አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ ተገሊጹና እዩ” መዝ. 117፡26~27።

አብ ሕይወትና ዝጓነፉና ዝተፈላለዩ ሰባት አለዉ። አብ ገለ እዋን ዘይተጸበናዮም ዝጎድኡና ክንረክብ ንኽእል። ገለ እዋን ከአ ልኡኻት አምላኽ በረኸት ሓጎስ ተስፋ ቅሳነት ሒዞምልና ክመጽኡ ይኽእሉ። አብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ጋሻና ክርስቶስ እዩ ንሱ ድሕነት ዕርቂ ምስ አምላኽ የምጽአልና። እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ እናበልና ክንቅበሎ ግቡእ እዩ። ክንሓስበሉ ዘሎና አብ ሕይወትና ንክርስቶስ ዝትክእ ነገር ሒዝና ከይንህሉ። መዝሙር ዳዊት እንቅበሎ ክርስቶስ ጥራሕ ክኸውን እሞም ብሓጎስ ፍቕሪ አንጊስና ክንክበል ይነግረና። ተቐበልቲ ክርስቶስ ክንከውን እሞ በረኸት ክንቅበል ንዕደም አሎና።

መዝሙር፡ ንብዕል ፋሲካ ሰሙን ተሪፍዎ ከሎ አርድእቲ ናብቲ አምላኽ ጽድቂ ናብ ደብረ ዘይቲ ናብታ ከተማ እግዚአብሔር እተውርድ ዐቐብ ቀሪቡ እሞ ብዙኃት ህዝቢ አረገውትን ቆላዑን ጨናፍር ስየ ኂዞም፥ አብ ሰማየ ሰማያት ሆሣእና እናበሉ ተቐበልዎ። ንሱ አድጊ ተወጢሑ ብታሕጓስን ብደስታን ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም አተወ፥ ኃይልን ሥልጣንን ይህቦም” ይብል። ምስ አርድእቱ ነታ ዓባይ ከተማ ብዕሊ አትዩ። አምላኽ አብ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ክአቱ ይመጸና እዩ። ምላክት ይህበና ብልኡኻቱ ይነግረና ብቓሉ ይሕብረና። ከምቲ አይሁድ ዝተቐበልዎ ሎሚ ተቐቢልና ጋሻና ክንገብሮ።

ኢየሱስ ንከተማ ኢየሩሳሌም ብዙሕ ጊዜ ይአቱ ነሩ እንተ ወሓደ አብቲ ዓመታዊ ብዓላት አይሁድ እንተኾነ ናይ ሎሚ ምእታው ፍሉይ እዩ ነሩ ብምስራቕ ካብ ጎቦ ደብረ ዘይት ከምቶም ቀዳሞት ነጋውስ ውግእ ምስ ሰዓሩ ወይ ንፍሉይ ብዓል ብዓጀባ ክአትዉ ከለዉ ዝገብርዎ ዝነበሩ አገባብ ለቢሱ እዩ አትዩ። ኩላ ኢየሩሳሌም ወጺአ ተቐቢላቶ ነዚ ክገልጹ ወንጌላውያን አረገውትን ሕጻናትን ይብሉ። እዚ አብቲ ትንቢተ ዘካርያስ 14፡4 መሰረት ገሮም “መዓልቲ እግዚአብሔር” ምስ ዝብል አተሓሒዞም ከም ዝተፈጸመ ይነግሩና። ማቴዎስ ወንጌላዊ ነቲ አብ ኢሳያስ 62፡11 ከምኡ አብ ዘካርያስ 9፡9 ዘሎ ከም ዝተፈጸመ ገሩ ይገልጾ። ኢሳ 62፡11 “ንህዝቢ ኢየሩሳሌም እንሆ እቲ ዘድኅነኩም እግዚአብሔር ይመጽእ አሎ ነቶም ዝተበጀዎም ሕዝቢ ኸአ ምስኡ ኂዝዎም ይመጽእ አሎ” ዝበሎ ክመኡ ዘካርያስ 9፡9” ኦ ሕዝቢ ጽዮን አዚኹም ተሓጎሱ ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ብታሕጓስ እልል በሉ እንሆ ንጉሥኩም ናባኹም ይመጽእ አሎ፥ እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ አሎ። ግናኸ ትሑት እዩ፥ አብ አብ ድጊ አብ ጻዕቢ አድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ” ዝብል ከም ዝተፈጸመ ገሩ ይነግረና።

ሆሣእና ናይ ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓጀባ አብ ኢየሩሳሌም ናይ ዝአተወሉ ጊዜ ዘዘኻኽረና እዩ። አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ብፍሉይ ከአ ማቴ 21፡1~11 ማር 11፡1~11 ሉቃ፡ 19፡28~38 ዘርዚሮም ይነግሩና። አብ ግልገል አድጊ ተወጢሑ ንከተማ ኢየሩሳሌም አትዩ እዚ አብ ብሉይ ኪዳን ክልተ እንስሳ ብሓደ ምጥቃም ልሙድ እዩ። አብ ዓድና እውን ምእንቲ ብቐሊል ክኹብከቡልና ምእንቲ ክልተ እንስሳ ብሓደ ንኸቦም። አብ ምስራቕ ናይ ሰላም እንስሳ አድጊ እዩ ነጋውስ አብ ከተማ ክአትዉ ከለዉ አብ አድጊ ተጻዒኖም ይአትዉ። ናይ ኢየሱስ ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ትሕትና ናይ ወዲ ዳዊት ምዃኑ ምልክት እዩ። ፈረስ ናይ ወግእ እንስሳ እዩ። አድጊ ግን ምልክት ሰላም እዩ። ኢየሱስ ንጉሠ ሰላም ምዃኑ ዘመልክት አብ አድጊ ተወጢሑ ንከተማ አትዩ። አብ መገዲ ክዳውንቶም እናአንጸፉ ቆጽሊ ስየ እናአወዛወዙ መገዲ ብምጽራግ ተቐቢሎሞ። አብ 2ዘነገስት 9፡13 ንጉሥ የሁ ወዲ ኢዮሳፍጥ ብኽብሪ አብ ከተማ ክአቱ እንከሎ ዝተገብረሉ ዓጀባ ካብ ጥንቲ ንነጋውስ ዝግበር ከም ዝነበረ ንርኢ። ወንጌላውያን ኩሎም ኢየሱስ ብኸምዚ ዓጀባ ከም ዝአተወ የዘንትዉልና ማቴ ማር ሉቃ ሰለስቲኦም ክዳውንቲ ከም ዘንጸፉ ክነግሩና ከለዉ ዮውሓንስ ሆሣእና እናአወዛወዙ ከም ዝተቐበልዎ ይሕብረና። አብ መዝሙር ዳዊት 118፡25~26 ዘሎ ንሱ ወዲ ዳዊት ከም ዝኾነ እናዘመሩ ኩላ ኢየሩሳሌም ከም ዝተቐበለቶ ይነግሩና። ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ከም መስሕ ንኹሉ እቲ ትጽቢት አይሁድ ብዛዕብኡ አብ ነብይታ ዝተነገረ ከም ዝተፈጸመ ንርኢ።

ሆሣእና ምልክት ዓወት እዩ። አብ ሌዋ 23፡40 “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦምን ጨንፍር ስየን ጨናፍር ደስደስን አእዋም ዕቦል ርባን ውሰዱ፥ አብ ቅድመይ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኽ ኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሓጎሱ” ይብል ናይ ሓጎስ ምልክት ምዃኑ ንርኢ። አብ ራእይ 7፡9 እቶም ኩሎም አብ ሰማይ ዝአተዉ አብ ኢዶም ስየ ሒዞም ከመስግኑ ይርአዩ ስለዚ ሆሳእና አብ ሰማይ ዝአተዉ አብ ከብሪ አምላኽ ክሳተፉ ዝኽአሉ ምልክቶም እዩ “ድኅርዚ ድማ እንሆ ኻብ ኵሎም አሕዛብን ዓሌታትን ሕዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን ዝተአከቡ ሓደ እኳ ኪቔጽሮም ዘይክእል ብዙኃት ሰብ ፃዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ጨንፈር ስየ አብ አእዳዎም ኂዞም አብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን አብ ቅድሚ እቲ ግንሸልን ደው ኢሎም ከለዉ ረአኹ” ይብል። ሆሣእና ኩሉ ጊዜ ዘይነቅጽ ቆጽላይን ብጫን ሕብሪ ዝሓዘ ተኽሊ እዩ። ሕብሩ ክትርእዮ ደስ ዘብለካ እዩ። አብ ዓድና ብፍላይ አብ ባርካ ዓርኮብኮባይ ዝብሃል ኦም ብዙሕ ጠቕሚ አልኦ እዚ ኦም ካብ ንእሽትኡ ክሳብ መወድእታ ኩሉ ጥቕሚ አልኦ። ገመድ፥ ተኮባ ዘንቢል ወዘተ ካብኡ ይስራሕ ቆጽሉ ጉንዱ ፍሪኡ ኩሉ ንሰብ ይጠቅም ዝጸንዔ ኦም እዩ። ጉንዱ ፍልሖ አይበልዖን እዩ። ዓካት ይብላዕ እቲ ዝተረፈ አብ ሓዊ ይጠቅም እታ አብ ውሽጢ እትርከብ መልጎም ይኸውን ብሓቂ ጠቓሚ ኦም እዩ፥ ኩሉ ጊዜ እዚ ኦም ዘልኦ ቦታ ማይ አልኦ ናይ ጠለት ምልክት እዩ። አብዚ ማእከል ናይ እምነትና ዝኾነ ሕማማት መድኃኒና ክንዝክር ከሎና ነዚ ሆሣእና ክንጥቀም ከሎና ፍሉይ ትርጉም አልኦ። ምልክት ፍረ ጽንዓት አብ ኩሉ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ጠቐምቲ እምበር ጎዳእቲ ከይንኸውን፥ አብ ሕብረተ ሰብ ኩሉ ሕይወትና ትርጉም ዘልኦ ንሰባት ዝጠቅም ነገራት እጃምና ክነበርክት ከምኡ ብኹሉ ኩነታትና አብ ጥቕሚ አሕዋትና ክንወፍር ከምዘሎና ክንሓስብ የዘኻኽረና። ሕማማት ክርስቶስ ንምቑንዛው ወይ ስቓዩ ንምዝካር ዘይኮነ ነቲ ንሱ ብሕማማቱ ዘውረደልና ምሕረት ሕይወት ንምዝካር እዩ። ሆሣእና ክንቅበልን ክነወዛውዝን ከሎና ልብና ምስኡ ምሉእ ውህደት ክህልዎ አብቲ ንሱ ዘምጽአልና ዓወት ክንሳተፍ ከም ዝግብአና ክንሓስብ።

አብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ቅድሚ ፋሲካ ዘላ ሰንበት ብኽብሪ ብዓጀባ ብፍላይ አብ ሥርዓትና ቤተክርስትያን እናዞርና ሆሳእና ሒዝና ንአውድ። ኩሎም ምእምእናን አብ ኢዶም አብ አጻብዖም አብ ገዝኦም ነቲ ዝተባረኸ ሆሳእና ይገብሩ። ምልክት ተሳፋ ሓጎስ ሰላም እዩ። ሆሣእና ክቕበሉ እንከለዉ “ብዘይ ደውየን ሕማምን፥ ብዘይ ጻዕርን ድኻምን፥ ከም ሎሚ የብጽሓንን የብጽሕኩምን” እናበልና ብምቅብባል ንደግም። ንመድኃኒትና ብሓጎስ ንሳለማ፥ ንታቦት ንቀበላ ንሳ ወጋሕታን ብርሃንን እያ እናበልና ንዝይም። ከምቲ ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ብዓጀባ ዝአተወ ንሕና ኸአ አብ ቤተክርስትያን ብዓጀባ ንአቱ። ሓደ ካብቲ ንኹልና ዝትንከፍ ስርዓት ካህን ብውሽጢ ቤተክርስትያን ድያቆን ምስ ህዝቢ ብደገ ኮይኖም ድያቆን”አርኅዉ ኇኃተ መኳንንት” እናበለ ይኲሕኹሕ ካህን ብወገኑ “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሓት” እናባለ ይሓትት” ድያቆን ከአ “እግዚአብሔር አምላኽ ሓያላን እዩ” እናበለ ይምልሰሉ። ሽዑ ካህን ይባእ ንጉሠ ስብሓት” እናበለ ይኸፍት።

አብዚ እግዚአብሔር አብዚ ቅዱስ ሶምን ሕማማት ብፍሉይ አብ ልብና አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ክአቱ አብ አፍደገ ኮይኑ ይኹሕኩሕ ከምዘሎ እሞ ክንርሕዎ ፍቓደኛታት ክንከውን የዘኻኽረና። ሰባት ስለ ዝኾና አብ ገለ እዋን ክርድአና ንሓትት ነቲ አምላኽ ዝህቦ ምልክት ወይ ከአ ዝሓተና እንታይ እዩ እዚ ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ እናበልና ንሓትት እንተኾና አብ ሕቶ ጥራሕ ደው ክንብል የብላናን ሎሚ ንአምላኽ እቶ ክንብሎ አብ ልበይ አብ ሓዳረይ አብ ሕይወተይ እቶ ክንብሎ ዕድል ዝኸፍተልና እዋን እዩ። ትንሣኤ አብ ሓዲስ ሕይወት ክንአቱ እሞ መገዲ ቅድስና ክንሕዝ ይደልየና። ዕለት ዕለት አብ ኩሉ ሕይወትኩም አእትዉኒ አነ ዘይብሉ ሕይወት አይትምርሑ ክፈቱለይ ዝብል አምላኽ ንኽፈተሉ። ነዚ ክንገብር ነቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝኩሕኩሓነ ዘሎ ድምጺ ንኽፈተሉ። አብ ቤተይ እቶ ንበሎ።

ኢየሱስ ብምዓልቲ ሆሣእና አብ ከተማ ኢየሩሳሌም አትዩ አብ ቤተመቕደስ አትዩ አብኡ ነቶም ንቤተመቕደስ አምላኽ ዘይመልክዑ አልቢሶሞ ዝነበሩ ሰጎጎም ዝብል ነንብብ። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝብለና ቤተመቕደስ አምላኽ ሎሚ ልብና እዩ። ንሕና ቤቱ ማኅደሩ ኢና። ሥጋኡን ደሙን ምስተቐበልና ማኅደሩ ንኸውን። አብ ልብና አብ ሕይወትና አምላኽ ዘይፈትዎ ንሰብን ንአናን ዝጎድእ ነገራት እንተሎ ሎሚ ክነጽርዮ መዓልቱ እዩ። ኢየሱስ ንቤተመቕደስ እዚ ቤተ አቦይ እዩ ንስኹም ግን በዓቲ ሸቃጦን ሰረቕትን ገርክምዎን እናበለ ገኒሕዎም ንገሎኦም ከአ ሰጒግዎም። አነ ከም አነ ከመሎኹ ኢልና እስከ ልብና ንሕተት። መልሲ ንሃብ። እሞ አብ ኢየሱስ ቀሪብና ልበይ ከጽሪ መልክዑ ከልብሶ ማኅደርካ ክገብሮ ሓግዘኒ ንበሎ።

አብ ሕብረተሰብና አብ ርክባትና ንኢየሱስ ክአቱ ክነፍቅድ ንሕተት አሎና። ዓለምና ሎሚ ብዘይ አምላክ ዝጠዓሞ እዩ ዝመስል ዘሎ። ሰብ ንጽልኢ ንክፍአት ንሓጢአት ደፊሩ ክአትዎ ክንርኢ ልሙድ ኮይኑ። አብ ገለ እዋን እቶም ንአገልግሎት አምላኽ ዝተወፈዩ ካህናት ደናግል ነዚ ርኹስ መንፈስ ክግዝኡ ንርኢ። ብሓጺሩ ሰይጣን ክዕወት ንርኢ አሎና። ዓለምና ብውግእ ብቕትለት ብናአይ ጥዓመኒ ተወሪሳ አልቦ አምላኽ ዝብሉን ንአምላኽ በቲ ንሶም ዝደልይዎ ከቕርቡ ዝደልዩን ተወሪሳ ክተዕለቕልቕ ንርኢ አሎና። ሎሚ ኢየሱስ ነዚኹል ክቕይረልኩም ተቐበሉኑ ቅረቡኒ ስምዑኒ ይብለና አሎ። ኩሉ ዘሎና አብ አገልግሎቱ ነውዕሎ። አይሁድ ክዳኖም አድጎም ቆጽሎም ሒዞም ተቐቢሎሞ አነን ንስኹምንከ፥ ከመይ ገርና ክንቅበሎ ንሰናዶ አሎና። ጋሻና ክርስቶስ ይመጽእ አሎ አብ አፍደገ ገዛን ምርሓው አቢናዮ ክፈቱኒ ይብለና አሎ።

መንእዮም ንኢየሱስ ዝተቐበልዎ?

ወንጌላውያን ኩላ ኢየሩሳሌም ብፍሉይ ከአ አረግቶትን ሕፃናትን ከም ዝተቐበልዎ ይጥቕሱ። ሎሚ ኢየሱስ ኩልና ክንቅበሎ እዩ ዝደሊ። አብ መዓልቲ ሆሣእና ኢየሩሳሌም ብድምጺ ሓጎስ ትልለ ነራ። አምላኽ ንትንቢት ፈጺምልና ወዲ ዳዊት መድኃኒና አብ መንጎና እንሆ እናበሉ ጭሪሖም። ግዝያዊ ተቕባል ፈጺሞም እንተኾና አብ ሳልስቱ ንወዮ መድኃኒ መስሕ ዝበልዎ ከሓዲ ዓማጽ እናበሉ ክሰቅልዎን ናይ ሕርቃን ናይ ጭካኔ ነገራት ክፍጽሙ ይርአዩ። አብዚ እንርእዮ ተቕባሎም ናይ ልቢ አይነበረን ንስሙ አብ ጓይላ እዮም ተሓዊሶም። አነን ንስኻትኩም ተቐበልቲ ኢየሱስ ሎሚ ንሕና ኢና። ክንቅበሎ ልብና ክኽፈት አለዎ ክፈተኒ ክአቱ ይብለና አሎ። ካብቲ አብ ግላዊ ሕይወትና ዓጊቱና ንኢየሱስ ከይንቕበል አጽኒዑ ሒዙና ዘሎ መንፈስን ተግባርን ክንላቐቕ እሞ ክንቅበሎ ንዕደም አሎና። ዕድመና ሎሚ አብ ጓይላን ጭውጫውታን ዘይኮነ አብ ጎደና ቀራንዮ ምስኡ ክንምርሽ እሞ አብ ቀራንዮ ልብና ምስኡ ክንስቀል አብ ዓወቱ ክንሳተፍ እዩ። ነዚ ክንገብር ካብ ኩሉ ከይንቕበል ዓጊቱና ዘሎ ከዊልና ዘሎ ሒዙና ዘሎ ሓራ ክንወጽእ እሞ ምስኡ ክንምርሽ አብ ጎደና ዓወት ንዑ ውጹ ንመድኃኒኹም ተቐበሉ ንዝብል ክንሰምዕ።

እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩክ እዩ ዝብል አብ መዝሙር 118፡26 እነንብቦ ሎሚ ንሰብ ጸጊምዎ ዘሎ ነቲ ብስም አምላኽ ዝመጽእ ምልላይ እዩ ይብለና። ክነለሊ ዓይኒ ሕልናና ክርኢ አልኦ። ናይ አምላኽ ዘይኮነ እንተኾነ ናይ አምላኽ ዝመስል ዝገጥመና ብዙሕ አሎ፥ አብዚ እዩ ክነለልሊ ልቦናን ምስትውዓልን ዘድሊ። ንጎይታ ተቐቢልካዶ አብ ጌጋ እምነት ኢኻ ዘሎኻ ዝብሉ ናይ እዋና ስብከት እዩ ኮይኑ ዘሎ፥ ብዙሓት አብጉዕዞ ሕይወቶም ነቲ ሓቀኛ እምነት ሓዲጎም መገዶም እምነቶም ዝቐይሩ ንርኢ አሎና። ንእምነትና ትርጉሙን እንታይነቱ ክንፈልጥ ስለዘይንደፍር ዝኾነ ሊላ መጺኡ ይወስደና እሎ። ሎሚ ንአምነትና ክንፈልጦ ክንምስክሮ ግድነት እዩ። ሰበኽቲ ኮይኖም ዝመጹና ዘለዉ ከማና አፍልጥኦም ድሩት እዩ። ካህናት ተሎጋውያን ፍላስፋታት አይኮኑን ዝመጽኡና ዘለዉ ስለዚ አፍልጦ እምነትና ክህልወና ነፍስወከፍና ክበራበር አሎና። ሕማምታ ክርስቶስ ብጽንኩር ነገር ሓሊፍና አብ ትንሣኤ ክንሕወስ እዩ ዘዘኻኽረና።





አብ ሕማማትን ስቕለትን ሞትን ኢየሱስ ክንሳተፍ ንጽዋዕ አሎና።

እዚ ሰሙን ሕማማት ዝብሃል ዝበለጸ እዋን ፍቕሪ አምላኽ ንነፍስወከፍን ዝገልጽ እዩ። ቅዱስ ዮውሓንስ “እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ ይብለና። ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተገለል የለን። አብዚ ሰሙን ሕማማት ኩልና አብቲ ዝገለጾ ፍቕሪ ክንሳተፍ ቅሩባት ክንከውን። አብ ሕማማት ክርስቶስ ምስታፍ ማለት ነቲ ኩሉ ካብ አምላኽ ዘርሕቐና ዘሎ አሊኻ ምኽአል እዩ። እቲ ውግእ ምስ ነፍስና እዩ። ምስነፍስኻ ምውጋእ ቀሊል አይኮነን። መድኃኒና ኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ነቲ ዝዓበየ ጉዳይ ድሕነትና ክፍጽም ይአቱ ከምዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ በቲ ጊዝያዊ ተቐባል ህዝቢ አይዘንግዔን። እኳ ድአ ነቶም ናቱ ዘበሉ ከሰንድዎም ንርኢ። ክጽሊ ክጉሂ ክሰናበት ከምኡ ነቲ ክቕበሎ ዘለዎ ጽዋዕ ክሰቲ እሺ ክብል ንርእዮ። ሕማማቱ ንኹልና መገዲ እዩ። አብ ናይ ነፍስወከፍና ሕይወት ክንከዶ ክንሓልፎ ዝግብአና ነገራት አሎ። ንገለና ሕማቕ ብህሪ ንዓመታት ዘጥረናዮ አሎና። ገለና ምስ ዝነፈሰ ንፋስ እንነፍስ ጭቡጥ መርገጺ ዘይብልና እሎና። ገለ ኸአ አምሰሉ ሕይወት ሒዝና አብ ነፍስና ጥራሕ አተኲርና ናይ ካልኦት ዘይግድሰና ንየው ነጀው እናበልና እንነብር አሎና። እቲ ባሕሪ እቲ ሕማም ብዙሕ እዩ። ካብ ሕማም ክትሓዊ ክትሕከም አሎካ። አብ ሓኪም ክትከይድ አሎካ። ዕድል ገርና ሓኪም ሕማምና እንተ ፈለጦ ብቐሊል ንሓዊ አይኮነ ግን አፋውስ ሓኪም እናቐየርና ንፍትን ክሳብ እንሓዊ። ሶምን ሕማማት ነቲ ምንፈሳዊ ሕማማት ሒዙና ዘሎ አብ ሕክምና እንአትወሉ እዋን እዩ። ሓኪምና ኢየሱስ ባዕሉ ብቤተክርስትያኑ ገሩ ይቕርበልና አሎ። አብ ዝተፈላለዩ ሓካይም ክንከይድ አየድልየናን እዩ አብኡ ንምጻእ። ጸጊሙ ዘሎ ሓሚምካ ከሎኻ ጥዑይ እየ ዘሎኹ ኢልካ ከም ጥዑይ ምዃን እዩ፥ ከምኡ ሕማምካ ከሕወየካ ንአይ እመን ዝብሉ እውን አልዉ ሽዑ ግዙአቶምን ስምዒቶምን ገሮምና ይነብሩ። ኢየሱስ ከሕውየኩም ሕማምኩም ብዘየገድስ ሎሚ ናባይ ንዑ ብደመይ ክሓጽበኩም በቕሳለይ ክዘነኩም እናበለ አብ ትሕቲኡ ክንቁረን ይሓተና አሎ። ሓወይ ሓፍተይ ሓሚምካ አሎኻ ሓኪምካ ክርስቶስ መጺኡ ይጽውዓካ አሎ እናተባሃልና አብዚ ጊዜ ሕክምናን ፈውሲ ዝርከቦ እዋን ተሓኪምና ንኽአል።

ንኹሉ ጉዕዞ ሕማማት ምስ ማርያም እንተ ተጎዓዝናዮ ዓወት አልኦ።

ማርያም አብ መጨረሽታ ሕይወት ወዳ ብፍላይ አብ ሕማማቱ ተኻፊላ እያ። ትውፊት ክስቀል ክኸይድ እንከሎ ምስ እንኡ ከም ዝተራኸበ ይነግረና። ፍኖተ መስቀል ክንገብር ከሎና ንዝክሮ። ንሕማማት ወዳ ከም መስዋዕቲ እያ እተቕርቦ ነራ። ንቀራንዮ ክጉዓዝ እንከሎ አብ ጎኑ ኮይና ፍቕራ ትገልጸሉ ነራ። ንሱ እውን ዓይኒ አዲኡ እናረአየ ምስአ ዘለዎ ሓድነት ይገልጸላ ነሩ። አብ ቀራንዮ አብ መስቀል እንከሎ ሓልዮት አዲኡ አይዘንግዖን። ነቲ ዝአምኖን ዘፍቅሮን ረድኡ ሓደራ ኢልዎ። አዲኡ እያ ክሳብ ምጨረሽታ ምስኡ ዝነበረት። ሎሚ እውን ምስኡ አላ። ይሰምዓ ትሰምዖ። ሎሚ ብንብዓት ሓዘን ዘይኮነ ብሓጎስን ግርማን እያ ምስኡ ዘላ። ሎሚ ንሓዘን ቀራንዮ ዝደግሳ አነን ንስኹምን አብ ሓጢአት ክንርከብ ከሎና እዩ። መስዋዕቲ ወዳ ሕማማቱ ስቅለቱ ሞቱ አብ ሕይወት ሰባት ትርጉም ክስእን እንከሎ እዩ። ቁስላ እንጎድአ ንሕና ንንስሓ ክንአቢ ከሎና ካብ ጌጋና ምምላስ ክንአቢ ከሎና ንአምላኽ ቦታ ክንከልኦ ከሎና። ሎሚ አብ ማርያም ቀሪብና ጉዕዞ ቀራንዮ ምሃርና ነቲ ብርቱዕ ፍቅሪ ወድኽን ፍቕርኽን ክንላብስ ሓግዝና ንበላ። አብ ቀራንዮ ንመስዋዕቲ ወዳ ዘዕረገት ሎሚ ኩልና አብዚ ቅዱስ እዋን ናይ ንፍስወከፍና ሕይወት ከም መስዋዕቲ ንቕርበላ። ብሞት ወድኺ ድሕነት ዘልበስካን ሎሚ እውን አድሕንና ንበላ። አብ ዕለት ትንሣኤ ብዝተሓደሰ ሕይወትና ብምሉእ ምቅርራብ ክንአትዎ ምእንቲ ምስ ማርያም ንጉዓዝ። ምእንታይ ዝሓመምካ ኢየሱስ መድኅናይ ምእንታይ ዝተሳቐኺ አደይ ማርያሚ ሎሚ እውን ሓድስኒ ቀይርኒ፥ ንኹሉ ሓጢአተይ ተነሲሐ ወዲ ሰማይ ጓል ሰማይ ግበርኒን ንበላ።

ሕማማት ምድኃኒና ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና ቅዱስ እዋን ንስሓን ምሕረትን ይግበርለና።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.