2011-04-16 13:41:23

ብፁዕ ካርዲናል ካፋራ፦ ፋሲካ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ፍጥረት ሰብን ዘሎ ኪዳናዊ ምትእስሳር ዝረጋገጸሉ በዓል ኢዩ።


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ካፋራ ብምኽንያት መሰናደዊ ንበዓለ ፋሲካ ንናይታ ከተማ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ናይ ዘመንና ሰብ RealAudioMP3 ነቲ ኣብ መግኖ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ቃል ኪዳን ኣብ መግኖ ሰብን ዕደ ጥበባዊ ምዕባሌን ብዝቐውም ርክብ ብምትካእ ኣክንዲ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ዕደ ጥበብ ቃል ኪዳን ብምቛም እዋናዊ ባህሊ ነቲ ኣብ መግኖ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ቃል ኪዳን ዘተዓናቕፍን ዘፍርስን ኮይኑ ከምዘሎን፣ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ዓይነት ባህሊ ክቃወሞ ሓደራ ቢሎም፣ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ብስገዳድ ዘይኮነ፣ ነጻነት ሰብ ዘኽብር ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ኪዳናዊ ምትእስሳር ዝሓቶ ናይ ወዲ ሰብ ናጻ ምርጫን ውሳኔን ነዚ ኪዳናዊ ምትእስሳር እሙን ምዃን ኣብ ዝብል ሓቂ ዝቖመ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

መንእሰያት ምስ ደም ክርስቶስን ምስ መለኮታዊ ጥበብን ዘሎ ኪዳናዊ ምትእስሳር ከፍርስ ብዝደሊ ናይ ወዲ ሰብ ኣእምሮኣዊ ብቕዓትን ምስትውዓልን ዝነጽግ ባህሊ ከይማረኹ ሓደራ ቢሎም፣ ነቲ ጭቡጥ ኩነት እናገማምዔ ዝተገማምዔ ትንታኔ ብዘቕርብ ከይዲ ሥነ ምርምር ብዘቕርቦ መልስታት ከይተዓገትኩም ነቲ ምሉእነት ትርጉም እናድዩ፣ ካብቲ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘቕርቦ ክርትያናዊ እማመታት ናብ ናይ ሥነ ምግባር መምርሒ እማመታት ለዊጡ ዘቕርብ ባህሊ ገዛእ ርእስኹም ሓልዉ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.