2011-04-13 15:30:38

ሰንበት ዘገብር ኄር መጋቢት 25 203 ዓ.ም (ሚያዝያ 3 2011)


“ንዑረት ልብና ከነሕዊ አብ ኢየሱስ ንቕረብ”

መዝሙር፡ “መንእዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።

ንባባት፡ ኤፈ. 5፡8~14፥ 1ጴጥ.5፡1~12፥ ግ.ሓ. 1፡6~9፥ ዮሓ. 9፡1~41

ስብከት፡“ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”። “ አምላኸየ ፍቓድካ ንምግባር ደለኹ፥ ሕግኻ አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ አብ ዓቢ ጉባኤ ጽድቕኻ አበሠርኩ፥(መዝ.40፡8)።

መዝሙር እሙናት ክንከውን በቲ አምላኽ ዝሃበና ዝተፈላለየ ጸጋን ክእለትን ክነፍሪ እሙናት ክንከውን ዝሕግዘና መዝሙር እዩ። ኩልና ብዝተፈላለየ መገዲ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደልና ኢና እንተኾነ ብዙሕ ጊዜ አይንርእዮን ኢና፥ ዓይንና ክርኢ የጸግሞ እምበር ካብ ጸጋ አምላኽ ዝተገለለ የለን። ናይ ሎሚ አስተንትኖና ነቲ አምላኽ ዝሃበናን ዝህበናን ዘሎ ክርኢ ዝሕግዘና ዝተነበ ወንጌል እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ኢየሱስ ዝገበሮ ተአምራት ከዘንትወልና እንከሎ ካብኡ እንወስዶን አብ ሕይወትና አቲና ክንርእዮ ዝደለ ነገራት ስለ ዘሎ እዩ።

ናይ እዚ ታሪኽ ጎብለል ክውለድ እንከሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወልደ እዩ። ጨሪሹ ክርኢ ዘይክእል እዩ ነሩ። ምስሓወየ እቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ክርእይዎ ዘይከአሉ ንኢየሱስ ከም ጎይትኡ ክርእዮ ክኢሉ።

ነዚ ዝረአዩ ሓዋርያት ስለምንታይ እዩ እዚ ሰብ ብዕዉሩ ተወሊዱ ብሓጢአቱ ድዩ ወይስ ብሓቲአት ወለዱ ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም። አቲ እዋን አብ አተሓሳስባ ሰባት ዝኾነ ሕዱር ሕማም ወይ ከም ዑረት ዝአመሰለ ነገራት ከም ብሰንኪ ሓጢአት ዝመጽእ ገሮም እዮም ዝወስድዎ ዝነበሩ፥ ንሕና እውን አብ ገለ እዋን ከቢድ ጸገም እንተ ተጓነፍነ እንታይ ሓጢአት ነሩኒ እናበልና ምስ ሓጢአት ነተሓሕዞ። አብ ወንጌል እቲ ልሙስ ሰብአይ ብናሕሲ አፍሮሶም አብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ምስ አምጽእዎ ከሕውዮ እንከሎ ዝበሎ ሓጢአትካ ተኃዲጉልካ እዩ ኢልዎ (ማቴ 9፡1~2) በዚ አብቲ እዋን አብ ድኢት ሰባት ብሰንኪ ሓጢአት ዝወርድ መቕጻዕቲ ከም ዝነበረ ንርኢ።

ንሕቶ አርድእቱ ክምልስ እንከሎ “እዚ ዑረት እዚ ሰብአይ ምስ ናቱ ይኹን ምስ ናይ ወለዱ ሓጢአት ሓንቲ ርክብ የብሉን ግብሪ አምላኽ አብኡ ምእንቲ ክግሃድ ደአ እዩ እምበር ንሱ ኾነ ወለዱ አይበደሉን” ኢልዎም። እዚ ተአምራት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሸውዓተ ተአምራታ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ዝተነግረ እዩ።

እቲ ታሪኽ ደጋጊሙ እቲ ሰብአይ ዕዉር ነበረ ይብል። ንአኡ ከምዝርኢ ምግባሩ አብ ሓዲስ ሕይወት ክምዝጅምር ምግባሩ እዩ። ንሱ አብ ሓዲስ ሕይወት ብርሃን ክአቱ እዩ። ንኢየሱስ ዘይምፍላጥ ማለተ አብ ጸልማትን አብ ዑረትን ምንባር እዩ። ብርግጽ እዚ ተአምራት እዚ “ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ” ንዝብል ዘረባ ዘረጋግጽ እዩ።

ካብ መጀምርያ እቲ ሰብአይ እምብአር ዕዉር ክርኢ ዘይክእል፥ ለማናይ ሓንቲ ዘይብሉ፥ ካብ ኩሉ ሰብ ዝተፈለ ጓና እዩ ነሩ። በቲ ዝነበሮ ጸገም ዑረት ከም ሓጢአተኛ ወይ ወዲ ሓጢአተኛ ይብሃል እዚ ኸአ ጥቕኡ ዘይቅረብ ይገብሮ። አብ መወዳእታ ግን ክርኢ ምስከአለ ተኸታል ኢየሱስ ይኸውን። ብአጠማምታ ወንጌል እዚ ናእቲ ዝተገብረ ውጽኢቱ እዩ። ሓንሳብ ንኢየሱስ ክንርእዮ ምስ ከአልና ምስኡ ንለግብ። አብ መጀመርያ ዕዉርን አብ ጸልማትን ዝነብር እዩ ነሩ፥ አብ መጨረሽታ ግን አብ ብርሃን እዩ ነሩ ምኽንያቱ ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ስለዝኾነ።

ጭቃ ገሩ ነቲ ዕዉር አሕውይዎ። አብዚ ጥፍጣፍን ጭቃን ይጥቀም። ሰባት ጥፍጣፍ ከምዘሕዊ ይአምኑ ነሮም ሓቂ ከአ እዩ። ብሕክምና ከምዝግለጽ ጥፍጣፍና ዓይነት አንቲባዮቲክ እዩ። አኽላባት ገለ እንስሳን ቁስሎም ምስ ለሓስዎ ይሓውዩ። ኢየሱስ ጭቃ ክጥቀም እንከሎ ነቲ እግዚአብሔር ንአዳምን ሔዋንን ክፈጥር እንከሉ ዝተጠቕሞ ጭቃ የዘኻኽረና። አብዚ እውን ሓዲስ ፍጥረት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ምኽንያቱ ንሱ ተቐይሩ እዩ ገለ ሰባት ከለልይዎ አይከአሉን። ኢየሱስ ሓዲስ ሰብ ገርዎ። ቅ.ጳውሎስ ንዝተጥምቁ ክርስትያን ሓደስቲ ሰባት ይብሎም። ድሕርዚ ኢየሱስ አብ ቀላይ ሰሎሆም ከይዱ ኽሕጸብ ይነግሮ። እዚ ኸአ አምሳል ጥምቀት እዩ።

ድሕሪ ምሕዋዩ አዕሩኽቱን ጎረባብቱን ብዛዕብኡ ይዛረቡ እዚ ንሱድዩ? ይብሉ። እቲ ለማናይ ዕዉር እዩ ነሩ እዚ ግን ይርኢ እዩ፥ገለ ካብኦም ንአኡ ዝመስል እዩ ክብሉ ጀሚሮም። ከለልየዎ ዘይክአሉ ንሱ ስለ ዝተቐየረ እዩ። ንሕና ክንጥመቕ እንከሎና፥ እምነትና ብሓቂ ክነብሮ ከሎና፥ብሓቂ ንቕየር። ገለሰባት ካብቶም ዝፈልጡና “ከምቲ ዝነበርካዮ የሎኻን፥ ሓደ ሰብ አይትመስልን ተቐይርካ/ኪ፥ ምስተጠመቕካ/ኪ ሕይወትካ/ኪ ካልእ ሰብ ኮንካ/ኪ ይብሉና። እዚ ኸአ እዮም ክብሉ ዘልኦም ምስ ረአዩና።

እቶም ጎረባብቱ በቲ ነገር ስለ ዘይዓገቡ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብ አብ ፈሪሳውያን አምጺሖሞ። ንሳቶም ምንጪ ሓቂ እምነት ሕጊ ስለ ዝኾኑ። ኢየሱስ እውን ጸገም ገርሎም እዩ ብሰንበት እዩ አሕውይዎ እዚ ኸአ ሕጊ ምፍራስ እዩ። ኢየሱስ ብሓቂ ናይ አምላኽ ሰብ እንተ ዝነብር ብሰንበት መዓልቲ ከምዚ አይምገበረን ይብሉ። ሕጊ ስለ ዘፍረሰ ካብ አምላኽ አይኮነን። ብኻልእ ከአ ካብ አምላኽ እንተዘይከውን ከመይ ገሩ እሞ ነዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ አሕውይዎ? ሓጢአተኛታት ግብሪ አምላኽ ክገብሩ አይክእሉን እዮም። እዚ አብ መንጎ እቶም ፈሪሳውያን ፍልልይ ፈጢሩ ምኽንያቱ አብቲ ናይ ባዕሎም መርትዖ ክሰማምዑ አይከአሉን። ስለዚ ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ጸዊዖም ከምብሓዲስ ይሓትዎ። ንሱ ደጊሙ ነቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ይነግሮም። ንአኡ እቲ መልሲ ቀሊል እዩ ነሩ፥ ኢየሱስ ነቢ እዩ። ብሰንበት ይኹን አይኹን ግብሩ ብንጹር ካብ አምላኽ እዩ።”ከምይ ኢሉ ሓደ ሓጢአተኛ ከምዚ ዝአመሰለ ነገራት ክገብር ይኽእል? እንተኾነ እቶም ፈሪሳውያን ንዘምጽኦ ትንታነ ክቕበልዎ አይከአሉን። እንተ ተቐበልዎ ንኢየሱስን ንትምህርቱን ክቕበሉ እዮም። እቲ ሰብአይ እውን ዕዉር ከምዝነበረ ክአምኑ አይከአሉን።

ፈሪሳውያን ነገሩ ከጻርዩ ንወለዲ እቲ ሰብአይ ይሓትዎም፥ እቶም ወለዲ ወዶም ዕዉር ከምዝነበረ ይፈልጡ እዮም እንተኾነ ስለ ዝፈርሑ ንአኡ ሕተትዎ ዕድሚኡ እኹል እዩ ይብሉ። ኢየሱስ መስሕ እዩ ንዝበለ ካብ ቤተ መቕደስ ይሰግዎ ስለ ዝነበሩ ፈሪሖም። ወለዱ ናይ እቶም ንኢየሱስ ዝአመኑ አባላት ክኾኑ አይደለዩን። ብዙሓት ክርስትያን አይሁድ ዝነበሩ አብተን ቀዳሞት ዘመናት እዚ ጸገም ነርዎም። ወለዱ ምስ ህዝቦም እምበር ምስቲ ንወዶም ዝተዋህበ ጸጋ ክሓብሩ አይደለዩን። በዚኸአ ነቲ ነገር አብ ወዶም ጽዒኖሞ። ንሱ በጽሒ እዩ ንርእሱ ብሓላፍነቱ ክምልስ ይኽእል እዩ እናበሉ መሊሶም።

መን እዩ እቲ ናይ ብሓቂ ዕዉር ዘሎ?

ፈሪሳውያን እንደገና ነቲ ሰብአይ ሓቂ ክነግር ይሓትዎ። “ንሕና ኢየሱስ ሓጢአትኛ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ንሱ ነዚ ነገር ክገብሮ አይክእልን እዩ” ይብልዎ። እቲ ዝርአየ ሰብ አብቲ ንሱ ዝአምኖ ጸኒዑ “አነ ሓጢአትኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን አይፈልጥን እየ አነ ዝፈልጦ አነ ዕዉር ነረ ሕጂ ግን እርኢ አሎኹ” እንደገና እንታይ ገሩልካ ይብልዎ። ንስኸአ ነጊረኩም እንተኾነ ክትሰምዑ አይደለኹምን ብድፍረት አርድእቱዶ ክትኮኑ ትደልዩ አሎኹም ይብሎም። እዚ ብሓቒ የሕርቖም እሞ ከዋርድዎ ይጅምሩ፥ ንስኻ ኢኻ ረድኡ ንሕና አርድእቲ ሙሴ ኢና፥ ኢየሱስ ካበይ ከምዝመጸ ዝፈልጥ የለን ይብልዎ እዚ ኸአ ሓቂ እዩ ቃል ካብ መጀመርታ ምስ እግዚአብሔር ነበረ። ኢየሱስ ካባይ ከምዝኾነ ብሩህ እዩ ነሩ ከምቲ እዚ ሰብአይ ዝፈለጦ፥ “ንሱ አሕውይኒ፥ ሓጢአተኛታት ነዚ ክገብሩ አይክእሉን እዮም፥ እግዚአብሔር ንሓጢአተኛታት አይሰምዕን እዩ፥ ነቶም ዘኽብርዎን ድላዩ ንዝገብሩን እዩ ዝሰምዕ፥ አብ ቅድም ሕጂ ብዕዉሩ ንዝተወልደ አሕውዩ ዝብሃል ተሰሚዑ አይፈልጥን፥ ስለዚ ኢየሱስ ካብ አምላኽ እንተዘይከውን ነዚ አይምገበሮን ነሩ”።

ፈሪሳውያን ናይ ብሓቂ ተቖጢኦም፥ አብቲ እምነቶም ሕማም ንሰብ ዝመጾ ብሰንኪ ሓጢአቱ ንዝብል ባህላዊ ርድኢቶም አብኡ ይጠብቁ። ብሓቲአት ተወሊድካ አብ ሓቲአት ዓቢኻ ይብልዎ እሞ ካብ ቤተ መቕደስ የጽእዎ።እዚ እዩ እቲ ተመክሮ ናይ ብዙሓት አይሁድ አብ ክርስትና ዝአመኑ። ብዙሓት አብ ክርስቶስ ምስ አመኑ ካብ ስድርኦም ካብ አዝማዶም ሕብረተሰቦም ተሰጒጎም።

ነቲ ሰብአይ ኢየሱስ ይረኽቦ፡

ኢየሱስ ካብ ቤተመቕደስ ከም ዝሰጎግዎ ሰሚዑ። ክደልዮ ይኸይድ እሞ ይረኽቦ፡ አብ ወድሰብ እቲ መስሕ ትአምንዶ እናበለ ይሓቶ? “ንገረኒ ንሱ መን ምኻኑ እሞ ክአምን እየ ይብሎ። እዚ ዝዛረበካ ዘሎ ንሱ እዩ ይብሎ፥ ኦ ጎይታይ እአምን እናበለ አብ ብርኩ ይወድቕ። ካብዚ ንድሓር ረድኢ ኮይኑ። ረድእ ዝብሃል ንኢየሱስ ጎይትኡን ምድኅኑን ምዃኑ ዝአምንን ዝፈልጥን እዩ። “አነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኽርእዩ፥ እቶም ዚርእዩ ኸአ ምእንቲ ኽዖሩ ኢለ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚአ መጺአ ዘሎኹ” በለ።

ካብቶም ፈሪሳውያን ንሕናኸ ዕዉራት ምዃና ዲና በልዎ? ዕዉራት እንተ ተኾኑስ ኃቲአት አይምኾነኩምን ነሩ ሕጂ ግና ንርኢ ኢና ትብሉ አሎኹም ስለዚ ኃጢአትኩም አባኻትኩም ይነብር አሎ ኢልዎም። ኢየሱስ እቶም ዝርእዩ ዘለዉ ዝመስሎም ግን ዘይርእዩ ንሳቶም ኃጢአተኛታት እዮም ይብሎም። ክልተ ዓይነት ሰብ አለዉ።


እዞም ኃጢአት ዝገብሩ እቶም ምስማዕ ዝአብዩ፥ እቶም ዕቡያት እዚኦም እቶም ናይ ብሓቂ ዕዉራት እዮም። እቶም ፈሪሳውያን ዝርእዩ ዝመስሎም ንሳቶም እቶም ናይ ብሓቂ ኃቲአተኛታት እዮም። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ንኢየሱስ ዝተቐበለ ግን ናይ ብሓቂ ዝርኢ።

ነዚ ምስ ጥምቀትና አተሓሒዝና ክንርእዮ ከሎና፡

እዚ ወንጌል ንጹር ዝኾነ ምስ ጥምቀት ዘተሓሕዝ ነገራት አልኦ። አብዚ እዋን ብዙሓት ካብ ኃጢአትና ተነሲሕና ንክርስቶስ ብሓቂ ክንርእዮ ንቀራረብ አሎና፥ ብኹሉ አብ ክርስቶስ ክንወሃሃድ ምስ ማሕበሩ ቅኑዓት አባላት ክንከውን እንሰናደወሉ ዘሎና እዋን እዩ። ከምኡ ምስ እንገብር ንኢየሱስ ክንርእዮ ክነለልዮ ክንክተሎ ንጅምር። ንኢየሱስን ወንጌልን ብዝያዳ ክንርእዮ ክንክእል አሎና። አብ ኤፈ. 5፡8~9 ንጹር ኮይኑ ንረኽቦ፡ “ቀደም አብ ጸልማት ነርኩም ኢኹም ሕጂ ግና ብጎይታ አብ ብርሃን ኢኹም ዘሎኹም፥ እምብአር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ ከመይ ፍረ ብርሃን ሠናይን ጽድቅን ሓቅን ዘበለ ነገር ኩሉ እዩ” ይብለና።

ጳውሎስ ንኹልና ዝብሎ ከምቲ ዕዉር ሰብአይ ናይ ወንጌል ንኹልና ዝውክል ንሕና እውን ዕዉራት፥ አብ ጸልማት ደርገስገስ እንብል ኢና። እንተኾነ ንሕና ብብርሃን ወንጌልን ሓዲስ ኪዳንን ኢና እንምራሕ። እዚ ብርሃን ከአ አብቲ እንጉዓዞ መገዲ እዩ ዝርአ፥ አብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ እዩ ዝርኤ፥ ማለት አብ ሓቅን አብ ቅኑዕ መገዲ ክንጉዓዝ ከሎናን። ጉዕዞ ሕይወትና ብሩህን ጸልማት ዘይጎልበቦ፥ ሕቡእ ጠባይ አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ዝሕፍር ዘይብሉ ንኻልኦት ክነግረሉ ዘየሰክፍ ክኸውን አለዎ። ነዚ ኩልና ክንጽልዮ አሎና።

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ንሎሚ ብዑምቀት ክነስተንትን ከሎና ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክንሓስብ ንኽእል፡


አምላኽ ኩልና ብፍቑር ወዱ ተመሪሕና ክንርዮ ክንሰምዖ ሎሚ ይደሊ አሎ። አብዚ ጉዕዞ ጾም ከሎና ነቲ ንፍቕሪ አምላኽን ብጻይናን ክንርኢ ከዊሉና ዘሎ ሎሚ ነለልዮ እሞ አሕውየኒ ዓይነይ ሕልናይ ክርኢ ሓግዘኒ ንበሎ።

ማርያም ቀዳመይቲ ምስጢር አምላኽ ርእያ ዝኽአለት እያ እሞ ሎሚ እውን ፍቅሪ ወድኺ መገዲ ሰማይ ርእየ ዝኽእለሉ ጸጋ ካብ ወድኺ ለምንለይ ንበላ። አምላኽ ጣዕሚ ፍቕሩ ርኢና እንኽእለሉ ጸጋ ይዓድለና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ










All the contents on this site are copyrighted ©.