2011-04-12 13:31:46

ኤውሮጳ፣ ሓባራዊ መፍትሒ ዘይረኸበ ጉዳይ ስደተይናታት


በቲ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተባርዔ ሕዝባዊ ናዕቢ መሠረት ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ዘለዎ ስደተይናታት ብዝሖም ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ሕጂ እውን ናብ ደቡባዊ ከባቢ ኢጣሊያ ናብ እትርከብ ደሴት ላምፔዱዛ ጸኣት ስደተይናታት ይቕጽል ከምዘሎን ኣብዚ እዋን’ዚ 1,500 ስደተይናታት RealAudioMP3 ኣብታ ደሴት ከምዝርከቡ ይንገር። ኢጣሊያ ነዚ ናይ ስደተይናታት ጸኣት ንምቁጽጻርን መፍትሒ ንኽረክብ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ዓቢይ ተራ ክጻወት ከምዘለዎ ብምሕስሳብ ብፍላይ እቲ ነቶም ስደተይናታት ናይ ኢጣሊያ መንግሥቲ ዝህቦ ዘሎ ጊዚያዊ ናይ መንበሪ ፈቓድ በቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሸንገን ስምምዕ መሠረት ኣብ መላእ ኅብረት ኤውሮጳ ዘንቀሳቕሶም ክኸውን ኣለዎ ከምዝበለ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ሮበርቶ ማሮኒ ብዛዕባ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ሉሰምበርግ ናብ ዝመያየጥ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ብሓቂ ኅብረት ኤውሮጳ ሓድነትን ምትሕብባርን ማለት ወይ ከኣ ተራ መልክኣ ምድራዊ ቅርጺ መግለጺ ጥራሕ ማለት ምዃኑ” እንርዳኣሉ መድረኽ ኢዩ ከምዝብሉ እንክፍለጥ፣ ቅድሚ ትማሊ ናይ ኅበረት ኤውሮጳ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ድርገት ሓላፊት ቸቺሊያ ማልምስትሮም ኅበረት ኤውሮጳ በቲ ፍሮንተክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ዶብ ኣኽባሪ ሓይሊ ጸጥታ ተልእኾ መሠረትን ብቁጠባዊ ደረጃ እውን ደገፋ ከምእተቕርብ ብምርግጋጽ፣ እቲ ኢጣሊያ ነቶም ስደተይናታት እተህቦ ግዚያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ብቐጥታት መሰል ሸንገን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ከምዝበላ እንክሕበር፣ መንግሥቲ ጀርመን ኣቶም ብድኽነት ተደሪኾም ናብ ኢጣሊያ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተይናታትን ብኢጣሊያ ኣቢሎም ናብ መላእ ኤውሮጳን ጀርመንን ክኣትዉ ማለት ዘይቅቡል ኢዩ እንክብል፣ ናይ ስፐይን ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ኣልፍረዶ ሩባልካባ ናይ ኅበረት ኤውሮጳ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ኃላፊት ማልምስትሮም ዘቕረበኦ ሓሳብ ደጊፎም፣ እቶም ናብ ኢጣሊያ ዝኣትዉ ዘለዎ ስደተይናታት ዘይሕጋውያን ስለ ዝኾኑ ናብቲ ዝመጽሉ ሃገር ማለት ናብ ቱኒዚያ ክፋነዉ ኣለዎም፣ ቱኒዝያ ካብ ሃገራ ዝተበገሱ ስለ ዝኾኑ ነቶም ስደተይናታት ክትቕበሎ ናይ ግድን ኢዩ ኢሎም። መንግሥቲ ፈረንሳ ብወገኑ ነቶም ብኢጣሊያ ኣቢሎም ዶባት ሃገሩ ዝሰግሩ ዘይሕጋውይን ስደተይናታት ናብ ኢጣሊያ ይመልሶም ከምዘሎን፣ እዚ ውሳኔ እዚ ሕጂ እውን ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ምዃኑ ብምሕባር መንግሥቲ ኢጣሊያ እቶም ካብ ቱኒዚያ ናብ ሃገሩ ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ናብ ኣባላት ሃገራት ኅብረት ኤውሮጳ ምክፍፋል ዝብል ከም መፍትሒ ዘቕረቦ ዘሎ ሓሳብ ፈጺሙ ዘይቅበሎ ምዃኑ የመልክት።

ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒ፣ ኢጣሊያ ነቶም ስደተይናታት እትህቦ ግዚያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ውሳኔ ስምምዕ ሸንገን ዘኽብርን ዝተኸተለን ኢዩ። ስለዚህ ኢጣሊያ ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ጉዳይ ስደተይናታት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተሳትፎ ኅብረት ኤውሮጳ ልዑል ክኸውን ሕቶ ከምእተቕርብ እንከመልክቱ፣ ናይ ረፑብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ፣ ኢጣሊያ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ጉዳይ ስደተይናታት ንምፍታሕ ኣብ እትከገብሮ ጻዕሪ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሓደኣዊ ፖሊቲካዊ ኣመለኻኽታ ሃልይዎም በዚ መሠረት ድማ ኢጣሊያ ነዚ ጉዳይ መፍትሒ ንኽረክብ እትግበሮ ጻዕሪ ኣብ ኤውሮጳን ምስ ኤውሮጳን መታን ክኸውን ዘይሕለል ጻዕሪ ከተካይድ ኣለዋ እንክብሉ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ድርገት ሊቀ መንበር ኾሰ ማኑኤል ባሮሶ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ግዚያዊ መንግሥቲ ቱኒዚያ ክዝትዩ ኣብ ቱኒዝ ከምዝርከቡ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.