2011-03-19 11:46:50

ሰንበት ዘመፃጕዕ መጋቢት 11 2003 ዓ.ም. ( መጋቢት 20 2011)


መዝሙር፡ አምላኩሰ ለአዳም . . . . ።

ንባባት፡ 1ቆሮ 1፡21~ፍ፤ ያዕ 5፡14~ፍ፤ ግ.ሓ. 3፡1~12፤ ማቴ 7፡7~12

ስብከት፡ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፥ “ ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። አነኸአ ኦ ጎይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ ከአ አሕውየኒ” መዝ. 41፡3~4።

መዝሙር በዚ ሰንበት ዘመፃጕዕ ዝዝመር “ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ አነ ጎይታ ሰንበት እየ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“ ዝብል እዩ። አብ ጎይታ ሰንበትን አቦ ምሕረትን ቀሪብና ምስ አምላኽ ክንዕረቕን ካብ ኩሉ ሓጢአትና ክነጽሕ ዘዘኻኽረና መዝሙር። ምጻጕዕ ክፉእ ሕማም ሥጋ እዩ ክርስቶስ ንብዙሓት ካብዚ ሕማም አሕውይዎም ሎሚ አብዚ ዘመና እዚ ሕማም አብ ገለ ክፍሊ ዓለማት እንተ ዘይኮነ ዳርጋ ጠፊኡ እዩ። ሎሚ ንሰብ አሸጊርዎ ዘሎ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሕማም መፃጕዕ እዩ። ሰብ ከይሓዊ አብዩ እቲ ሕማም እናከበደን ከፍኤን አብ ዓለምና ንርእዮ አሎና ናይ ሎሚ ሰንበት እምብአር አብ ነፍስና ተመሊስና አጥቂዑና ዘሎ ሕማም መንፈሳዊ መፃጕዕ አለሊና ክንሓዊ አብቲ አቦ ምሕረት ንቕረብ። ክነጽሕ እንተ ደለና አብ አምላኽና ንቕረብ።

አብ ዘመን ኢየሱስ ዝነበሩ ሕሙማት መፃጕዕ ሰለስተ ጸገም ነርዎም 1. ካብ ስድርኦም ይፍለዩ፥ 2. ካብ ሕብረተ ሰብ ይፍለዩ፥ 3. ብአምላኽ ዝተቐጽዑ ኮይኑ ይርአ ነሩ። ነዞም ጽጉማት ኢየሱስ ይትንክፎም ይሰምዖም የሕውዮም ነሩ። መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ዓርኪ መፀብሓንን ሓጥአንን እናበሉ ይወቕስዋ ነሮም። ሓደ ካብዞም ሕሙማት መፃጕዕ እንመሃሮ ዓለቶም ብዘየገድስ ኩሎም ብሓንሳብ ይነብሩ ነሮም። አብኦም ሓባራዊ ጸገም ስለ ዝነበሮም ፍልልይ አይነበረን። እዚ አብቶም ጥዑያት አይርከብን ነሩ አይሁዳውን ሳምራውን ንአብነት መዓልካ እኳ አይብሃሉን አብ ወንጌል ከም እንረኽቦ ኢየሱስ ነታ ስማራዊት ሰበይቲ ክዛረባ እንከሎ ዝርአዩ ሓዋርያት ተዓንቂፎም ንሳ እውን ኢየሱስ ማይ አስትይኒ ምስ በላ ተገሪማ ንሳኻ አይሁዳዊ አነ ሳምራዊት ከምይሉ ይኸውን በለቶ እዚ ነቲ ዝነበረ ፍልልይ የርእየና። ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ነቲ ግዙፍ ሕማም ምስቲ ውሽጣዊ ሕማም መንፈስ አነጻጺሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ውሽጣዊ ሕማም እዩ ዝግድሶ ነሩ። ጾም ንውሽጣዊ ሕማማትና ክንሓዊ መገዲ ይኸፍተልና። ካብ ሓጢአትና ነጺሕና ምስ ነፍስና ምስ ሰባት ምስ አምላኽ ክንቀርብ ክንሓዊ አሎና እሞ ነዚ እዋን ምሕረት ንጠቐመሉ።

ቅዱስ ማቴዎስ አብ ናይ ሎሚ ንባብና ሓደ ካብቲ ቀንዲ ፈውሲ ሕማምና ጸሎት ምኻኑ ይገልጸልና። ኢየሱስ ደጋጊሙ ንኹልና አመንቲ አብ ሰማያዊ አቦና ቀሪብና ብአባታዊ ፍቕሩ ተደፊእና ክንጽሊ ይሓተና። ለምኑ ኳሕኵሑ፥ ድለዩ፥ ሕተቱ እናበለ ሎሚ አብዛ ስዓት ክንሓትት የዘኻኽረና። እዘን ሕተቱ ለምኑ ኳሕኩሑ ዝብላ ቃላት ሓደ ጊዜ ጥራሕ ክንጥቀመለን ዘይኮነ ቀጻሊ ተግባርና ዘየቋርጽ ክኸውን ከምዘለዎ ይነግራና። ስለዚ ቀጺልኩም ሕተቱ፥ ቀጺልኩም ካሕኩሑ፥ ቀጸልኩም ድለዩ ይብለና። ቅዱስ ጳውሎስ ምስ እዚ ዝሰማማዕ አብ ሰብ ቆላስያስ አብ ዝጸሓፎ 4፡2 “ጸሎት አዘውትሩ አብ ጸሎትኩም ከአ ንቝሓትን አመስገንትን ኩኑ” ይብል። ጸሎት ሓደ ጊዜ ደጊምካዮ ዘቋርጽ ጉዳይ አይኮነን ኩሉ ጊዜ ብዘይምቁራጽ ክንጽሊ ይግብአና። አብ 1ተሰ 5፡17 ኸአ “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ይብል። ምስ አምላኽ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና ከሎ ጥራሕ ኢና አብቲ ሓቀኛ ትርጉም ሕይወትና እንርከብ። አብ ደብረ ታቦር ምስ ዓረጉ ጴጥሮስ አብዚ ምሳኻ ምንባር ይሕሸና ኢሉ ተዛሪቡ፥ ምስ አምላኽ ምንባር ከምይ ምዃኑ ክርኢ ጀሚሩ ሽዑ ካብኡ ክፍለ አይደለን ንሕና እውን ነዚ ኢና እንሕተት ዘሎና። ምስ አምላኽ ርክብ ዘቋረጸ አብ ሕይወት ዝጓነፎ ጸገም ብዙሕ እዩ። አዳምን ሔዋንን ካብ ምእ አምላኽ ምንባር ካልእ መገዲ ምስ መረጹ ኩሉ ተቐይርዎም ሞት አምጺኦም ይብለና እዚ ኸአ ካብ አምላኽ ክንፍለ ከሎና ንሕና እውን አብ ነፍስና እነምጽኦ እዩ። ካብ ኩሉ ካብ አምላኽ ዝረሓቐ ሰብ እቲ ዝኸበደ ጸገሙ ጸገም ከምዘልኦ ክርኢ የጸግሞ ዓዊሩ እንከሎ ዝርኢ ይመስሎ ሓሚሙ እንከሎ ጥዕና ዘልኦ ይመስሎ እዚ አብ እዋን ኢየሱስ ነሩ ሎሚ እውን ንብዙሓት አጸጊሙ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ከምቶም መፃጕዕ ዝሓመሙ ናብ ኢየሱስ ምስ ቀረቡ እሞ ምሕረት ምስሓተቱ ዝሓወዩ ሎሚ እውን ነፍሲ ወከፍና ክንሓዊ ናብ ኢየሱስ ንቕረብ ንጸሊ ምስኡ ተዛሪብና ንኽአል።

አብ እነዕርጎ ጸሎት አምላኽ ዝህበና መልሲ ክገልጽ እንከሎ “ንስኻትኩም እኳ ኽፉአት ከሎኹም ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈልጥኩም እቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦኹም ግዳ ንዝለመንዎ ክንደይ አብዚኁ ሠናይ ነገር ዘይህቦም” ይብል። አምላኽ ዘድልየና ነገራት ይፈልጥ እዩ ካባና ዝደልዮ ድላይና ክንገልጸሉ እዩ ዝደሊ። ወለዲ ምስ ደቆም ዘልኦም ርክብ ኩልና ንፈልጦ እዩ ሓልዮት ፍቕሪ ኩሉ ጊዜ ዘይውዳእ ሓልዮት አሎ። እግዚአብሔር ፈጣሪና ንአና ንደቂ ሰብ ክንደይ ከም ዘፍቅረና በቲ ሓደ ወዱ ገሊጹልና። ንአኡ ክንመስል ፈቒዱ። ፍቕሩ ደረት የብሉን። ፍቕሪ አምላኽ ዝንፈጎ ሰብ የለን ኩሉና አብ መአዲ ፍቕሩ ክንቀርብ እሞ ምስኡ ሓደ ክንከውን ድላዩ እዩ። ዘፍቅረና ኸአ ጻድቃን ስለ ዝኾና አይኮነን እንታይድአ ፈቃር አቦ ስለ ዝኾነ እዩ፥ አብኡ ፍልልይ የለን ብኹነታትና አይ ቅየርን እዩ ንሕና ኢና እንቕየር። አብዚ ጊዜ ጾም ኣርብዓ እምብአር አብኡ ዘቕርበና መገዲ ንሓዝ።

ካሕኵሑ ክርሓወኩም ንዝብል ገለ ተርጎምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብልዎ ማዕጾ ምኩሕኳሕ ምስቲ መጽናዕቲ ወይ ትምህርቲ ሕጊ ኦሪት ዝተሓሓዘ እዩ ይብሉ። አብ ባህሊ ገለ ሃገራት አፍሪቃ ሰባት አብ ገዛ ክአትዉ ማዕጾ አይኵሕኵሑን እዮም ምኽንያቱ ሰረቕቲ ጥራሕ እዮም ዝዅሕኵሑ እዚ ኸአ ሰብ አብ ውሽጢ እንተሎ ከረጋግጹ ኢሎም ዝገብርዎ እዩ ስለዚ አብ ምትርጓም አብ ክንዲ ምኵሕኳሕ ምጥቓዕ፥ ምስዓል፥ ወይ ምጽዋዕ ይጥቀሙ። ብዝኾነ እቲ ቁምነገር አብ ሓደ ቦታ ክትአቱ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር አሎ አብ ቤት አምላኽ ክትአቱ ጸሊኻ ምኽአል የድሊ ዘይጽሊ አብ ቤት አምላኽ ክአቱ ክኸብዶ እዩ። እዚ ቤት ቤት ጸሎት እዩ ጸሊና ክንክእል አሎና። ቋንቓ እግዚአብሔር ጸሎት እዩ ኩልና ክንምሃሮ ዝግባእ ቋንቋ እዩ። ቅ. አጎስጢኖስ ዝጽሊ ንአምላኽ ይፈልጥ ይብል። ንአምላኽ ከምእንፈልጦ መፍለጢና እንጽሊ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ።

አብ እዋን ጾም ብፍሉይ እነዘውትረን ሰለስተ ነገራት አለዋና፥ ጾም፥ ምጽዋት፥ ጸሎት እየን። ነዘን ሰለስተ ነገራት ብሓቂ ክነዘውትረን እንከሎና ጾምና ፍረ ይህልዎ። እዚ ኸአ ባዕሉ መድኃኒና ክርስቶስ ዝሃበና መምርሒ ሕይወትና እዩ። ነዘን ሰለስተ ነገራት እምብአር ከይንዝንግዐን ተጊህና ሕይወትና ክንመርሕ ይግባእ። ፈተና ዘዘናግዕ መገዲ ጉዕዞ ክንቅይር ዝጓነፍ ብዙሕ እዩ እንተኾነ ጽንዓት ምትጋህ ምጽላይ የድሊ። ነዘን ሰለስተ ነገራት አብ ግብሪ ከይነውዕለን ዝጻብኡና ሰለስተ ጸላእቲ አለዉና ንሳቶም ከአ ዓለም ሰይጣን ሥጋ እያቶም። ጸላኢኻ ትፈልጦ እንተኾንካ ክትከላኸሎ አየጸግመካን እዩ ጸላእትና ፈሊጥናዮም አሎና ስለዚ ብአአቶም ከይንማረኽ ምስትውዓል ምጽላይ የድልየና። ጸሎት ዘረባ አምላኽ እዩ እሞ ጸሊና ክንክእል ምድካም የድልየና።

ጸሎትና ፍረ ዘልኦ ዝኸውን በቲ ንሕና እንገብሮ ጸሎት አይኮነን እንታይ ደአ ሰማያዊ አቦና ንጸሎትና ሰሚዑ ስለ ዝምልሰልና እዩ። “ለምኑ ክውሃበኩም ከአ እዩ” ይብለና እዚ ግን ኩልና ከም እንፈልጦ ናይ አምላኽ መገዲ ከምኡ አይኮነን። ብዙሓት ንብዙሕ ነገራት ንጽሊ ኢና እንተኾነ ጸሎትና ከይተሰምዐ ዝተረፈ ብዙሕ እዩ፥ ሽዑ ስለምንታይ አምላኽ ንጸሎተይ ዘይሰምዖ ንብል፥ አምላኽ ከምዚ ናይ ዘመና ማሺን ካርድ አእቲኻሉ ዝደለኻዮ ዝህበካ አይኮነን ማለት ናይ ጸሎት ካርድ አእቲኻ ጥረ ገንዘብ ወይ ዝኾነ ካልእ ህያባት ዝህብ አይኮነን። እሞ ከመይ ገርና እና ክንርድኦ እዚ ኢየሱስ “ለምኑ ክውሃበኩም እዩ ድለዩ ክትረኽቡ እኹም ኳሕኵሑ ክርሓወኩም ኢዩ” ንዝብል። ነዚ ክንምልሶ ከሎና ምስትውዓል የድልየና መጀመርያ ኢየሱስ እንታይ ከምዝበለ ክንርዳእ አሎና፥ ምኽንያቱ ብቋንቋ ግሪኽ ለምኑ፥ ድለዩ፥ ኳሕኵሑ ዝብል ቃላት ዘስምዖ ቀጺልኩም ለምኑ፥ ቀጺልኩም ድለዩ፥ ቀጺልኩም ኳሕኵሑ እዩ ዘስምዕ። እዚ ኸአ ጸሎት ቀጻሊ ጉዳይ እምበር ሓንሳ ኢልካዮ ዘቋርጽ አይኮነን። እግዚአብሔር ከአ ክምልሰልና እዩ ግን ኩሉ ጊዜ አብቲ ንሕና ዝደለነዮ ጊዜ ከይከውን ይኽእል። ካልአይ መልስና ብኻልእ መልክዕ ክንርእዮ እንተኾና እግዚአብሔር ንአና ዘድሊ ካባና ንላዕሊ ይፈልጦ፥ አብ ገለ እዋን ንጸሎትና መልሲ እንተ ዘይሃበና ዝበለጸ ህያብ እዩ። አብ ገለ እዋን ከይተረድአና ዝጎድአና ነገራት ክንሓትት ንኽእል ኢና። ሳልሳይ ከም ሓላዪ ገርና ክንምልሶ እንተ ኾና ሰማያዊ አቦና ኩሉ ጊዜ ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና ይደሊ ከምቲ ሓደ ወላዲ ውላዱ ንትምህርቲ ዝሰደደ እሞ ንኹሉ ዘድልየካ ናይ ገንዘብ ነገር ክኸፍለልካ እየ ኢሉ ተስፋ ዝህብ እንተኾነ እቲ ዝህበካ ቸክ አብዚ መጺእካ አብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ውሰዶ ብቡስጣ አይሰደልካን እየ ምኽንያቱ ክትመጽአና ክንርእየካ ንደሊ ኢና አብኡ ምስ ብጾትካ ጥራሕ ከይትኸውን መጺእካ ውሰዶ ዝብሎ፥ እግዚአብሔር ከምኡ እዩ ዝገብር መጺእና ዘድልየና ክንሓቶ ይደሊ። እግዚአብሔር ካብ መጀመርያ ሰብ አብቲ ናቱ ክሳተፍ ፈቒዱ። ሰብ ንአምላኽ እጃሙ ከበርክት አምላኽ ደልይዎ አብ ጸሎት እምብአር እጃምና ክነበርክት ይደልየና። እዚ ግን እንደልዮ አይፈልጥን ወይ ክህበና አይደልን ማለት አይኮነን ንሱ ናታትና ተበግሶን ድለትን ክርኢ ይደሊ፥ አብኡ ዘሎና እምነትን ቅርቡነትን ኩሉ ጊዜ ክርኢ ይደሊ።

ሓዋርያት ሓደ ካብቲ ዝሓተትዎ ጸሎት ምሃረና ዝብል እዩ ነሩ። አብ ጊዜ ኢየሱስ መማህራን ንተመሃሮኦም ሓደ ጸሎት ከምህሩ ልሙድ እዩ ነሩ ዮሓንስ መጥምቕ ንአርድእቱ ጸሎት አስተምሂርዎም ነሩ፥ ሂለል ዝብሃል አይሁዳዊ ቀቅድሚ ልደት ኢየሱስ ዝነበረ ንተመሃሮኡ ጸሎት የስተምህር ነሩ፥ ገማልያል መምህር ቅዱስ ጳውሎስ ከምኡ፥ ነዚ ዝርአዩ ሓዋርያት ካብ ካልእ ዝፈሊ ጸሎት አርድእትኻ ምዃና ዝነግር ምሃረና ኢሎም ሓቲቶሞ፥ ንሱ ኽአ አቦና አብ ሰማይ እትነብር ዝብል ዝበለጸ ጸሎት አስተምሂርዎም። ኩልና ክርስትያን ነዚ ጸሎት ንደግሞ አብኡ ክንጽልዮ ዝግብአና ነገራት ይነግረና። ጸሎት ክንምሃር ጸሎት ክንገብር ግድነት እዩ። ጸሎትና ሓባራውን ግላውን ክኸውን ይግባእ። ሓባራዊ ምስ ስድራን አብ ማሕበር አብ ቤተክርስትያን አብ ጉባኤታት ክኸውን እንከሎ ብግልና ኸአ ንብሕትና እንገብሮ ጸሎት ብዝተፈላለየ መልክዕ እንገብሮ እዩ። እቲ ኾይኑ እቲ ንአምላኽ ክንዛረቦ ይግብአና ብፍላይ አብዚ ጊዜ ጾም።

ዝዓበየ ጸሎት መስዋዕቲ ቅዳሴ እዩ። ምኽንያቱ ብርእሱ ክርስቶስ አብ መስዋዕቲ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ይቐርብ እሞ አብ ሥጋኡን ደሙን ይልወጥ እዚ እምነት ገርና እንተ ዘይ ቀረብናዮ ከቢድ እዩ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ባዕሉ ብጸሎተ ሓሙስ ሰሪዕሎም ክሳብ እዚአ ሰዓት ከአ እቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት አብ ቀራንዮ ዝተሰውዔ ኢየሱስ ሎሚ አብ መንጎና እቲ መስዋዕቲ ይደግም አሎ። አብዚ ናይ ኢየሱስ መስዋዕቲ ክንቀርብ እሞ ካብኡ ክንሳተፍ ሕልናና ቀሪብና ክንቀርብ አሎና። ካህን እዚ ሥጋ ክርስቶስ፥ እዚ ደም ክርስቶስ እዩ ክብለና እንከሎ አሜን ኢልና ክንቅበል ከሎና ሽዑ ምስኡ ሓድነት ንፈጥር። ነዚ ዝዓበየ ጸሎት ቤተክርስትያን ብቐጻሊ ክንሳተፎ ሓደራ ትብለና። ቅዳሴ ዝለዓለ ድሕነት ነፍስና አለዎ፥ በዚ ምኽንያት ኢና ንሙታን ንሕያዋን ምእንቲ ዝተፈላለየ መስዋዕቲ ቅዳሴ እነዕርግ።

ጾምና ፍረ ዘልኦ ክኾነልና እምብአር ደጋጊምና አብ ቤቱ ክንመላለስ እሞ ክንጽሊ ከሎና እዩ። አብ እዋን ጸሎት ዝጻቡኡና ነገራት እውን አለው ገለ ካብኦም ከአ፡


ነዚ ኹሉ በብዕለቱ እንወድቆ ሓጢአት ካብኡ ክንወጽእ እዚ እዋን ጾም አርብዓ ምቹእ ጊዜ እዩ። አብ ልብና አቲና ተሓድሶ መንፈስን እምነትና ክንረክብ ሎሚ ጾምና ብምሉእ ልብና ክንምርሕ ይግብአና። ሰብ እንተ ሓመመ አብ ሕክምና ይኸይድ እሞ ነቲ ዝተአዘዘሉ መድኃኒት ምስ ወሰደ ይሓዊ፥ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ሕክምና መንፈስ እንኸደሉ እዋን ሎሚ እዩ። አብ አምላኽ ቀሪብና ተዓረቐኒ በዲለካ እየ ወዲቐ ካብ መገድኻ ወጺኤ ሎሚ ግን አብ ቤትካ ክምለስ ተዓረቐኒ ክንብል እዋኑ እዩ። ሥጋና አይሽነፍን እየ ብሃላይ ስለ ዝኾነ ክንቃለሶ አሎና። ብልብና ጸሎት እናገበርና ሱባኤ ምስ አምላኽና ንእቶ። ኦ ጎይታይ ጸሎት ምሃረኒ ንበሎ።

ማርያም መምህር ጸሎት እያ ምስ አምላኽ ተዛሪባ እትኽእል አደ እያ። ነዚ ስለ ዝኸአለት ከም ዝበልካዮ ይኹን በለት ምኽንያቱ ንድለት አምላኽ ርእያ እትክእል እያ። አብዚ ቅዱስ ዝዋን ብኹሉ ከምቲ ወዳ ዝደልዮ ክንከይድ አምነትና ሓዲስና ከምቲ ናታ ብርቱዕ እምነት ገርና ክንጉዓዝ ከምቲ ንሓዋርያት አብ ጽርሃ ጽዮን አብ ጸሎት ዝመራሕኪ ሎሚ እውን ንአና አብ ኩሉ ምርሕና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.