2011-04-07 14:47:30

ናይ ሞምባሳ ሊቀ ጳጳስ፣ ምስፋሕ ክርስትና


ምስፋሕ ሃይማኖት ክርስትና ካብቲ ኣብ ሰሜን ክፍሊ ዓለም ዝርኤ ንላዕሊ ኣብ ደቡብ ክፍሊ ዓለም ክብ ዝበለ ምዃኑ ኣብ ኬንያ ናይ ሞምባሳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦኒፋሰ ለለ ኣብ ኬንያ ናይ ማርይክኖል ማኅበር RealAudioMP3 መበል 100 ዓመት ምሥረታ ምኽንያት ኣብ ዝተዳልወ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክምዘመልከቱ እንክሕበር፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ዓለም ምስፋሕ ክርስትናን ጸዋዕታ ገዳማውን ክህነትን መንፈሳዊ ማኅበራትን እናተሓተ ክኸይድ ኣብ ደቡብ ክፍሊ ዓለም ምስፋሕ ክርስትና ኮነ ጸዋዕታ ክህነትን ኣባላት መንፈሳዊ ማኅበራት እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ እንከመልክቱ፣ ኣብ ኬንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኣላይን ፓውል ሌቢኡፒን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ ኬንያ ታሪኽ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ዘኪሮም ኣብ ጥንታዊ ዓለም ዝነበረ ልኡካነ ወንጌል ናይ ዘመንና ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ መረዳእታ እንክህቡ፣ ኣባ ላውረንቲ ማገሳ “ባህልታት ብወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኾን ናይ ካቶሊክ እምነትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣስተምህሮ ብምቕራብ፣ ባህልታት ብወንጌል ናይ ምስባኽ መደብ ናይ ካቶሊክ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዘጉልሕን ዘኽብርን ብናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝምራሕ እምበር ወንጌል ብባህልታት ክልወጥን ክስበኽን ከምዘይብሉ ኣረዲኦም። ነዚ ዘየኽብር ናይ ልኡካነ ወንጌል ተልእኾኡ ከምዝይዕወት ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ኣፍርቃ ሓዋርያዊ ተልእኾ ወንጌል ዕዉት ዝግበሮ እግዚኣብሔር ኢዩ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድም እቲ ክፉት ልቢ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.