2011-04-14 14:48:19

ናይ እምነት ሰማእትነት ምእንቲ ምርግጋጽ ፍትሒ


ብዛዕባ እቶም እምነቶም ብደም ዝምስክሩ ናይ እምነት ሰማዕታት ዘይንገርን መጽናዕትን ዓወደ መጽናዕትታት ዘይግበረሉ ኮይኑ እንተድኣ ተሪፉ ብሓቂ ሰማያዊ ወይ ድማ ዘይምድራዊ ካብ ዕለታዊ ሕይወት ሰብ ዝረሓቀ RealAudioMP3 ዝይከኣል ተግባር ኮይኑ ኢዩ ዝሓሰብ። ምእንቲ’ዚ ካብዚ ከምዚ ዓይነት ፈተና ንምልቓቕ ናይ እምነት ሰማዕታት ኣብ ህልው ሰብኣውን ማኅበራውን ኩነታት ዝሰረጹን ፍትሕን ሓቅን ክረጋገጽ ምእንቲ ሓቂ ገዛእ ርእሶም ከሕልፉ እውን ድሕር ዘይበሉ ሰብ እምነት ከምዝኾኑ ዝትንትን ኣብ ሥነ ሰማዕነትነት ቲዮሎጊያ ዘተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ደቡባዊ ከባቢ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ይካየድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ እዚ ኣቶም ኣብ ኢጣሊያ ምእንቲ ምርግጋጽ ማኅበራውን ሰብኣውን ፍትሒ እምነቶም ብቓልን ሕይወትን እናመስከሩ ብእምነቶም ዝተጋደሉ ማኅበራውን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ኣብ ምቅራብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም እናገልገሉ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ደቂ ቤተ ክርስትይን ዘተኮረ ዓወደ መጽናዕቲ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ደቡብ ኢጣሊያ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ መምህር ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ሰርጆ ታንዛረላ ብዛዕባ እቲ ዓወድ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ምእንቲ ምርግጋጽ ፍትሒ ዝግበር ጻዕሪ ሕጋውነት ክረጋገጽ ዘተባብዕ ኢዩ። ሕጋውነት ማለት ፍትሒ ዘይኮነስ ሕጋውነት ካብቶም ፍትሒ ዝሓቝፎም ክቡራት ዋጋታት ሓደ ኢዩ እንክብሉ ኣረዲኦም፣ ስለዚ ፍትሒ ማዕርነት ነጻነት ሰላም ምኽባር መሰልን ፍቓድን ዘጠቓልል እውን ኢዩ ቢሎም። እዚ ናይ ሥነ ሰማዕታት ቲዮሎጊያ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ዘቃልበሉ ርእሰ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.