2011-03-30 10:02:06

ብፁዓን ጳጳሳት ስሜን ኣፍሪቃ


ናይ ሞሮኮን ኣልጀሪያን ቱኒዚያን ሊቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርኤ ዘሎ ለውጥን ሕዝባዊ ናዕብን ብቐረባ ብምክትታል እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብቕልጡፍ ቅኑዕን ንዅሉ ዘኽብር ውሳኔ መሠረት ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ሰላም ክረጋገጽ ዘቕረብዎ ጻውዒት ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ናይ ሞሮኮ ርእሰ ከተማ ራባት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ላንደል ፊርማ ዝተነበረሉ መልእኽቲ ብምቅላሕ ሕዝቢ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ሕቶ ነጻነትን ፍትሕን ሰብኣዊ ክብርን ክኽበርን ፍትሓዊ ክኸውን ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ኣብ ሊቢያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ ፍትሕ ክረክብ ብምሕታት ዓመጽን ውግእን ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮን ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ውግእ ብቐዳማይ ደረጃ ግዳይ ዝኸውን እቲ ድኻ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኢዩ ቢሎም፣ ናይቲ ከባቢ ውጥረት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕን ናብ ሰላምን ፍትሕን ዝመርሕ መገዲ ብመገዲ ሰላም ውሑስ ክኸውን ሓላፍነት ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ምዃኑ ገሊጾም ንሕዝቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ደገፍን ሓገዝን ክቐርብ ጻውዒት ብምቕራብ ሓደራ ቢሎም ኵሉ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክምራሕ እውን ጸልዮም መልእክቶም ከምዝደምደሙ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.