Home Archivio
2011-04-07 14:45:08
ብጹዓን ጳጳሳት ታንዛኒያ፦ ጥበብን ብሥለትን ኣብ ግብረ ተኃድሶ ቅዋም ሃገር
ናይ ታንዛኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ንናይ ሃገሮም ናይ ሕግን ቅዋም ሃገር ጉዳይ ሚኒ. መንግሥቲ ቅዋም ሃገር ንምኅዳስ ዘርቀቖ ሓዳሲ ሕጊ ንሕዝቢ ታንዛኒያ ዘጉሂይን ዘሻቕልን
ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ንመደብ ተሓድሶ ቅዋም ሃገር መካየዲ ዝተሓንጸጸ ናይ ሕጊ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት ታንዛኒያ ብቐረባ ብምርዳእ ሳዕቤኑን ክበጽሖ ዝኣመቶ ሸቶ ብምትንታን ኣብቲ ናይ ታንዛኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሩዞካ ክታም ተነቢሩሉ ዝተሓላለፈ መልእኽቲ እቲ ንመደብ ተሓድሶ ቅዋም ሃገር ምሳለጢ ዝተሓንጸጸ ናይ ሕጊ ሰነድ ዝምርምር በቲ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሕን ርእሰ ብሔርን ዝተመዘ ቅዋም ሃገር ጉዳይ ዝኸታተል ድርገት ብምዃኑ እቲ ርእየት ሕጊ ተሓድሶ ምሉእ ዘይኮነ ናይ ሓደ ወገን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ርእየት ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚህ እቲ ሓዳሲ ሕገ መንግሥቲ ሕጊ ካብ ድላይን ሕቶን ሕዝቢ ዝምንጭ ክኸውን እናተገብኦ ነዚ መሠረት ሕገ መንግሥቲ ግምት ከይሃበ ናብ ፓርላማ ዘቕረቦ ብምዃኑ መሠረት ጓህን ሻቕሎትን ኢዩ።
ሰላም ዘረጋግጽ፣ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዘምጽእ ማኅበራዊ ሰላም ዘነቓቕሕን ናይ ሃገርን ሕዝብን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘንብር ሓዳሲ ሕጊ ቅዋም ሃገር ኢዩ ዘድሊ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.