2011-04-11 10:03:13

ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም ኣብ ቫቲካን


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ቫቲካን ኣብ ቅነ ዓቢይ ጾም ንበዓለ ፋሲካ መሳናደዊ ዝቐርብ ስብከት ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ተመሪሑ ይቕጽል ከምዘሎ እንክንገር ትማሊ ንጎሆ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም “እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ኣብ ሓዋርያዊ ቤተ ጸሎት እመ መድኅኔዓለም ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣስተንትኖን ስብከትን ብምቕጻል፣ እዚ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስይስ ምዕራፍ 3 ፍቕዲ 14 “ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ግና ንዅለን ኣሲራ ኣብ ፍጻሜ እተበጽሖን ፍቕሪ ኢያ ኣሞ ልበስዋ ብዝብል ቃለ ሓዲሽ ኪዳን ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ መደብ ስብከት ዓቢይ ጾም ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካትናላሜሳ፦ ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ኣፍቅር ምስ ዝብል ቃል ብምትሕሓዝ ብጻይካ ማለት ኣቲ ወዲ ዓድኻ ብባህልን ቋንቋን ምሳኻ ሓደ ዝኾነ ወዲ ዓሌትካን ወዲ ባህልኻን ማለት ዘይኮነስ፣ መንን ካበይን ምዃኑ ብዘየገድስ ንዅሉ ኣፍቅር ማለት ምዃኑ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 11 “ኣቱም ኣሕዋተይ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ” ምስ ዝብል ቃል ሓድሽ ኪዳን ብምትሕሓዝ ኣረዲኦም።

ብሓቂ ብልባትኩም ተፋቐሩ፦ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ፍቕዲ 9 “ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትዅን ንኽፍኣት ፈንፍንዋ ንሠናይ ከኣ ኃዝዋ” ቀጺሎም ድማ ምዕራፍ 13 ፍቕዲ 8 “ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኮይኑ ምስ ሓደ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። ምኽንያቱ እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ። ብሓቂ ብልቡ ዘፍቕር ኵሉ ሕጊ ይፍጽም እቲ ዘገድስን ብልብኻ ምፍቓር ኢዩ።

እቲ ዘይጽበን ለጋስን ፍቕሪ ሓናጺ ኢዩ። እቲ እንፍጽሞ ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ድዩ ግብረ ሠናይ ንገዛእ ርእስና ዝሃንጽን ንዓና ሓኒጽና ከባቢናን ቤትናን ከምኡ ድማ ቤተ ክርስትያን ንሓንጽ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ፊሊጵሲዩስ ኣብ ምዕራፍ ክልተ ካብ ፍቕዲ 2 ክሳብ 5 ዝብሎ “ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእስሳር ብሓደ መንፈስ ብሓደ ዕላማ ብምዕያይ ንሓጐሰይ ምልኣት ሃብዎ። ሓንቲ ነገር እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይ ንውዳሴ ኸንቱ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ እቶም ካላኦት ካባኹም ከም ዝበልጹ ጌርኩም ገምቱ። ነፍስ ወከፍኩም ናይ ካልኦት ጥቕሚ ኸኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ጥራይ ኣይርአ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻቱኩም ይሃሉ። ዝብላ ቃላት ኣንቢቦም እዚ ኢዩ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ መንጎ ማኅበረ ክርስትያን ክንበርን ክምስከርን ዘለዎ ሃናጺ ፍቕሪ እንክብሉ ስብከቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.