2011-04-13 15:32:33

ሓቀኛ ጸሎት


(ሓጺር አስተንትኖ ምስ አምላኽ ክንገብሮ ዝግብአና ርክብ)

ንባባት፡ ሆሴዕ 6፡1~6። ሉቃ 18፡9~14

ከመይ ገርካ እዩ ዝጽለ፥ አብ ወንጌል ሓዋርያት ሓደ መዓልቲ ንኢየሱስ ጸሎት ምሃረና ኢሎሞ፥ ጸሎት ምሂርዎም (ሉቃ 11፡1~2)። ብዙሓት መማህራን አብ ብሉይ ኪዳን ንተኸተልቶም ጸሎት የምህሩ ነሮም ዮሓንስ መጥምቕ ከም ዝመሃረ አብ ወንጌል ንረኽቦ። ጸሎት ከመይ ገርካ እንተ ገበርካዮ እዩ መልሲ ካብ አምላኽ ዘምጽእ። ብዙሓት ጸሎትና አይተሰምዔን አምላኽ አይፈትወንን እዩ ገለ እውን ደፊሮም እንተ ዘይጸለኻ ይሓይሽ ዝብሉ አለዉ። ግን ጸሎትና ከመይ እንተኾነ እዩ አምላኽ ዝሰምዖ። ምአስ ክንጽሊ ይግብአና። ጸሎት ምስ አምላኽ ምርኻብ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ ይግብአና። “ጸሎት ዝገብር ንአምላኽ ይፍልጦ” ቅ. አጎስጢኖስ። ምስ አምላኽ ዕላል ክንለምድ እሞ ዕላልና ከምቲ አምላኽና ዝደልዮ ዕላልል ክንገብሮ ይግብአና። ጸሎትና ናቱ መልክዕና ክንኽተሎ ዝግብኦ አገባብን አልኦ። ነዚ አብዚ ዘሎና ንባባት ተመርኲስና ክንገብሮ ከሎና ብሓቂ ንአምላኽ ክነስምዖ ንኽእል ኢና።

ክልቲኡ ንባባትና ጸሎትና ክሕዞ ዝግባእ አገባብ ይነግሩና።

ሀ. ሆሴዕ ነብይ፡

ብ721 ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ሰማርያ ቕድሚ ምውዳቓ ድኅሪ ነቢይ አሞጽ አብ ሰመናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝሰብኽ ዝነበረ እዩ። ንሱ ዝነበሮ እዋን ዘመን ህውከት እዩ ነሩ። ህዝቢ አምልኾ አምላኽ ሓዲጉ አብ አምልኾ ጣዖት ዘንቢሉ እቶም ዘምልኹ ዝነበሩ እውን ንቀለዓለም እምበር ሓቀኛ እምነት አይነበሮምን ሆሴዕ ነዚኦም ከምዚ ዝበሉ ህዝቢ እዩ ሰቢኹ። ብዛዕባ ምጉዳል እምነት ክሰብኽ እንከሎ ነቲ ምስ ሓንቲ አመንዝራ ዝገበሮ መርዓ ምስላ ገሩ ይገልጾ። ከምቲ ጎሜር ሰበይቱ ዝጠለመቶ ከምኡ ድማ ሕዝቢ ንአምላኽ ከም ዝኸሓድዎ ይገልጽ። ብሰንኪ እዚ ክሕደት ከአ አብ እስራኤል ፍርዲ አምላኽ ክመጽእ እዩ ይብል። ግናኸ አብ መወዳእታ ምሕረት እግዚአብሔር ይዓዝዝ እሞ ንህዝቡ አብኡ ይመልሶም ነቲ አብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበሮ ርክብ ከአ የሓድሶ። ህዝቢ ንአምላኽ ተዛሪቡ ክኽእል ይነግር። ንአምላኽ ምዝራብ ስለ ዝሓደጉ አብ ጸገም ወሪዶም ስለዚ ብሓቂ ምስ አምላኽ ክዛረብ አብ ስብከቱ ይነግሮም።

አብ ምዕራፍ 6 ንእግዚአብሔር ክንልምን ከሎና ክንክተሎ ዝግብአና አገባብ ይነግረና። አብዚ ኤፍራታ ( ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል)፥ ይሁዳ ( ደቡባዊ መንግስቲ እስራኤል) ብድኹም እምነቶምን አብቲ ዘቕርብዎ መስዋዕቲ ጥራሕ ብምእማኖም ይውቀሱ። ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብቲ ብዛዕባ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክዛረብ እንከሎ“እግዚአብሔር ሓቀኛ አገልግሎት ይደሊ” ይብል። ሆሴዕ ናይ ንስሓ ጸሎት በቲ ህዝቢ ከም ዝተደግመ ገሩ የቕርቦ እዚ ኸአ አምላኽ ስለ ዝሓደገና ተቐጻዕና ዝብል እዩ። አብነነድሕዶም ከአ አብ አምላኽ ንመለስ ይብሉ እንተኾነ ምምላሶም ንቐለዓለም እዩ ነሩ፥ ሓቀኛ ንስሓ አይነበረን።

አብ አምላኽ ንመለስ መጸዋዕታ እዩ ነሩ እንተኾነ ሓቅነት ይጎድሎ ነሩ። እቲ ህዝቢ እግዚአብሔር ብጽኑዕ ከምዝሓዞም ገሮም የግሮምርሙ። እንተኾነ አምላኽ ተመሊሱ ከምዘድሕኖም ርግጸኛታት እዮም ነሮም። አብዚ ገለ ሊቃውንቲ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘመልክት አልኦ ዝብሉ አለው። “እግዚአብሔር ሰላልዓና እንተኾነ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክሕድሰና እዩ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ከተንሥአና እዩ . . . “ ይብል። ከም ዝናም ክመጽአና እዩ፥ እቲ ህዝቢ አምላኽ ከም ዝመጾም ከም ዝሕድሶም ርግጸኛታት ነሮም፥ ቁጥዓ አምላኽ ክሓልፍ እዩ።

ምኽንያት ናይ አምላኽ ምጭካን ምስኡ ዘለዎም ርክብ አፍአዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ፍቕሮም ከም ደመና ንግሆ ከም አስሓይታ ቀልጢፉ ዝጠፍእ እዩ ነሩ። እግዚአብሔር ናይ እቲ ጥርሑ ዝኾነ ልቦም ይርኢ። አብ ጸሎቶም ብርቱዕ ቃላት ንስሓ ዝሓዘለ ዝመስል አሎ እንተኾነ ግብሮም ሓንቲ ሓቂ ዘይብሉ እዩ። “ብነብያት ገረ ዝቖርጽ ቃላት ጥፍአት ለአኽኩልኩም ፍርደይ ከም ብርሃን ወጋሕታ አብ ልዕለኹም ከውድቕ እዩ፥ ካብ መስዋዕቲ ክተቕርቡለይሲ ምሕረት ክትገብሩ እፈቱ፥ ካብ ዝሓርር መስዋዕቲ ኸተቕርቡለይ አምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ እፈቱ”( 6፡5~6) ይብል።

እግዚአብሔር ብንጹር ይዛረብ፡ “እምነት ዘለዎ ፍቕሩ እዩ ዘሓጉሰኒ እምበር መስዋዕቲ አይኮነን፥ ፍልጠት አምላኽ እምበር ዝሓርር መስዋዕቲ አየድልየንን። ስለዚ እግዚአብሔር ካብኦም ዝደልዮ ሓቀኛ ፍቕሪ አብ ግብሪ ዝተመስረተ እምበር ጥርሑ ዝኾነ ስርዓት አይፈቱን፥ አፍልጦ አምላኽ አብ ሓቀኛ ርክብ ዝተመስረተ እምበር ብቓለት ዝተሰነየ አምላኾ አይፈቱን።

አብዚ እዋን ጸሎትን ንስሓ ዘሎናሉ እዋን እግዚአብሔር ምስኡ ሓቀኛ ርክብ ክንምህዝ ይደልየና አብ መንጎናን አብ መንጉኡን ዘሎ ፍልልይ ክነጽብቦ ሎሚ እዋኑ እዩ። ብደገ ክርስትያን ብግብርና ግን አረመን እንተኾና ቁጥዓ አምላኽ ከይወርደና ክንምለስ አሎና። ሆሴዕ ነብይ ሎሚ እውን ናይ ዘመና ነብይ እዩ ኩሉ ዝበሎ ሎሚ እውን ንነፍስወክፍና ከስምዕ ይኽእል እዩ።

ለ. ሉቃስ፡ብዛዕባ ጸሎት ፈሪሳውን መጸበሓውን ይነግረና።

ቅድሚ አብ ትርጉም ወንጌል ምእታውና ንአስተንትኖና ዝሕግዝ ጠቓሚ ታሪኽ ጋንዲ ክንርኢ። ጋንዲ አብ ህንዲ ዓቢ መንፈሳውን ሃገራውን መራሒ ዝነበረ በቲ ዝኽተሎ ዝነበረ መንፈሳዊ እምነቱን አማሕዳድራኡን አተሓሳስብኡን ንዓለም ካብ ዝሃንጹ መራሕቲ ሓደ እዩ። አብቲ ንሃገሩ ህንዲ ካብ ግዝአት እንግሊዛውያን ነጻ ከውጽእ ዝገደዶ ሓደ አብ ደቡብ አፍሪቃ ሕጊ አጽኒዑ ነቲ ዘጽንዖ አብ ተግባር ክርእዮ እንከሎ አብ መንጎ ሰባት ዝርኤ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ፍልልይ ዓለትን ግፍዕን ርእዩ ብሰላማዊ ብዘይጎነጽ ክቋወምዎ ክጉስጉስ ጀሚሩ። ንሱ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ጋንታ አይነበሮን፥ እምነት ምንቅስቓሱ አብቲ ዝነበሮ ሞራልን መንፈሳዊ ሓላፍነትን እዩ ነሩ። ሓደ ካብቲ አብ አእምርኡ ኩሉ ጊዜ ተቐሪጹ ዝደፍኦ ዝነበረ ሓደ መዓልቲ ጽዓዱ እንግሊዛውያን ብጽርግያ ክሓልፉ እንከለዉ ንሱ ብአኡ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ እቲ አየር ከይብከል ንሱ አብ ቡንቱ ክአቱ ክሳብ ዝሓልፉ ተገዲዱ። ሓደ እዋን አብዚ ዝገጠሞ ከስተንትን እንከሎ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፡ “ሓደ ነገር ኩሉ ጊዜ ከም ምስጢር ኮይኑ ዝርአየኒ አሎ ሰባት ከመይ ገሮም እዮም ንሰባት ንኸምኦም ዝአመሰሉ ብምሕሳሮም ዝኸበሩ ኮይኖም ስዝምዖም” እናበለ ጽሒፉ።

ነዚ ክብል እንከሎ ብሕርቃን ተደፊኡ ዘይኮነ ብምድናቕ እዩ ኢልዎ። አብ ሃገሩ ምስተመልሰ ነቲ ዘጽንዖ ሕጊ ገዲፉ “ሳትያራሃ” ዝብል ዘይጎነጽ ሓይሊ ካብ ሓቅን ፍቕርን ዝርከብ ክኽተል ጀሚሩ። ጋንዲ ሓቂ ናይ ባዕላ ሓይሊ ከምዘለዋ ክርኢ ክኢሉ። ወላ እኳ ንናይ እንግሊዛውያን መግዛእቲ ብሰላማዊ መገዲ ብምቅዋም አርባዕተ ጊዜ አብ ቤት ማእሰርቲ ይእቶ ናይ ዝኽተሎ ዝነበረ ሓቅነት ተጠራጢሩ አይፈልጥን። እዚአ ንእሽቶይ ነጥቢ አብቲ ብጸዓዱ እንግሊዛውያን ዝምርሑ ዝነበሩ ስልጣን ናብቶም በቲ እዋን 400 ሚልዮን ዝነበሩ ህንዳውያን ከም እትመሓላለፍ ገሩ። ሰባት ነቲ አምላኽ ዝብሎምን ዝሃቦምን እንተ ሰሚዖም ንዝኾነ ነገር ክቕይሩ ከምዝኽእሉ አብ ግብሪ አርእዩና። እቲ ጸጊሙ ዘሎ ሰብ ቦታ አምላኽ ሒዙ በቲ ንሱ ዝደልዮ ንኸምኡ ዝበለ ሰብ ክመርሕ ምድላዩ እዩ። እቲ ዝኸፍአ እቲ ንሱ ዝመርሖ መገዲ መገዲ ጸጋም ምዃኑ እና ፈለጠ ንኻልእ ሰብ አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክምራሕ ምድላዩ ወይ ምግዳዱ እዩ። ካብ ከምዝን ካልእን ምስትውዓል ገርና ንአምላኽ ዝደልዮ ጽን ክንብል ጋንዲ አብነት ኩሉ እዩ። ንአምላኽ ጽን ኢሉ ዝኸአለ አብ መጭረሽታ ዓወት ናቱ እዩ።

ከምቲ ሆሴዕ ነቢ ዝበሎ ጋንዲ እምነቱ አብ አምላኽ እምበር አብ ትሕቲ ገዛእቲ አይገበርነ፥ አብቲ ንድኻታት ዝሕግዝ ዝሰምዕ ገሩ። ናብቲ ዝነበሮ እምነት አብ ፍትሕን ሓቅን ብምጽንዑ ናይ ኩሉ አብ ሓቂ ተመስሪቱ ዝቃለስ አብነት ኮይኑ “ናይ ሕያዋይ ሰብ ጸሎት ከም ኲናት ንደመና ይስንጥቖ፥ ክሳብ አብ አምላኽ ዝበጽሕ ከአ ንሱ ዓቕሚ የብሉን ጸሎቱ እውን ክሳብ እቲ ልዑል መልሲ ዝህቦ ጠጠው አይብልን እዩ”።

አብ ወንጌል ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ እቶም ብትዕቢት ንነፍሶም ዘልዕሉ ንኻልኦት ግን ዝጸልኡ ተዛሪብዎም። ንኻልኦት ብምንአስ ንነፍሶም የልዕሉ። ሰማዕቱ ብዛዕባ እዞም ክልተ አብ ቤተመቕደስ ክጽልዩ ዝከዱ ምስ ነገሮም ሰንቢዶም። እቲ ሓደ ሕያዋይ ሰብ እቲ ሓደ ግን ዘይቅኑዕ ሕይወት ዝኽተል እዩ ነሩ። እቲ ሓደ አብ እምነቱ ስሩዕ መገዲ ዝኽተል ነሩ እቲ ሓደ ግን አብ ግቦን ምጥፍፋእን ዝነብር ዝነበረ እዩ። መኽፈልቲ ቀረጽ ንጋዛእቲ ሮማውያን ይሰርሑ ስለ ዝነበሩን ካብቲ ዘኽፍልዎ ምጥፍፋእ ይገብሩ ስለ ዝነበሩ ከም ሓጢአትኛታት እዮም ዝቑጸሩ ነሮም። እዞም ክልተ ሓደ ሕያዋይ ሓደ ክአ ክፉእ ሰብ ጸሎት ክገብሩ አብ ቤተ መቕደስ ከይዶም። እንተኾነ ሓደ ጥራሕ ጸልዩ ተመሊሱ።

እቲ ፈሪሳዊ ጸሎቱ አብ ርእሱ ዘተኮረ እዩ ነሩ። አብቲ ጸሎቱ እንተ አስተውዓልና እቲ ጸሎት አብቲ ንሱ ዝገበሮ እሞ ንዝገበሮ ጸብጻብ ከምዝህብ ገሩ የቕርቦ። ወላ እኳ ንሱ መን ምዃኑ ርግጸኛ አይኹን እምበር ንአምላኽ ከም ካልኦት ዘይገበሮ የመስግን። ንርእሱ ምስቲ መኽፈሊ ቀረጽ አብ አፍደገ ዘሎ እና አወዳደረ ንነፍሱ ይገልጽ። ንሱ አብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ይጸውም ካብ እቶቱ ዕሽር ንድኻታት ይህብ። እዚ ኹሉ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ነገር እዩ። ኩልና ክርስትያን አብ ዓለም ከምዚ እንተ ንገብር ኩሉ መተቐየረ። እንተኾነ እዚ ፈሪሳዊ ነዚ ኹሉ እናሃበ ንርእሱ ግን ክህብ አይከአለን። ውሽታዊ ኩነታቱ ምስጢር እዩ።

እቲ አኽፋሊ ቀረጽ ብርሑቕ አብቲ ቀጽሪ ደው ኢሉ ብማዕዶ ይጽሊ። ሓንቲ እዚ ገረ ኢሉ ዓመታዊ ጸብጻብ የብሉን፥ እታዊታቱ ካብቲ ካብ ህዝቡን ካብ ድኻታትን ከይተረፈ ሰሪቑ ዘትረፎ እዩ። ብዛዕባ ርእሱ ሓቂ ይዛረብ፡ “ ኦ አምላኸይ ንአይ ንኃጥእ ምሓረኒ” እናበለ ጸለዩ። ብኽፍአቱ እናተአመነ ብውሽጡ ብኃጢአቱ እና ተነስሐ ምሕረት አምላኽ ይልምን። አፍልቡ ይወቅዕ ነሩ እምበር ነቲ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ይነግር አይነበረን፥ ንሱ ነቲ ሓቂ ንሱ መንምዃኑ ይፈልጥ ነሩ በዚ ከአ ኩልንትናኡ ኩሉ አብ ኢድ አምላኽ ገሩ ይዛረብ ነሩ። ንአምላኽ ዘቕርበሉ ነገር አይነብሮን ዘቕርበሉ ነገር እንተሎ ኩሉ ዝገበሮ ክፉእን ውዱቕ ሕይወቱን እዩ። እዚ እዩ ናቱ። ካብ ርእሱ አይወጽእን እዩ ንርእሱ መን ምኻኑ የለሊ ናይ ሕይወቱ ሓቂ ይፈልጥ እሞ አብ አምላኽ ተስፋ ይገብር አምላኽ ንኹሉ ብምሕረቱ ርእዩ ክቕበሎ ብተስፋ ይጽሊ። ንኹሉ ኃጢአቱ ሓላፍነት ለቢሱ ይቐርብ። ውሽታዊ ኩነታት ቅሉዕ እዩ።

ኢየሱስ አብቶም ሰማዕቱ ይምለስ እሞ ናይ እቲ ዝነገሮ ምሳሌ ትርጉም ይገልጽ፥ “እቶም ኩሎም ንኻልኦት ብምጽልእ ንርእሶም ዘልዕሉ” ኢሉ ክዛረብ ምስ ጀመረ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ተኸተልቶምን ሰንቢዶም። እቲ አኽፋሊ ቀረጽ ጸዲቑ ተመሊሱ እቲ ፈሪሳዊ ግን አይጸደቐን። እቲ አኽፋሊ ቀረጽ ካብቲ ዝሓተቶ ንላዕሊ ረኺቡ ተመሊሱ፥ ንምሕረት ዝሓተተ ጸዲቑ ተመሊሱ። ከም ፍርዲ ኢየሱስ ኩሉ ነገር ብአንጻር ኮይኑ ተመሊሱ። ናይ እቲ መኽፈል ቀረጽ ጸሎት ደመና ወጊኡ። ናይ እቲ ፈሪሳዊ ጸሎት አብ ዓላማኡ በጹሑ ንሱ ኸአ አብ ርእሱ ተመሊሱ። አብ አምላኽ አይበጽሐን።

አብ ወንጌል ኢየሱስ ከም ዓርኪ መጸብሓንን ኃጢአተኛታትን እዩ ዝርአ ዝነበረ። ኢየሱስ ንኃጢአቶም አይ ኮነን ዝሕዝ ንዓለሞም ብምቕያር አብ ምሕረት አምላኽን አብ ንስሓ ነፍሶም ከም ዝምለሱ ይገብሮም። ዓመታት ቅድሚ ጋንዲ ብሰባት ቅድሚ ምውራዱን ምንዓቑን ኢየሱስ ተናዒቑን ተዋሪዱን። ኃጥአን ንኢየሱስ ኃጥአን ጥራሕ አይኮኑን እንታይ ድአ ፍቑራት ኃጥአን እዮም። ካብቲ ክፉእ ግብሮም ኩሉ ጊዜ ዝገበርዎ ዝነበሩ ዓምጽን ጭቁናን ክወርዶም ዝነበሮ ንላዕሊ ምሕረትን ጽድቅን ክረኽቡ ምእንቲ ይቐርቦም።

ጸሎትና ኩሉ ጊዜ መግለጺ ናይ እቲ አብ አምላኽ ዘሎና ፍጹም እምነት ክኸውን አለዎ። ካብቲ ንሱ ዝሃበና ወጻኢ ንሕና ሓንቲ እንህቦ የብልና። ኩሉ ዘሎና ናቱ እዩ። ናታትና ግደ ካብቲ ኩሉ ጊዜ ዘውርደላና ህያባቱ ብወገና ካብኡ ክንመልሰሉ። ኩሉ ጊዜ ንሕና አብ ዕድኡ ኢና ዘሎና ማለት ኩሉ ጊዜ ንአምላኽ ክንከፍሎ ዝግብአና ዕዳ አሎና። ዕዳና ኸአ ተመስገን ኢልና ምኽአል እዩ።

ብአብዝሖ ጸሎት አይኮነን ጽድቂ ዝመጽእ ብልብና ምስ አምላኽ ተዛሪብና እንተ ኸአልና እዩ። ማርያም ሓደ ካብ ኩልና ዝፈልያ ጸልያ ትኽእልን ነራ አምላኽ ዝብሎ ትሰምዕ ነራ። ንብሕታ ክዛረባ ንአምላኽ ጊዜ ትህቦ ነራ ንሱ ኸአ ይሰምዓ ነሩ። ሎሚ ንነፍስወከፍና ወዳ ዝብሎ ክንሰምዕ ምስኡ ክንዛረብ ንዝብለና መምርሒ ሕይወትና ገርና አብ ጽድቂ ክንአቱ ለምንልና ንበላ።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.