2011-04-02 15:02:05

ቅድስቲ መንበር፦ ዘይሕጋዊ ሓብቲ ገንዘብ ንምቁጽጻር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ዝተቐበልዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥልጣን ዘልብሶም መሰል ምእማን ሕጊ ቫቲካን መሠረት ብዘይ ሕጋዊ ተግባር ዝእከብ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕጋውያን መዳያት ብምውፋር ዘይሕጋውነቱ ንምሕባእ ዝግበር ጻዕርን ተግባርን ከምኡ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ሃብቲ ገንዘብ ኣመጻጽኣኡ ክጻረይ RealAudioMP3 ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 30 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ብናይ ገበንን ዘይሕጋዊ ተግባራትን መሠረት ዝመጽእ ሃብቲ ገንዘብ ከምኡ ድማ ንግብረ ሽበራ መሳለጢ ዝብል ሕቡዕ ዕላማ ዘለዎ ሕጋዊ ቁጠባ ንምቁጽጻር ነዚ ከምዚ ዓይነት ኢግብረ ገባውን ኢሥነ ምግባራውን ድለባ ሃብቲ ገንዘብ ንምውጋድ ዘድግፍ ኣብ ናይ ቫቲካን ናይ ገበነይናን መቆጻጻሪ ብሕጊ 127 ዝፍለጥ ካብ ትማሊ ዕለት 1 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ መቆጻጻሪ ዘይሕጋዊ ድለባ ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን ከምኡ ድማ ነዚ ብዘይ ሕጋው መገዲ ዝተረኽበ ሃብቲ ገንዘብ ዘይሕጋውነቱ ንምኽዋል ኣብ ሕጋዊ መዓላ ብምውፋርን ብኻልእ መዳይ ንግብረ ሽብራ መሣለጢ ክውዕል ዝፍጸም ገበን ንምቁጽጻርን ዝኾነ ይኹን ሃብቲ ገንዘብ ሕጋውነቱ ንምጽራይ ዝሕግዝ ሕጊ 127 ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ግብረ ገባውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዕላማ ዘንጸባርቕ እውን ከምዝኾነ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ብምትንታን፣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መቆጻጻሪ ሕጋውነት ሃብቲ ገንዘብ ሕጊ፣ እዋናዊ ዝግበር ምዃኑ ብምምልካት፣ ካብ 10 ሺሕ ኤውሮ ንላዕሊ ዝግመት ሃብቲ ገንዘብ ካብ ሃገረ ቫቲካን ንምውጻእን ናብ ሃገረ ቫቲካን ንምእታው ወይ ድማ ንምንቅስቃስ ዝግበር ተግባር ብዕሊ ካበይ ናበይ ተነጺሩ ንናይ ቫቲካን ናይ ቤት ጽሕፈት ኃይሊ ጸጥታ ምሕባር ዝብል ዝእዛዝ ዘጠቓለለ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ ኤውሮጳን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃን ምስ ዝተሓንጸጸ መቆጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ሕጊ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ምዃኑን ኣብ ኅብረተሰብ ግብረ ገባውን ሥነ ምግባራዊ ሕይወት ክሰርጽ ዝድግፍ እውን ምዃኑ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ስታራስበርግ ናይ ኅብረተ ኤውሮጳ ዘይሕጋውነት ድለባ ገንዘብን ቁጠባን ዝቆጻጻር ቤት ምኽሪ ኣብ ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብን ጸረ ግብረ ሽበራን ዝምልከት ሕጊ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ኣብዚ ጉዳይ ኣባል ሃገራት ዝኽተለኦ ሕግታት ዝግምግም ኣኼባ ክካይድ ምዃኑ እንክንገር ኣብዚ ምልኣተ ጉባኤ ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.