2011-03-29 16:11:56

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ናይ ቆጵሮስ ፓትርያርክ ክሪሶስቶሞስ ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


ናይ ቆጥሮስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ላዕላዋይ ሐላፊ ብፁዕ አቡነ ክሪስቶሞስ ካልአይ አብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ይገብሩ ከም ዘለዉ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን አፍሊጡ ።

ብፅዕነቶም ካብ ኒኮሲያ ቆጵሮስ ትማሊ ሮማ ከም ዝአተዉ ክፍለጥ ከሎ ሎሚ ረፍዲ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን አመልኪቱ ።

በዚ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዝሀቦ መግለጺ መሠረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ ቆጵሮስ ብፁዕ አቡነ ክሪስቶሞስ ካልአይን ወቅታዊ ኩነታት ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ፡ ነጻነት ሃይማኖት ቆጵሮስ ዘተኮረ ሰፊሕ ዘተ አካይዶም።

ሰብዓን ሸውዓተን ካብ ሚእቲ ህዝቢ ደሴት ቆጵሮስ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ከም ዝኽተል እቲ ዝውጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐለፈ ዓመት 2010 ወርሒ ሰነ አብ ቆጵሮስ ሐዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዝገበርሉን ምስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ምስ ብጹዕ ክሪስቶሞስ ተራኺቦም ከም ዝነበሩ እዚ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን አዘኻኺሩ ።

ቅዱስ አቦና በነዲቶስ ቆጵሮስ ኒኮሲያ አብ ዝበጽሕሉን ምስ ብፁዕ ክሪስቶሞስ አብ ዝተራኸብሉን ግዜ አብ ሞንጎ አብ ሐደ እግዚአብሔር ዝአምኑ ሕብረተ ሰባት ርክብን ዘተን ክካየድ ሐሳብ አቅሪቦም ከምም ዝነበሩ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዘኪሩ ።

ብፁዕ አቡነ ክሪስቶምስ ናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ላዕላዋይ ሐላፊ ብወገኖም ፡ እግዚኣአብሔር ኩለን አብኡ ዝአምና አብያተ ክርስትያናት ክሐብራ ኡንኮ ክኸና ከም ዝደሊ ወግዓዊ መግለጺ ሂቦም ከም ዝነበሩ እዚ ክፍሊ ማሕተም ቫቲኣክን ዝውጽኦ መግለጺ አገንዚቡ ።

ናይ ደሴት ቆጵሮስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፁዕ አቡነ ክሪስቶሞስ ድሕሪ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ከም ዝተራኸቡ ክምልከት ከሎ ቅድሚ ንን ኢቆሲያ ቆጵሮስ ምምላሶም፡

ምስ ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያናት ማሕበር ሊቀመንበር ምስ ብፁዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኾክ ንሐልዮ ሐድነት ክርስትያን ዝቆመ ማሕበር ሊቀመንበር ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ምስ ብፁዕ ካርዲናል ጂያንፍራንኮ ራቫዚ ፡ ከምኡ ክአ አብ ሞንጎ ክርስትያንት ዚካየድ ዘተ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ምስ ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ከም ዝራኸቡ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ደሴት ቆጵሮስ ብ1960 ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ነጻ ምስ ወጸት ናይ ኦርቶዶስስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳስ መርቆርዮስ ፕረሲደንት ቆጥሮስ ከም ዝተሰየሙ ክዝከር ከሎ፡ ቱርክ ሰሜናዊ ክፍሊ ቆጵሮስ ምስ ተቆጻጸረትን ፡ ብ1974 ደሴት ቆጵሮስ ግሪኽ ቆጵሮስን ቱርኪ ተባሂላ አብ ክልተ ምስ ተኸፍለት ንአቡነ መርቆርዮስ ተኪኦም ክሪስቶሞስ ቀዳማይ ከም ዝተመርጹ ይዝከር።

ናይ ደሴት ቆጵሮስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ብፁዕ አቡነክርስቶሞስ ቀዳማይ ደሴት ቆጵሮስ አብ ዝመርሕሉ ግዜ አባል ሕብረት ኤውሮጳ ክትከውን ከም ዝበቅዔት ክዝከር ከሎ ፡ ብ2006 ዓመተ ምሕረት እዞም ሕጂ አብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ክርስቶሞስ ካልአይ ብህዝቢ ንቤተ ክርስትያን ክመርሑ ከም ዝተመርጹ ይንገር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.