2011-04-07 14:45:08

ብጹዓን ጳጳሳት ታንዛኒያ፦ ጥበብን ብሥለትን ኣብ ግብረ ተኃድሶ ቅዋም ሃገር


ናይ ታንዛኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ንናይ ሃገሮም ናይ ሕግን ቅዋም ሃገር ጉዳይ ሚኒ. መንግሥቲ ቅዋም ሃገር ንምኅዳስ ዘርቀቖ ሓዳሲ ሕጊ ንሕዝቢ ታንዛኒያ ዘጉሂይን ዘሻቕልን RealAudioMP3 ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ንመደብ ተሓድሶ ቅዋም ሃገር መካየዲ ዝተሓንጸጸ ናይ ሕጊ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት ታንዛኒያ ብቐረባ ብምርዳእ ሳዕቤኑን ክበጽሖ ዝኣመቶ ሸቶ ብምትንታን ኣብቲ ናይ ታንዛኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሩዞካ ክታም ተነቢሩሉ ዝተሓላለፈ መልእኽቲ እቲ ንመደብ ተሓድሶ ቅዋም ሃገር ምሳለጢ ዝተሓንጸጸ ናይ ሕጊ ሰነድ ዝምርምር በቲ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሕን ርእሰ ብሔርን ዝተመዘ ቅዋም ሃገር ጉዳይ ዝኸታተል ድርገት ብምዃኑ እቲ ርእየት ሕጊ ተሓድሶ ምሉእ ዘይኮነ ናይ ሓደ ወገን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ርእየት ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚህ እቲ ሓዳሲ ሕገ መንግሥቲ ሕጊ ካብ ድላይን ሕቶን ሕዝቢ ዝምንጭ ክኸውን እናተገብኦ ነዚ መሠረት ሕገ መንግሥቲ ግምት ከይሃበ ናብ ፓርላማ ዘቕረቦ ብምዃኑ መሠረት ጓህን ሻቕሎትን ኢዩ።

ሰላም ዘረጋግጽ፣ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዘምጽእ ማኅበራዊ ሰላም ዘነቓቕሕን ናይ ሃገርን ሕዝብን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘንብር ሓዳሲ ሕጊ ቅዋም ሃገር ኢዩ ዘድሊ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.