2011-03-30 10:01:21

ሊቃውንቲ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ ሓባር ዓወደ መጽናዕቲ


ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መሠረት ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ኢኣማንያንን ኣማንያንን ሊቃውንቲ ዝዓደመ ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዕለት 24 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 26 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ከምእተኻየደ እንክዝከር እቲ ኣማኒያን ኢኣማንያን ሊቃውንቲ ንናይ ሓባር ዘተ ዝዓደመ ዓወደ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ቀዳም ብዝተሓላለፍዎ ናይ ድምጽን ርእየትን መልእኽቲ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ብዛዕንባ’ዚ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ባህሊ ቅዱይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ክርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይዚ ዓወደ መጽናዕቲ መቐጸልታ ኣብ ኣልባኒያ ርእሰ ከተማ ቲራናን ስዒቡ ድማ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ እናበለ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝፍጸም ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ፓሪስ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዝተኻየደ ናይ ሓባር ናይ ዘተ ዓወደ መጽናዕቲ ንምሁራትን ሊቃውንትን ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅሉ ሕዝቢ ዝማረኸ ከምዘነበረ እውን ገሊጾም፣ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ ስነ ምርምራዊ ሕቶታት ጀሚሩ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ስነ ጥበብን ሥነ መንፈሳውነትን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያታ ኣማእኪሉ ዝዝተየ ክምዝኾነን እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ኣደባባይ ኖትረ ዳም ብዙሓት መንሰያት ብዝተሳተፍሉን ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ድምጽን ርእየትን መልእክቲ ተሰሚዑ ከምእተዛዘመ እውን ገሊጾም። ኣብ ቲራና ቀጻሊ ኣኼባ ንምክያድ ዝተውሃበ ውሳኔ ኣልባኒያ ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ እታ ኣብ ቅዋም ሃገር ብዕሊ ኢኣማኒት ሃገር ዝብል ቃል ዘንበረት እንኮ ብምዃና እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ባህላዊ ከይዲ ዘሕደሮ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑን ቀጺሉ ኣብ ፊረንዘን ባርቸሎና ስቶኮልም ቫለንሲያን ኪበክን ፕርግን ከተማ ሚላኖን እናበለ ዝቕጽል ናይ ሓባር ዘተ ኢዩ ኢሎም።

ብዙሕ ግዜ ናይ ሓንቲ ሃገር ዓለማዊ ቅዋማ ኣብ ሕቶ ዘእቱን ዝድምስስን ተዮክራሲያዊ/ ኣብ ምልከ እግዚኣብሔርነት ዝኣምን ሥርዓት እዚ ድማ ሥልጣንን መንበረ ታቦትን ኣደባሊቑ ዝርእይን ባህልን ሃይማኖትን ዝሓዋውስ ኣብ ባህልን ሃይማኖትን ባዶነት ዘስዕብ ኣብ ዜጋታት ውሳጣዊ ባዶነት ዘተኣታትው ኣብ ሥነ ምሕደራን ማኅበራዊ ሕይወት መሠረት ባህላውን መንፈሳውን መዳያትን ናይ መንግሥቲ ኣወንታዊ ዓለማውነት ከይዱ ከይተረፈ ዝጎድእ ከምዝኾነን፣ ዘይሃይማኖታዊ ሥርዓት ክበሃል እንከሎ ጸረ ሃይማኖት ሥርዓት ማለት ከምዘይኮነ ገሊጾም፣ ስለዚህ ሓደ ሥርዓት ወይ ድማ መንግሥቲ ዘይሓይማኖታዊ ኢዩ ክበሃል እንከሎ ናይቲ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ደረት ሰገር ኣድማስን ባህርያዊ ዝንባለ መንፈሳውነትን ዝሓክኽ ማለት ኣይኮነን፣ ናይዚ ዓይነት ምዃናዊ ኣመለኻኽታ ዓብይ ኣብነት ድማ ፈረንሳ ኢያ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ እውን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ዓለማዊ ሥርዓት ዕጹው ማለት ዘይከነ ገዛእ ርእሱ ክፉት ዝገብር ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ሊቃውንቲ ዝካየድ ናይ ሓባር ዓወደ መጽናዕቲ ነዚ ዝምስክረ ከምዝነበረ ድማ ገሊጾም ኢዩ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.