2011-04-02 15:02:59

ካልኣይ ስብከት ዓቢይ ጾም ኣብ ቫቲካን


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ቫቲካን ኣብ ቅነ ዓቢይ ጾም ንበዓለ ፋሲካ መቀራረቢ ዝቐርብ ስብከት መሠረት ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ተመሪሑ ትማሊ ንጎሆ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ RealAudioMP3 እማኣኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ ቤተ ክርስትያን ንዓለም ከተቕርቦን ዝተቐበለቶ ቀዳማይን መሠረታዊ ተልኾኣ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ምብሣር ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ ዓለም ካብኣ ዝጽበዮ። ሰባክያን ወንጌል ናይዚ ተልእኾ’ዝን ብፍላይ ድማ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ርግጽነት ክህልዎም ይግባእ። ብዝዕባ ናይ እዚኣብሔር ፍቕሪ ክነስተንትንን ክንሓስብን እንከለና ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነን ክንርድኦን ዝግበኣና ሰብ ዘይኮነ ንእግዚኣብሔር ዘፍቀረ ቀዲሙ ንሰብ ዘፍቀረ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኢዩ። ስለዚህ እቲ ንእግዚኣብሔር ንኸነፍቅር ዘሎና ተኽእሎ ኣብቲ ቀዲሙ ዘፍቀረና እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣብ ዘሎና ርግጽነት ዝቖመ ከምዝኾነ ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እምነት ከምዚ ቢልካ ክተገልጾ ብሓቂ ቀሊልን ደስ ደስ ዘብልን ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓካ፣ ኣቲ ሓቂ ግን ከምዚ ኣይኮነ፣ እግዚኣብሔር ብሓቂ ከምዘፍቅረና ብሓቂ ንኣምን እንተንኸውን ሕይወትን ገዛእ ርእስናን ኩሎም ነገራትን ኩነታትን ንገዛእ ርእሱ እቶ ዘጓንፍ ስቓይ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክልወጥ ምረኣና። ስለዚህ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ ኣብ ዝብል ሓቂ ክንዓብን ነዚ ሓቂ ከነስተማቕርን ክንነብርን ምስ እንኽእል ጥራሕ ኢዩ ኩሉ ዝልወጥን ዝሕደስን። ሰብ እግዚኣብሔር ከምዘፍቅሮ ምፍላጥ የድልዮ ኢዩ። እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ድማ ካብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ደቀ መዝሙር ንላዕሊ ነቲ እግዚኣብሔር ከምዘፍቅሮ ንምፍላጥ ዝደሊ ፍጠረት ሰብ እዚ ሓድሽ ዜና ከቕርብ ዝኽእል ማንም የሎን። ብዙሓት ኣብ ዓለም እቲ ክርስታያን ዘለዎ ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ማኅበራዊ ፍትሕ ክረጋገጽን ምክብባርን ሰላምን ምቅብባልን ክህሉ ዘለዎ ድላይ ዝኣምኑሉን ዝካፈልዎን ሓሳብ እውን ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ካልኦት ሃይማኖታት ዝኾነ ዓይነት ዝተፈላለዩ ፍስፍናታት ንሰብ እግዚኣብሔር የቅረካ ኢዩ፣ ቀዲሙ ዘፍቅር እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣይገልጹን እንክብሉ ስብከቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.