2011-03-30 10:00:19

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ተዘክሮ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል


ናይ ናዚ ሥርዓት ኣደዳ ዝኾኑ 335 ንፁሓን ዜጋታት ንምዝካር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሰንበት ኣብቲ ፎሰ ኣድሬኣቲነ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መካነ መቓብር በጺሖም ናይ ኅሊና ጸሎት ብምዕራግ፣ እዚ ቅድሚ 67 ዓመት ዝተፈጸመ ኣረመናዊ ተግባር ኣብ ዓለም ዳግም ከይኽሰት ቢሎም፣ ዝኾነ ይኹን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጸረ እግዚኣብሔር እውን ምዃኑ ኣረዲኦም እቲ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ምብጻሕ ታሪኻዊ ተባሂሉ ብዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙኃን ዓቢ ትኵረት እውን ክእምተገብረሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፎሰ ኣርዲኣቲነ መካነ መኻብር ዝፍፈጸመዎ መንፍሳውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ኣመልኪቶም ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ኣጎስቲኖ ጆቫኞሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑን እዚ ድማ ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ ናዚ ሥርዓት ኣብ ልዕሊ ዘረኢ ሰብ ሕልቂት ዝፈጸመሉ መዳጎኒ ኣውሽዊዝ በጺሖም ነቶን ንሞት ዝተዳርጉ ንጹሓን ዜጋታት ዘኪሮምን ናይ ሕሊና ጸሎት ኣዕሪግኮም ነቲ ሥርዓትን ተግባራቱን ኮኒኖም ኣብ ፎሰ ኣርዲያቲነ እውን በጺሖም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ጸረ ሰብኣዊ ውሳኔ ኵሉ ጸረ እግዚኣብሔር ኢዩ ከምዝበሉን፣ እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ብተደጋጋሚ እተቃልሖ ናይ ሕይወት ክብሪ ንኽረጋገጽ ዘተባብዕን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ዝወሃብ ጉጉይ ታሪኻዊ ትንተና ትኽክል ከምዘይኮነን ዝሕብር ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ፎሰ ኣርዲኣቲነ ካብ ዝተቐትሉ ንጹሓን ዜጋታት እቶም 76 ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓብቲ ከምዝነበሩ እንክዝከር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝተረኽቡ ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ሰኚ እቲ መንፈሳውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን ኣይሁድ ሃይማኖትን ዘሎ ርክብ ሰናይ ምዃኑን ዘነጽር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.