2011-04-12 13:29:56

ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓሊ ድርገት


ኣብ 2007 ዓ.ም. ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተመዘ ብዛዕባ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓሊ ድርገት፣ ናይታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን ዓበይትን ኣገደስትን ሕቶታት ዘማእከለ ጽባሕ ዕለት 13 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ናይ ክልተ መዓልተ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 11 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ብዛዕባ ኣብ ቻይን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ድርገት ዘካይዶ ዘሎ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ኅልው ባህላውን ማሕበራውን ኩነታት ቻይና ወንጌል ክሰረጽ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘጓንፎ ብድሆታት ኣተኲይሩ ዝመያየጥ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብዛዕባ ናይ ቻይና ጉዳይ ፈላጣትን እዚ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ላዕለዎት እካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ገዳማውያንን መፍነሳውያን ማኅበራት ወከልትን ዘሳትፍ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ብዛዕባ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና ዝሓሊ ድርገት ቀዳማይ ኣኼባኡ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 27 ግንቦት 2007 ዓ.ም. ንካቶሊካውያን ቻይና ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 መጋቢት 2008 ዓ.ም. ከምዘካየደን፣ ቀጺሉ ካልኣይ ሙሉእ ጉባኤ ካብ ዕለት 30 መጋቢት ክሳብ ዕለት 1 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም. እቲ ሳልሳይ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ድማ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ከምዘካየደ እንክዝከር፣ ኣብዘን ክልተ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ሰብኣውን ፍልጠትን/ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕንጸት ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን፣ ካህናትን ንኣባላት መንፈሳውያን ናይ ካህናትን ደናግል ማኅበራትን ናይ መናንያን ማኅበራት ኣባላት ካህናትን ደናግልን ዝቐርብ ሕንጸትን ከምኡ ድማ ቀጻሊ ሕንጸት ካህናትን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ኣማእኪሎም ዝተኻየዱ ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.