2011-04-13 15:24:50

ሰንበት ዘኒቀዲሞስ 2 ሚያዝያ 2003 ዓ.ም. ( 10 April 2011)


መዝሙር፡ “ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብ ኢየሱስ ከደ ረቢ ሊቅ ንስኻ መምህር ኮንካ ካብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንሕና ብአኻ ንአምን ኢና ከም ወዲ አምበሳ በጥ ኢልካ ደቂስካ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ”።

ንባባት፡ሮሜ 8፡8~11 1ዮሓ 4፡18~ፍ፥ ግ.ሓ. 5፡34~ፍ፥ ዮሓ. 3፡1~19

ስብከትሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፥ አመ ከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፥ ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመ ሕያው። “ንልበይ ከአ ፈተንካዮ ብለይቲ ኸአ በጻሕካኒ፥ ፈተንካኒ ሓንቲ ኸአ አይረኸብካለይን፥ አፈይ ናይ ሰብ ተግባር ከይዛረብ ድላየይ እዩ”።

ሰንበት ዘኒቆዲሞስ አብ መዝሙር ናይ ዕለቱን አብ ቃል አምላኽን ተምሲሪትና ክንርእዮ ከሎና አብ ኢአሱስ ቀሪብና ብርሃኑ ክንሳተፍ፥ ከዊሉና ንዘሎ ጸልማት ቀንጢጥና ምሉእ ውህደት ምስኡ ክንፈጥር። አምላኽ ክንበጽሖ ሓቂ ክነግረና ልብና ክንከፍተሉ ድላዩ እዩ። ኒቆዲሞስ ምስ ኢየሱስ ክዛረብ ብጽሙና ክረኽቦ ኢሉ ብላይቲ አብኡ ከይዱ ይብለና ወንጌል። አብ ሕይወትና ብፍላይ መገዲ አምላኽ ስሒትናሉ አብ ዘሎና እዋን አብቲ ጸልማት ሕይወትና ክንዕድሞ እሞ ከብርሃልን አብዚ ጊዜ ጾም ጥዑም ጊዜ እዩ።

ኢየሱስ አበይ ከም ዝርከብ ክንፈልጥ አሎና። መገዱ ቦትኡ ክብምኡ አበናይ ጊዜ ክንረኽቦ ይሕሸና ክንሓስቦ አሎና። አብ ቤተክርስትያኑ አብ ከማና ዝንበሉ ሰባት ከምኡ አብ ግልዋኢ ሕይወትና ክንረኽቦ አሎና። አብ ገለ እዋን ኩነታትና ዘሎናዮ ዓይነት ሕይወት ገለ እዋን ከአ ሓላፍነትና አውሪድና ከም ዘይክርስትያን ሕይወትና ክንመርሕ ከሎና ክንረኽቦ የጸግመና።

ኒቀዲሞስ ብዝነበሮ ሓላፍነትን ክብርን ሰብ እናረአዮ ንኢየሱስ ክረክብ አጸጊምዎ ነሩ። እንተኾነ ክረኽቦ ኢሉ ዝክአሎ ይገብር ነሩ። ምስ ረኸቦ አየቋረጸን ክሳብ አብ ሞቱን ቀብሩን ከም ዝተሓወሰ ወንጌል ይነግረና። ናይ ሎሚ ወንጌል ዮውሓንስ አብቲ ነልአዛር ካብ ሙታን ዘተንስኦ መሰረት ጌርና ትንሳኤ ነፍስወከፍና ክንሓስብ የዘኻኽረና። ካብ ሞት ሓጢአት ክንትንሥእ እሞ አብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ቦታ ክንመጽእ ይግባእ። ንኸዊሉና ዘሎ ጸልማት ክንቅንጥጦ ሎሚ እዋኑ እዩ።

አብ ሕይወትና ሓደ እንፈትዎ ወላዲና ቤተሰብና ምስ ሞተና ብርቱዕ ንጉሂ ምኽንያቱ ድሕሪ ሞቱ ዓለምና ትቕየር ካልእ መልክዕ ትለብስ ብዙሕ ይጎድለና። ሞት ናይ ሓደ ቤተሰብና ምስ አጋጠመ ቀልጢፉ አብ ልብና ዝመጽእ እቲ ጽቡቕ ናቱ ይርአየና። አብ ገለ በዲልናዮ እንተኾና ብፍላይ ብርቱዕ ጣዕሳ ንገብር። ብሕይወቱ እንከሎ ክንገብረሉ ዝግብአና ከይገበርናሉ እንተ ሞቱ ብሓቂ ከቢድ ቁስሊ እዩ ዝሓድገልና። ክመውት ዝቐረበ ሰብ ክዛረብ እንከሎ እንተ ሰማዕና ንሱ/ንሳ ክጥዓሱ ከምኡ ቤተሰብ ደጊም ተወዲኡ እዩ እቕረ ተበሃሃሉ ይብሃል ደጊም ሞት መጺአ እያ ተቐረብ ይኸውን። እዋን ሞት እዋን ዕርቂ ምሕረት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ እንግልዛዊት ሰበይቲ ሲሞኔ ደ ቤቭዩር እትብሃል “ቀሊል ሞት” አብ ዝብል ንእሽቶይ መጽሓፍ አብ ዝጸሓፈቶ ብዛዕባ አብ መንጎ አዲአን አብ ሞንግአን ዝነበረ ብርቱዕ ጽልኢ አብ ምወዳእታ አብ አፍደገ ሞት እንከላ አዲአ አብ ዕርቂ ከምዝተለወጠ ትነግር። ንብዙሕ እዋን ካብ ንእስነተይ ዝነበረና ጽልእን ናይ ጠባይ ፍልልይን ብሓንሳብ ክከውን አየፍቅድን ነሩ ትብል። እንተኾነ አብ እዋን ሞታ እቲ ኩሉ ቃላታን ከቢድ ጠባያን አብ ጊዜ ሞታ ኩሉ ተቐይሩ። አብ መንጎ ክልቲኤን ክህልዎ ዝነበረ ርክብ አብ መወዳእታ አብ አፍደገ ሞት ተረኺቡ። እንትኾነ ወላ እዃ ደንጉዩ ይምጻእ እምበር ንዕርቀን ንሕድገትን ክዓግቶ አይከአለን ኩሉ ተቐይሩ ሓዲስ ፍቕርን ርክብን ተጀሚሩ ። እዘን ናይ መወዳእታ እዋናት ነደን ጓልን ናይ ዕርቅን ሕድገትን እዋን ኮይንነን። አብ ሓዲስ ሕይወት አትየን። እቲ መይቱ ዝነበረ ርክብ አብ ሓዲስ ሕይወት ተመሊሱ። ነገራት ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ክንጽበዮ የብልናን ብእዋኑ ክንአልዮ ብግሩህ መንፈስ ክንቀራረብ ጽቡቕ እዩ። ርክብ ምስ ሰባት እሞ መቕርብና ክነቋርጽ እንከሎና ከቢድ እዩ እዚ ነቲ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክነቋርጽ እንከሎና ዘስዕቦ ስቓይን መንፈሳዊ ሞትን የዘኻኽረና።

ንምዉት ናብ ሕይወት ምጽውዑ፡

አብ ወንጌል ንሎሚ ዝተነበና ሞት አልአዛር ነቶም መቕርቡ ክንደይ ከቢድ ከምዝነበረ ብፍላይ ንክልተ አሕቱ ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝነበረ ከምኡ አዝማድን ፈተውትን አብ ሓዘነን ተኻፈልቲ ከም ዝነበሩ ነንብብ። ኢየሱስ ክምጸእ እንከሎ አልአዛር ድሮ መይቱ ነሩ። ማርታ ልኢኻትሉ ብዘይምምጽኡ እና አጉሃያ ብሕርቃን “ጎይታይ አብዚ ነርካ እንተ ትኸውንሲ ኃወይ አይምሞተን ነሩ” ትብሎ ተስፋ ቁርጸት ብዝለበሰ አዘራርባ። እንተኾነ ኢየሱስ አብኡ ዘይምንባሩ ነቱ ዮውሓንስ ዝነግሮ ታሪኽ ዓቢ ተራ ነርዎ። ዮሓንስ ካብ መጀመርታ ከምዝበሎ ብሞት አልአዛር ወዲ ሰብ ክኸብር እዩ ይብል። ከምቲ አብ ዝሓለፈ ሰንበት ነቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብ ብርሃን ኮይኑ ዘብርሃሉ ሞት አልአዛር ከአ ኢየሱስ ሕይወት ከም ዝኾነ ክግለጽ እዩ።

ዮውሓንስ ወንጌላዊ ነቲ አብ መጀመርያ ወንጌሉ ዝናተናገሮ ዓቢ ሓቂ አብዚ የብርሃልና። “ሕይወት አብኡ ነበረት እታ ሕይወት ከአ ብርሃን ሰብ ነበረት ብርሃንውን አብ ጸልማት የብርህ ጸልማት ከአ አይሰዓሮን” (ዮሓ. 1፡4~5) ንዝብል አብዚ ንሱ ናይ ሕይወት ምንጪ ከምዝኾነ ይነግረና። ንማርታ ሓውኪ ክትንሥእ እዩ ክብላ እንከሎ ሕጂ ክትንሥእዩ ማለቱ እዩ። “አነ ትንሣኤን ሕይወትን እየ” ናይ ሞትን መቓብርን ጸልማት ንኢየሱስ አይከጸልምቶን እዩ፥ ሞት ዘካርያስ ኢየሱስ ደንጉዩ ብምምጽኡ ካብቲ ናብ ሕይወት ከምጽኦ ዝገብሮ ዘምጽኦ ጸገም የብሉን። ብዓቢ ድምጺ እናጸውዔ ነቲ ምዉት “አልአዛር ትንስእ!ውጻእ!ይብሎ።

እቲ ዝዓበየ ተአምራት አልአዛር እቲ ሬሳ ንቃል ኢየሱስ ምስምዑን ምእዛዙን እዩ። ንድምጺ ወድሰብ ስለ ዝሰምዔ ከምብሓድስ ክነብር ይጅምር። እቲ ዓቢ ነቢያዊ ቃል ኢየሱስ ክፍጸም ይርአ፡ “እቶም ምዉታት ድምፂ ወዲ አምላኽ ዝሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ አላንሳ ኸአ ሕጂ እያእቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብሕይወት ከም ዝነብሩ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” (5፡25)።

አልአዛር ክብ መቓብር ክትንስእ እንከሎ ናይ ሬሳ ጨርቂ እዩ ተኸዲኑ ዝነበረ ጌን ተጠቕሊሉ እዩ ነሩ። ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ከምዚ ይብሎም “ ነዚ እምኒ አልዕልዎ. . . ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ኅደግዎ” ይብሎም። እቶም ህዝቢ ኢየሱስ ዝበሎም ስለ ዝገበሩ አብ ምፍታሕ አልአዛርን አብ ሓዲስ ሕይወት ክአቱን እጃሞም አበርከቱ።

ናታትና ግደኸ!

ናይ አልአዛር ካብ ሞት ምትንሣእ ዝገልጾ ዓቢ ሓቂ እንተሎ ኢየሱስ ጎይታ ሕይወት ምዃኑ እዩ። ንሱ ካብ መቓብርና ክጽውዓና ክእለት አለዎ። ንክርስትያን ሕይወት ዝጅምሮ ወላ እውን እንተ ሞትና ንቃል እግዚአብሔር እንተሰማዕናን እንተ ተአዘዝናን እዩ። አብ ተምክሮ ከም እንርእዮ ክንትንስእ ምእንቲ ብሥጋና ክንመውት ግድነት አይኮነን። ብሕይወትና እንከሎና ክንመውት ክንከውን ንኽእል ኢና እዚ ኸአ አብ ቃልን አብ ማሕበርን ተስፋ ብምግባር እዩ።

ድምፂ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ይጽውዓና ምኽንያቱ ንመቓብር ናይ ኩሉ ጊዜ ገዛና ከይንገብሮ። ከምኡ እውን ናይ አሕዋትና ሓላፍነት ከምእንለብስ ይገብረና ከም አልአዛር ዝተሓገዞ ካብ ዘለውዎ መቓብር ክወጹ ክንሕግዞም። ኢየሱስ ብነፍሲ ወከፍና ገሩ ንብዙሓት ካብ ጸልማት ሕልናን ግብርን ክፍትሑ ክልእከና ድላዩ እዩ፥ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ንሕና መታዓይይቲ አምላኽ ኢና። ሓደ ሓውና ወይ ሓፍትና ብሕይወት ተቐቢሮም እንተ ረኤና ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ከም ግለሰባትን ከም ማሕበርን ክንገብር ይግባእ። ክንጽውዖምን ነጻ ከምዝኾኑ ክንገብሮም ይግባእ። ኢየሱስ ነልአዛር ጥራሕ አይኮነን ጸዊዑ ንነፍስወከፍና እውን ይጽውዕ አሎ። “ካብ ዘሎኻዮ ድነ ሞት ውጻእ፥ ነጻ ኩን ካብ ማእሰርቲ፥ ካብ ማእሰትሪ ሞት ተፈቲሕካ አብ ኩሉ ኪድ፥ነቲ ብፈቃር አምላኽ ዝተዋህበካ ሕይወት ብምሉእ ንበሮ ይብለና። ድቂ ትንሣኤ ስለ ዝኾነ አብ ኩሉ ዝገጥም ጸገማት መስከርቲ ትንሣኤን ሕይወትን ክንከውን ትሑዛት ኢና። ወዲ ክርስቶስ ሓዉ ሃፍቱ ብድነ ሞት እናተሳቐየ ጓይላ አይከይድን እዩ እዚ ባሕሪ ክርስትና አይኮናን። ዝተንሥኤ ክርስቶስ ሎሚ እውን ነቲ ንሰባት ብኹል ዝሕድስ፥ ካብ ኩሉ ሓጢአት ምሕረት ዘምጽእ ጸጋ አምላክ አብ ግላውን ሓበራውን ፅህወትና ክነምጽኦ ይደልየና።

ከምቲ ንአልአዛር ናብ ሕይወት ዝጸውዖ ንነፍስወከፍና ንሕይወት ክጽውዓና ነቲ አሲሩና ዘሎ ማእሰርቲ ሰይጣን ክንፈትሖ በዚ ቅዱስ እዋን መገዲ ቅድስና ክንሕዝ ንአምላኽ መጺኤ አሎኹ ፍትሓኒ ክንብሎ አፍደገ ድሕነት ይኸፍተልና አሎ። ንኹሉ ነቲ ከይነፍቅርን ከይንፍቀርን ዝዓግተና ኩሉ ክንሓድጎ እሞ ብክርስቶስ አብ ሓዲስ ሕይወት ክንአቱ። ነቲ ከም ናእዚ ጾምና ቁርጽፍቓድ ገርና እንተ ተጎዓዝና ብምዓልቲ ፋሲኻ ትንሣኤ አይክገርመናን እዩ።

ጾምና ፍረ ክህልዎ ነዚ ዝስዕብ አብ ልብና ክንኅድር ይግብአና፡


ኢየሱስ ነልአዛር ካብ ሞት ካብ መቓብር አተንሢእዎ ሓዲስ ሕይወት አልቢስዎ ሎሚ ንአይን ንአኹም ሓዲስ ሕይወት ከልብሰና ይጽውዓና አሎ፥ ከምቲ አልአዛር አብ ምቓብር ማይቱ ከሎ ዝሰምዖ እሞ ዝተንሥኤ እስከ ሎሚ ሰሚዕና ክንሕደስ ንስምዓዮ።

ማርያም ንክርስቶስ ምስ ወለደት ሕይወትና ርክብና ምስ አምላኽ ሓዲሳቶ ሎሚ አብዚ ጊዜ ጾም ብኹሉ ክሕደስ ምስ ወዳ ክንውሃሃድ ክትሕግዘና ጠበቓና ኩኒ ንበላ። አምላኽ ብማርያም ዝመጾ ይሰምዕ እዩ እሞ ደፊርና አብ ቤት ወድኺ ክንአቱ ናይ ኩሉ ክፍአትና ሕድገት አውህብና ንበላ።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ










All the contents on this site are copyrighted ©.